ብቀዳም ጥራይ ልዕሊ 800 ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም

እቶም ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ዘቋረጹ ሰባት ብሓለዋ ዶብ ተሰንዮም ናብ ዶቨር ተወሲዶም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, እቶም ንመትረብ እንግሊዝ ዘቋረጹ ሰባት ብሓለዋ ዶብ ተሰንዮም ናብ ዶቨር ተወሲዶም

ብቀዳም ልዕሊ 800 ስደተኛታት ብ13 ንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቝራጽ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም።

መትረብ እንግለዝ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙን ዋላ ሓደ ስደተኛ ከይሰገረሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብቀዳም ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣቋሪጸሞ።

እዚ ከኣ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓት ዓመታት፡ ንዝነውሐ ግዜ ስደተኛታት ነቲ መትረብ ዘየቋረጽሉ እዋን ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

እቶም ቅድሚ እዛ ቀዳም ንመወዳእታ ግዜ ነቲ መትረብ ብምቝራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉሉ ግዜ ብ14 ሕዳር'ዩ ነይሩ። ካብ 14 ሕዳር ክሳብ 20 ታሕሳስ ግን ዝዀነ ስደተኛ ንምትረብ እንግሊዝ ኣይሰገረን።

እቶም ብ11 ንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ስደተኛታት ቍጽሮም 737 ኰይኑ ኵሎም ብሓለዋ ዶብ ተሰንዮም ናብ ዶቨር ተወሲዶም ኣለዉ።

ታሕሳስ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝኽሰት ብርቱዕ ቁርን ማዕበልን ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩላ ዘይሓርይዋ ወርሒ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ነተን ስደተኛታት ሒዝን ናብታ ሃገር ዝኣተዋ ጃላቡ ንምዕጋት ብዙሕ ስጕምትታት ክወስድ ተራእዩ'ዩ፤ እንተዀነ እዚ ቅጽበታዊ ውጽኢት ከምጽእ ኣይክኣለን።

ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዝተፈላለዮ ምኒስተራት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምርኻብ ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዘሎ መስርሕ ዝቐለለ ንምግባሩ፡ ኣብቲ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ብሃገራት ኣውሮጳ ዝተፈረመ ውዕል ምትዕርራይ ክግበረሉ ሕቶ ብምቕራብ ተላዚብሉ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት ብጠቕላላ፡ 41 ሽሕን 455 ሰባት መትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም፤ እዚ ብ2024 36 ሽሕ 816 ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ሕዳር ሆም ሰክረታሪ ሻባና ማሕሙድ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ግዝያዊ ዕቝባ ጥራይ ክውሃቦምን ንሱ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 ወርሒ ዳግማይ ክረአን ዝብል ዝርከቦ ሓደስቲ ሕግታት ከምዝተኣታተወ ገሊጻ ነይራ።

እዚ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቝባ ኵነታት ሃገሮም ምምሕያሻት እንተኣርእዩ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘገድድ'ዩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብቲ 'ዋን ኢን ዋን ኣዉት' ዝብል ምስ ፈረንሳ ኣብ ነሓሰ ዝኣተዎ ስምምዕ፡ ክሳብ 27 ሕዳር 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኤርትራዊ ዝርከቦም 153 ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ከምዝመለሰት መዛግብቲ ይሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ሆም ኦፊስ "ቍጽሪ ናይዘን ንመትረብ እንግሊዝ ዘቋርጻ ዘለዋ ንኣሽቱ ጀላቡ ኣዝዩ ዘሕፍር'ዩ፣ ህዝቢ ብሪጣንያ ዝሓሸ ነገር'ዩ ዝግብኦ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "መንግስቲ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ዝዀኑ ኣብዚ ዘይሕጋውያን ኰይኖም ዝጸንሑ ሰባት ኣሊና ኣለና፣ ብመሰረት እቲ ምስ ፈረንሳ ዝኣተናዮ ታሪኻዊ ውዕል ከኣ እቶም ሕጂ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ'ዮም" ኢሉ።