ሜታ፡ ምስ ኲናት ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኬንያ ክኽሰስ ከም ዝኽእል ተወሲኑ

ዝዓነወት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋና ፌስቡክ ዝዀና ኩባንያ ሜታ ብሰንቲ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ድሒሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመን ኲናት ነይሩዎ ብዝተባህለ እጃም ኣብ ኬንያ ክኽሰስ ከም ዝኽእል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ወሲኑ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናብ ዓሌታዊ ጐንጽን ቅትለትን ዘምርሑ ትሕዝቶታት ብምልላይ ዝተኸሰሰ ሜታ፡ ንዝቐርበሉ ክሲ ናይ ምርኣይ ስልጣን ከም ዘለዎ ውሳነ ከም ዝተዋህበ ሓላፊት ስትራተጂ ሊቲጌሽን - እውሓስ-አግብእ- ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ማንዲ ሙዳሪክዋ ትማሊ ሓሙስ ገሊጻ።

"እዚ ውሳነ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ገዘፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ተሓተትቲ ንምግባር ዘኽእል እወታዊ ስጕምቲ'ዩ። እዚ ንፍትሒ መንገዲ ዝጸርግን ዓበይቲ መድረኻት ቴክኖሎጂ ተሓተትቲ ዘይግበርሉ ግዜ ከም ዘየሎን ዘርኢ'ዩ፡" ከም ዝበለት እቲ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

ፌስቡክ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብቲ መድረኽ ጽልኢ ዝሰብኩን ጐንጺ ዘለዓዕሉን መልእኽትታት ክዝርግሑ ገይሩ'ዩ ብዝብል ካሕሳ ክልተ ቢልዮን ዶላር ንክኸፍል ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ታሕሳስ ክሲ ተመስሪትሉ።

ንሜታ ካብ ዝኸሰሱ ውልቀሰባት እቲ ሓደ፡ ተወላዲ ትግራይ ዝዀነ ኣቦኡ ብፌስቡክ ብዝተዘርግሐ መልእኽቲ ዝተቐትለ ኣብርሃም መዓርግ እዩ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝነበረ ፕሮፌሰር መዓርግ ኣማረ፡ ንመንነቱ መሰረት ዝገበረ መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ ምስ ተዘርግሐ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብጥይት ተቐቲሉ።

እዚ ጽሑፍ፡ ስምን ኣድራሻን እቲ ፕሮፌሰር ዝሓዘን ንክቕተል ዝጽውዕን'ዩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ፕሮፌሰር መዓርግ ቅድሚ ምቕታሉ ነዞም ጽሑፋት ንኽእለዩ ናብ ፌስቡክ ሪፖርት'ኳ እንተ ተገብረ፡ ፌስቡክ ንኽኣልዮም ፍቓደኛ ኣይነበረን ብምባል እቲ ክሲ ይጠቅስ።

እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀሰባት፡ ፕሮፌሰር መዓርግ በቲ ከባቢ ካብ ዝሓልፉ ሰባት ሓገዝ ንኸይረክብ ስለ ዘጠንቀቖ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከድሕኖ ኣይከኣለን።

ጥይት ምስ ተተኰሶ ድማ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓታት ብ24 ጥቅምቲ 2014 [ኣ.ግ] ሞይቱ።

ፌስቡክ ዘረባ ጽልኣት ዝነዝሑ መልእኽቲታት ብዘይምእላይ ይኽሰስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጕጅለ ሕጊ ሜታ ብወገኑ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኣመሪካ ዝተመዝገበ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ክሲ ኣብ ኬንያ ክርአ የብሉን ብዝብል ተኻቲዑ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ብተወሳኺ እቶም ዝቐርቡ ክስተታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ኬንያ ክርኣዩ የብሎምን ዝብል መካትዒ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ኳ እንተ ነበረ ቤት ፍርዲ ኬንያ ግን እቲ ክሲ ናይ ምርኣይ ስልጣን ኣለኒ ኢሉ ኣሎ።

ፌስቡክ እቲ ጽሑፍ ንኽኣልዮ ካብ ኣብርሃም ንዝቐረበሉ ሪፖርት፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት ክኣልዮ እንከሎ፡ ኣቦኡ እቲ ጽሑፍ ካብ ዝጥቃዕ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ተቐቲሉ።

"ፌስቡክ ነዚ ዘረባ ጽልኣት ደው እንተ ዘብሎን ኣብቲ ገጽ ዝጥቅዑ ጽሑፋት ብግቡእ ዘጻሪ እንተ ዝኸውንን ነይሩ፡ ኣቦይ ኣይምሞተን፡" ክብል ኣብርሃም ቅድም ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስክር፡ ኣልጎሪዝም ፈይስቡክ፡ "ጽልኢ ዝሓዙን ጐንጺ ዘለዓዕሉን፡" መልእኽትታት ከም ዘወዓውዕ ተዛሪቡ።

ከምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ድማ ተሳትፎ ተጠቀምቲ ስለ ዝውስኹ ከም ዘይኣልዮም ገሊጹ።

ኣብርሃም መዓርግ ፈይስቡክ ይቕረታ ክሓቶ እዩ ዝደሊ

ምንጪ ስእሊ, FOXGLOVE

መግለጺ ስእሊ, ፈይስቡክ ይቕረታ ክሓቶ ዝደሊ ኣብርሃም መዓርግ

ካልእ ከሳሲ ተመራማሪ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝነበረ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሰርሖም ዝነበሩ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት ብኢንተርነት ሓያሎ መጥቃዕቲ በጺሑዎ'ዩ።

በዚ ምኽንያት ንድሕነቱ ከም ዝሰግእ ይገልጽ።

ካብ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ብዝሰገረ፡ 'ካቲባ' ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሜታ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

እዞም ከሰስቲ፡ ኣብ ፈይስቡክ ምስ ብዝተዘርግሐ ጽልኢ ብዝተሓሓዝ ንዝበጽሖም ጕድኣት ካሕሳ ክልተ ቢልዮን ዶላር ንክኽፈሎምን ኣብ ኣልጎሪዝም ፈይስቡክ ለዉጢ ክግበርን ይሓቱ።

ዋና ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ "ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ እኹል ፍልጠት ዘለዎምን ሰብ ሞያን ብምቝጻር ብዙሕ ተዛራቢ ብዘለዎም ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ዝልጠፉ ሕጊ ዝጥሕሱ ልጣፋት ናይ ምቍጽጻር ዓቕምና ንምሕያል ንሰርሕ ኣለና፡" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ካብ ብዝሒ ህዝባ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ፌስቡክ ዝጥቀም እንተዀነ፡ እቲ ትካል ነታ ሃገር ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።