ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተቐልቀላ ትሸዓተ ጀላቡ ስደተኛታት

ኣብ ክሳዶም ዝጠልቕ ናይ ጎማ ቀለበት እኳ እንተነበሮም፡ ናይ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ጃኬት ግን ኣይተኸድኑን

ምንጪ ስእሊ, BBC / ZAID ABBOUR

ምስ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ኰይንና፡ ምንቅስቓስ ብጃልባ ዝስደዱ መናእሰይ ን24 ሰዓታት ክትትል ገይርና።

እታ ኣብ ንእሽቶ ፍጥነት ዘለዋ ጃልባ ተኣሲራ ናባና ገጻ ትስሓብ ዝነበረት ጃልባ ድማ፡ ፈላመይቲ ካብተን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዘጋጠማና ትሽዓተ ስደተኛታት ዝጽዓና ጀላቡ ነይራ።

ካብቲ ሕጂ ኣብ ዓለም እቲ ጽዑቕ መስመር ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዝዀነ መስመር ልዕሊ 180 ሰባት ድሒኖም።

ኩሎም ኣብ ክሳዶም ዝጠልቕ ናይ ጎማ ቀለበት እኳ እንተነበሮም፡ ናይ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ጃኬት ግን ኣይተኸድኑን።

ካብታ ኣብ ገማገም ባሕሪ ቱኒዝያ እትርከብ ከተማ ስፋክስ ተበጊስና ኣብታ ሃገራዊት ጃልባ ሓለዋ ገማገም ባሕሪ ምስ ተሰቐልና ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት፡ እቲ ራዳር ፈላማይ ምልክት ሂቡ።

መጀመርታ፡ እዘን ንኣሽቱን ዝያዳ ቅልጡፋትን ጀላቡ ምስ ክልተ ፍጥነት ዘለወን ጀላቡ ብምውዳር ነታ ስደተኛታት ዝጽዓነት መርከብ ንምርካብ ተዋፊረን።

ንሳ ምስ ተረኽበ፡ መራሒ እታ መርከብ ሞተር ኣጥፊኡ ናብታ ሽዱሽተ ሓለውቲ ገማገም ባሕሪ ቱኒዝያ ንኽሕግዙ ድሉዋት ኰይኖም ደው ዝበሉላ ዝዓበየት ናይ ሓለዋ መርከብ ንኽምለስ መምርሒ ተዋሂቡዎ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ደሴት ላምፔዱዛ ጣልያን ትሕቲ 200 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ስፋክስ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክገሹ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ትሕተ-ሰሃራ መተሓላለፊት ኰይና ጸኒሓ።

ኣብዚ፡ ነቲ ኵነታት ተበሊጾም ብዙሓት መኽሰብ ዝረኽቡ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ስደተኛታት’ውን ኣለው።

ብዙሓት ስደተኛታት ብመገዲ (ብእግሪ) ናብ ሊብያ ይኸዱ ነበሩ፣ ካብኡ ድማ ናብ ግሪኽ ብጃልባ ይኸዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ሰበስልጣን ሊብያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ድሕሪ ምስጓጎምን ኣብ ገማገም ባሕሪ ሓለዋ ምስ በርትዐን እቲ ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝደልዩ ስደተኛታት ዝመርጽዎ መስመር ናብ ቱኒዝያ ኣቕኒዑ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ ቱኒዝያ ንምቁጽጻር ዶባት፡ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ከምኡ’ውን ተበግሶታት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምሕያል እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንምሕጋዝ 115 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሕግዛ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ 115 ሚልዮን ዶላር ኣካል ናይቲ ብዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ዝቐርብ ዘሎ ዝዓበየ ውዕል ሓገዝ እዩ።

ቱኒዝያ ክሳብ ሕጂ እቲ ገንዘብ ብልክዕ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ መዓላ ክውዕል ከም ዘለዎ ዝገልጽ ውዕላት ኣይተሰማምዐትን።

ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 54,049 ሰባት ብሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ወይ ቱኒዝያ ከም ዝድሓኑ ይገልጽ። ብተወሳኺ ልዕሊ 2000 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

እዚ ኣሃዝ፡ ዕጽፊ ካብቲ ኣብ ሙሉእ ዓመት 2022 ዝተገብረ ፈተነ ምስጋር ስደተኛታት ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, BBC / ZAID ABBOUR

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናብ ቱኒዝያ ክንምለስ።

ካብታ ክትጕተት ዝጸንሐት ጃልባ 46 ስደተኛታት ክወርዱ ምስ ጀመሩ፡ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ብማዕበል ቁጥዐ’ዮም ተቐቢሎምዎም።

ሓደ ካብኣቶም፡ “ግደፉኒ፤ ናብ ጣልያን ክኸይድ’የ" ኢሉ ጨደረ።

ካልእ፡ "ደጊመ ጥራይ እየ ክፍትን" ክብል ዓው ኢሉ ተዛረበ።

ኩሎም ካብ ኣይቮሪኮስትን ጊኒን ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ነዚ ክፋል ባሕሪ ንምስጋር ሳልሳይን ንራብዓይን ፈተነኦም ምዃኑ ሓቢሮምና።

ኣብ እዋን እቲ ስርሒት ምድሓን ስደተኛታት፡ ቢቢሲ ኵሉ ምንቅስቓሳት ክዕዘብ እኳ እንተተፈቕደሉ እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ግን ንዝዀነ ይኹን ሕቶ መልሲ ከይህቡ ተነጊሩዎም’ዩ።

ካብኡ ምስ ተመለስና ዘዘራረብናዮ ኣፈኛ ሑሳም ኤል-ዲን ኤል-ጀባብሊ፡ “ናብቲ ባሕሪ ክንኣቱ ኢና ኢሎም ዘፈራርሑ ኣለዉ። ኣብ ነብሶም ነዳዲ ኣፍሲሶም ክንቃጸል ኢና ዝብሉ’ውን ኣለው” ኢሉ።

ኹሎም ተሳፈርቲ እታ ፈላመይቲ ጃልባ ናብ መሬት ቱኒዝያ ድሕሪ ምምላሶም፡ እቲ ራዳር ነዊሕ እንከይጸንሐ ህላወ ጃልባ ከምዘላ ኣመልኪቱ።

እተን ክልተ ፍጥነት ዘለወን ጀላቡ ክኣ ንመርመራ ተላኢኸን።

እታ ካልአይቲ ጃልባ ኣብ ጎንና ኣላ፤ ኩሎም እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 20 ሰባት ክኣ መግብን ማይን ሃቡና ምባል ጀሚሮም።

ንልዕሊ 12 ሰዓታት ኣብቲ ባሕሪ ከም ዝጸንሑ ይናገሩ።

እዚኦም፡ ኲናት ካብ ዘለወን ዞባታት ሱዳን፣ የመን፣ ሊብያን ሶርያን ዝመጽኡ ስደተኛታት ምዃኖም ይገልጹ።

እዛ ጉጅለ እዚኣ ዘይከምታ ቀዳመይቲ ጃልባ፡ ኣዝያ ዝሰንበደትን ዝደኸመትን ትመስል።

ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ተመልሱ፡ መራሒ እታ ጃልባ ብሰበስልጣን ቱኒዝያ ይእሰር።

እዚ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተኸሲሱ፡ ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ ነዊሕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።

እንተ እቶም ዝተረፉ ተሳፈርቲ ግን፡ ድሕረ ባይትኦም ብሰበስልጣን ምስ ተጻረየ ክፍነው’ዮም፤ ዳግማይ ከም ዝፍትኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣስገርቲ ዝሓቱዎ ገንዘብ፡ ከም ዜግነት እቲ ስደተኛ፡ ጽሬት እታ መርከብን ዓመትን ዝተፈላለየ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኣብ ስፋክስ ዝነበረ ዋጋታት ካብ 1200 ዲናር ቱኒዝያ (385 ዶላር) ክሳብ 6,500 ዲናር ቱኒዝያ (2,100 ዶላር) ነይሩ።

እቶም ዝተሓተ ዋጋ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ድማ በተን ኣዝየን ርጉኣት ዘይኰና መራኽብ ክኸዱ ይግደዱ።

ብዙሓት ስደተኛታት ልዕሊ ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ፈተነ ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, BBC / ZAID ABBOUR

እንተዀነ፡ ሓለውቲ ገማገም ባሕሪ ብዝወስድዎ ስጉምትን ፍሹል ተደጋገምቲ ፈተነታትን ግን ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዕዳ ይወድቁ።

ዳግማይ ክፍትኑ፡ ተወሳኺ ልቓሕ ክወስዱ ቃል ይኣትዉ። እዚ ግን መሊሱ ይፈሽልን ናብ ዝኸፍአ ድኽነት የጥሕሎምን ኣሎ።

እቶም ምልክት ሃለዋት ጀላቡ በጺሑዎም ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ሓለዋ ገምገም ባሕሪ፡ ናብቲ ምልክት ዘርኣየ መስመር ክጉዓዙ እንከለው፡ ልዕሊ ዓሰርተ ክዳውንትን ጫማታትን ኣብ ዝባን ማይ ክሕንበቡ ርእዮም።

ኣብ ኵላትና ስቕታ ዓሰለ።

ዳይረክተር ጥዕና እታ ከተማ ሃተም ኣልሸሪፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ህጻናት ዝርከቡዎም መንነቶም ዘይተፈልጠ ልዕሊ 700 ሰባት ኣብ ወሰን ከተማ ስፋክስ ኣብ ዘይተፈልጠ መቓብር ተቐቢሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ገሊኦም ነቶም ኣብዚ ክፋል ገማገም ባሕሪ፡ ዝኣረጋን ዘይምቹኣትን ካብ ብረት ዝተሰርሓ ጀላቡ ብምጥቃም ዝፍለጡ ቱኒዝያውያን ኣሰጋገርቲ ይነቕፉ።

እዘን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ጀላቡ ሰበስልጣን ቱኒዝያ ኣብ ዝገበርዎ ክትትል ምስ ተትሓዛ፡ ከም ዓቢ ኵምራ ተኣኪበን ኣለዋ።

ገፈፍቲ ዓሳ እቲ ከባቢ እውን ብፍላይ እዘን ጀላቡ ንኽጥሕላ ዝያዳ ተቓላዕቲ ስለ ዝዀናን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መርበብ መግፈፊ ዓሳታት ክተሓላለኻ ከም ዝስትውዓላን ይገልጹ።

ኣስክሬን ብፍላይ ድማ ናይ ቈልዓ ሬሳ ክረኽቡ እንከለው ዝስምዖም ሓዘን’ውን ኣውጊዖምና።

“ብዙሕ ሬሳታት ርእየ እየ። ስደተኛታት ነዚ ጉዕዞ ክቕጽሉ ኣይደልን። ገማገም ባሕርና መቓብር ኰይኑ ኣሎ" ይብል ኣል-ጂላኒ ካመል ዝተባህለ ገፋፊ ዓሳ።

ሰራሕተኛታት ሓለዋ ባሕሪ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለው።

ተወሳኺ ሓሙሽተ ጀላቡ ስደተኛታት ተኸታቲሎም ክሕዙወን እንከለው ድማ ተዓዚብና።

ሽዑ ልክዕ ናይ ስራሕ ሰዓቶም ኣብ ዝዛዘመሉ ዝነበረ እዋን ናይ መወዳእታ ጻውዒት ተገብረ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝረኸቡዋ ሓንቲ ጃልባ ናይ ገዛእ ርእሶም ዜጋታት ዝመልአት እያ ነይራ።

ካብቶም ካብታ ሃገር ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ቱኒዝያውያን ትሕቲ 15 ሚኢታዊት ይሽፍኑ።

እታ ጃልባ ምስ ተትሓዘት፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ሰብኣይ ተሲኡ፡ ንንእሽቶ ጓሉ ናብ ባሕሪ ክድርብያ ምዃኑ ከፈራርሕ ጀመረ ፤ ድሒሩ ግን ተኣሲሩ።

ካልእ ንራብዓይ ግዜ ይፍትን ከም ዘሎ ዝገለጸ ስደተኛ ክኣ “ልክዕ ከም ዝሞትኹ’የ ዝቘጽሮ” ብምባል በኸየ።

ካብቲ ወደብ ወጺእና ክንምለስ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ድሕሪ ምፍናዎም ኣብ ወሰን ጽርግያ ክኸዱ ኣርኪብናሎም።

“ምናልባት ኣብ እግሪ እዘን ኣግራብ ኣውሊዕ ክንሓድር ኢና" ክብል ሓደ ካብ ኣይቮሪኮስት ዝመጽአ ኣቡበከር ዝተባህለ ስደተኛ ተዛሪቡ።

“ድሕሪኡ ድማ ደጊምና ክንፍትን ኢና" በለ ካልእ መንእሰይ።

ባሕሪ ክሰግሩ እንከለው ንሞት ይፈርሑዎ ዶ ክንብል ዝሓተትናዮ ሱዳናዊ ኣደል ዓድቡላህ ብወገኑ፡ “ካብ ኲናት ሃዲመ’የ መጺአ። ካብቲ ኣቐዲመ ዝረኣኹዎ ዝኸፍአ ክኣ ኣብ ባሕሪ ዝረኣኹ ኣይመስለንን። ዝኸስሮ ነገር የብለይን” ኢሉ።