'ኦሮሞ ሓራ ወጺኡ’ዩ፤ ተቓሊስና ብደምና ተዓዊትና ኢና' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ

ምንጪ ስእሊ, OBN
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ 30 ሚያዝያ 2016 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣብ እትርከብ ከተማ ነቀምት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኦሮሞ ሓራ ወጺኡ፤ "ትማሊ ብደምና ተቓሊስና ተዓዊትና" ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር መጺኡ ዝበሃል “ለውጢ ብምድጋፍ” ኣብ ስታድዩም ወልጋ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ደገፍ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ወሲኹ፡ "ዝተዓወት ህዝቢ ንዓወቱ ይዕቅብ እምበር፤ ዳግማይ ናብ ኲናት ኣይኣቱን'ዩ" ኢሉ።
መንግስቲ "ሸኔ" ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ኵለን ዞባታት ወለጋ ዝንቀሳቐስ ኰይኑ ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ይዋጋእ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሓለፈ ዓመት እውን ናብ ነቀምት ብምኻድ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ከምዝተዘራረበ ይዝከር።
ህዝቢ ወለጋ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ካብ ልምዓት ድሒሩ ከምዘሎ ነቲ ኣብ ስታድየም ዝተኣከበ ህዝቢ ተዛሪቡ።።
"ከም ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መርኣያ ምዕባለ ዝኸውን ቍጠባ ንሃንጽ ኣለና። ኣብዛ ሃገር ሰላምን ሓድነትን የለን። እንተዀነ ኣብ ኣፍሪቃ ግን መርኣያ ዝዀነ ቍጠባ ንሃንጽ ኣለና። ብልጽግና ኢትዮጵያ ክረጋገጽ እዩ። እትፍራሕ ኢትዮጵያ ክንሃንጽ ኢና" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣብ ነቀምት ኣዋጅ ክእውጅ እደሊ። ሓድነት ኦሮሞ እንተዘይተዓቂቡ ሓድነት ኢትዮጵያ ክቕጽል ከምዘይክእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ኣለዎ። ኦሮሞ ሰላም እንተዘይኰይኑ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይክትረክብን እያ። ኦሮሞ ዓቢ እዩ። ነብሱ ቀይሩ ሃገር ይቕይር” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጠረ ግጭት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ተመዛቢሎም።
ኣብቲ ክልል ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝተወገነን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ታንዛንያ ክልተ ግዜ ንልዝብ ሰላም ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ግን ኣይተኽኣለን።
ንረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝቃለስ ዝገልጽ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብቐንዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወለጋ ይንቀሳቐስ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ መደረኡ፡ "እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ ዝሃቦ መወዳእታ ዘይብሉ ሰላም ንኢትዮጵያ’ውን ክዀነላ እእውጅ" ኢሉ።
ኣብቲ ስታድየም ዝተረኸቡ ነበርቲ ካብ ዝሓዝዎም ጭርሖታት "ወለጋ መሬት ሰላም" ዝብል ይርከቦም።
“ህዝቢ ወለጋ ብልምዓት ተሃስዩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ስእነት ሰላም እዩ። ንወለጋ ክንቅይራ ንደሊ ኢና። ራእይ እውን ኣለና። ሓሳብና ኣብ መንገዲ ንኸይተርፍ ግን ህዝቢ ዕድል ይሃበና። ህዝብና ይድግፈና" ክብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሆሮጉድሩ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወለጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፤ ንብረቶም ዓንዩን ተመዛቢሎምን።
ነበርትን ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ መጥቃዕትታት ንዓሌታዊ መንነት መሰረት ዝገበረ እዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ኣብቲ ናይ ትማሊ መደረኡ "ሽም ወለጋ ንምጥፋእ ዝግበር ፈተነ ከነሐድሶ ኢና። ብጽቡቕ ስም ንኽትጽዋዕ ድማ ክንሰርሕ ኢና። ንደቅና ንምዓድ፤ ቅድሚ ናብ ጣዕሳ ምእታውና ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ” ክብል ተሰሚዑ።
ኣሕዋት ክቃተሉ ከምዘይብሎም፡ ሕቶታት ርእሰ ምሕደራ መልሲ ምርካቦም ውጽኢት ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ከምዝዀኑ ድማ ጠቒሱ።
“ክቡር ዋጋ ከፊልናሉ ኢና። እምቢ ኢሉ ዋንነት ገዛእ ርእሱ ሃገር ኣረጋጊጹ’ሎ” ኢሉ።
"ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ‘ንምንታይ ዘይንዓቢ?’፡ ‘ስርቂ ክላባዕ የብሉን’ ዝብል እዩ። ነዚ ድማ ምሟት ኣየድልን እዩ" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ “ሓቢርና ኮፍ ክንብል ንጽገም፤ ምስ ጸላእቲ ኦሮሞ ኮፍ ኢልና ንኽንዘራረብ ክንውጥን ግን ኣየጸግመናን። ከምዚ ዓይነት ኦሮሞነት ግን ካበይ እዩ መጺኡ?" ኢሉ።
ንሱ “ጸላእቲ ኦሮሞ” ዝበሎም ኣካላት ግን ኣየነጸረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







