ኦፔክ እንታይ እዩ? ምህርቲ ነዳዲ ንምንታይ ይንክይ ኣሎ?

ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስዑዲ ዓረብ፡ ምህርቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብሓደ ሚልዮን በርሚል ክትንክይ ምዃና ኣፍሊጣ።

እዚ ስጉምቲ፡ ዋጋታት ክውስኽ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ኣፍረይቲ ነዳዲ ኦፔክ+፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ምህርቲ ንምንካይ ወሲነን ነይረን።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ እቲ ውሳነ ከም ዘይልወጥ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እንተዀነ ተንተንቲ ነዳዲ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣየ ምንካይ ምህርቲ ነዳዲ፡ ኣብ ዓለምና ዓቢ ወሰኽ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ከስዕብ'ዩ ዝብል ግምት የብሎምን።

ኦፔክ+ እንታይ እዩ?

ኦፔክ+ ምሕጻረ ቃል ኮይኑ ነተን ነዳዲ ሰደድ ዝገብራ ሃገራት ዝውክል ውድብ እዩ።

ዕዳጋ ንምብሓትን ዋጋ ንምቁጽጻርን ኣብ መስከረም 1960 ብሓሙሽተ ሃገራት ተመስሪቱ። ኢራን፡ ዒራቕ፡ ኩዌት፡ ስዑዲ ዓረብን ቬንዙዌላን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ መስረትቲ ኣባላት እየን።

ምስ ግዜ ቀጠር፡ ኢንዶነዥያ፡ ሊብያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣልጀርያ፡ ናይጀርያ፡ ኢኳዶር፡ ጋቦን፡ ኣንጎላ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ ከምኡ’ውን ኮንጎ ተጸንቢረን።

ኦፔክ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቀረብ ነዳድን ዋጋኡን ምትዕርራይ የካይድ። እዚ ውድብ ብቐጻሊ ኣብ ዘካይዶም ኣኼባታት ድማ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክንደይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክሽየጥ ከም ዘለዎ ይውስን።

ሃገራት ኦፔክ ኣስታት 30 ሚእታዊ ካብ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም የፍርያ። ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ዝዓበየት ኣቕራቢት ነዳዲ ኰይና፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ተፍሪ።

ኣብ 2016 ዋጋ ነዳዲ ብፍላይ ትሑት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኦፔክ ምስ ካልኦት 10 ኣፍረይቲ ሃገራት ብምትሕብባር ኦፔክ+ ተመስሪቱ።

ሓንቲ ካብ ኣባላት ኦፔክ+፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል እተፍሪ ሩስያ እያ።

ሃገራት ኦፔክ+ ብሓባር ኣስታት 40 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም የፍርያ።

"ኦፔክ+፡ ንዕዳጋ ሚዛን ንምሃብ ቀረብን ጠለብን የመዓራርይ" ትብል ኬት ዶውርያን፡ ካብ 'ኤነርጂ ኢንስቲትዩት'። "ጠለብ ነዳዲ ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ቀረብ ብምንካይ ዋጋታት ክውስኽ ይገብር።"

ብተወሳኺ እቲ ትካል፡ ዝያዳ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ እውን ዋጋታት ክንክይ ክገብር ይኽእል እዩ።

ሩስያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ተፍሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩስያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ተፍሪ

ኦፔክ+ ስለምንታይ ምህርቲ ይንክይ ኣሎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስዑዲ ዓረብ፡ ብወለንታኣ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልዮን በርሚል ክትንክይ ዘሕለፈቶ ውሳነ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሸሞንተ ኣባላት ኦፔክ+ ብወለንታአን ኣብ መዓልቲ 1.16 ሚልዮን በርሚል ክንክያ ወሲነን እየን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ድማ ክልተ ሚልዮን በርሚል ኣብ መዓልቲ ንምንካይ ብደረጃ ጉጅለ ተወሲኑ ኔሩ እዩ።

ነዚ ስዒቡ እዩ እቲ ዳሕረዋይ ውሳነ ስዑዲ ዓረብ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣቦ መንበር ኦፔክ+ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ፡ መንግስታዊ ወጻኢታታን ሕሳብ እታዎትን ንምሽፋን ምእንቲ ክትክእል፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት (Brent crude) 80 ዶላር ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ከም እትደሊ ይግመት።

ኣብ 2020፡ ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ዕጽዋ ብምእታወን፡ ሕጽረት ዓደግቲ ስለዘጋጠመ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣዝዩ ወሪዱ ነይሩ። ኦፔክ+ ምህርቲ ብዓቢኡ ብምንካይ ዋጋታት ከዕቢ ነይርዎ - ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን በርሚል ድማ ነክዩ’ዩ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት ንሓደ በርሚል ልዕሊ 130 ዶላር በጺሑ። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ መጋቢት 2023 ተመሊሱ ናብ ኣስታት 70 ዶላር ወሪዱ - ኣብ ውሽጢ 15 ኣዋርሕ ዝተረኣየ ዝተሓተ ዋጋ ነይሩ።

ዴቪድ ፋይፍ፡ ኣብ ኣርጉስ ሚድያ ዝተበሃለ ጉጅለ መጽናዕቲ ኢንዱስትሪ ነዳዲ እዩ ዝሰርሕ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምንካይ ምህርቲ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ልዕሊ 80 ዶላር ክኸውን ከገድድ ይኽእል’ዩ።

እንተዀነ ግን ዓለማዊ ጠለብ ነዳዲ ድኹም ስለዝዀነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክውስኽ ከም ዘይክእል የረድእ።

"ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ምዕቡላት ሃገራት ብርቱዕ ምዝሕሓል ንርኢ ኣለና፡ ዳርጋ ናብ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ክሳብ ዝኣትዋ" ይብል።

"ከምኡ'ውን ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ጠለብ ነዳዲ ኣብ ቻይና ኣዝዩ ዝውስኽ ኣይመስለናን። ስለዚ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ዓመት ዕዳጋ ክንድኡ ዕቱብ ኣይክኸውንን'ዩ።"

ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲንን ዋና ጸሓፊ ኦፔክ መሓመድ ባርኪንዶን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲንን ዋና ጸሓፊ ኦፔክ መሓመድ ባርኪንዶን

ነዳዲ ሩስያ ናበይ ይኸይድ ኣሎ?

ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብባሕሪ ዝጓዓዝ ነዳዲ ሩስያ ምእታው ደው ኣቢለን።

ከም ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ጠቕሊለን ምግዛእ ኣቋሪጸን።

ሩስያ ሕጂ ዝያዳ ዘይተጻረየ ነዳዲ ናብ ከም በዓል ህንዲን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት እያ እትሰድድ። እዘን ሃገራት፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዘንበርኦ እገዳ ዘይትግብራ እየን።

ይኹን እምበር ጉጅለ ሃገራት 7 (ጂ-7)፡ ዋጋ እቲ ሩስያ እትሰዶ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ካብ 60 ዶላር ከይዛይድ ወሰን ብምቕማጥ እቶት ነዳዲ እታ ሃገር ትሑት ክኸውን ጻዕሪ እናገበረ ይርከብ።