ትግራይ፡ ምግምማዕ ህወሓት ናብ ግጭት ከምርሕ ይኽእል ዶ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህወሓት ንመበል 14 ግዜኡ ኣብ መቐለ ተጋቢኡ። እቲ ኣብ ውጡር ኵነታት ዝተኻየደ ኣካታዒ ጉባኤ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንዝርከቦም ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ንዘግለሉ ልዕሊ ፍርቂ ከምዝዀኑ ዝእመነሎም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ካድራትን፡ ካብቲ ኣመራርሓ ኣልዩዎም።
ንዶ/ር ደብረጽዮን ከኣ ዳግማይ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ እንትመዝዝ፡ ሓደሽቲ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ቁጽጽር ኮሚሽንን ድማ ሰዪሙ።
እቲ ንውሳነታት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ይዅን ንማእከላይ ቁፅፅር ኮሚሽን ህወሓት ዕሽሽ ብምባል ዝተጋብአ ‘ሕጋዊነቱ’ ኣብ ሕቶ ዝወደቐ ጉባኤ፡ ሓያል ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ኣኸቲሉ ኣሎ።
ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ፡ እቲ መጻኢ ዕድል እቲ ውድብን ድሕነት እቲ ህዝብን ንሓደጋ ዘቃልዐ ምክፍፋል፡ ነቲ ገና ካብ በሰላ ኲናት ዘይሓወየ ክልል ይዅን ነቲ ዞባ ብሓፈሽኡ ናብ ካልእ ዙርያ ሕምስምስ ከይመልሶ ከምዝሰግኡ ይዛረቡ።
እቲ ኵነታት ስለምንታይ እዩ ዘሻቕል?
ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዝነበረ ጉባኤ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ እቲ ክልል [ደጀን] ካልእ ዋዕላ የካይድ ነይሩ።
እቲ ብሓደ መዓልቲ ዝተቓንዐ ዋዕላ፡ ነቲ ጉባኤ ‘ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን’ ብምባል በዓል 10 ነጥብታት መግለፂ ቅዋም ኣውጺኡ። ካብቲ ነጥብታት እቲ ቀንዲ ከኣ፡ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ፡ ካብቲ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ንዓርሶም ከርሕቑን ዘይሻራዊ ኰይኖም ክቕፅሉን ዝጸውዕ መልእኽቲ ይርከቦ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል፡ ንዕጡቓት ሓይልታት ፀጥታ ተጠቒሙ፡ ውሽጣዊ ይዅን ግዳማዊ ተቓውሞታትን ፍልልያትን ክዕፍን ምርኣይ ልሙድ እዩ። ፕሪዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ጸጥታ ጸግዒ ክሕዙ የብሎምን ድሕሪ ምባሉ፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ውግንናኦም ንመን እዩ ዝብል ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ንነዊሕ መዓልታት ኣኼባታት ብምክያድ ዝፍለጥ መሪሕነት ውድብ ህወሓት፡ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ዕፁው ኣኼባ ብምክያድ ላዕለዋይ መሪሕነት ክኣሊ ፈቲኑ ከምዝነበረ ይግለጽ’ዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ናብቲ ደማዊ ኲናት ዘምረሓ ኵነታት ዝገመገመ ማእከለይ ኮሚቴ፡ ንዶ/ር ደብረጽዮን ዝርከቦም ሓያሎ ሓለፍቲ ካብ ሓላፍነት ክለዓሉ ምስ ወሰነ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ብተዓዛብነት ዝተሳተፉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ደው ከምዘበልዎ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።
ንቢቢሲ ትግርኛ ቃሉ ዝሃበ ኣባል መሪሕነት ህወሓትን ኣባል ፀጥታን ነበር ኣቶ ብስራት ኣማረ፡ “ቅድሚ 8/9 ወርሒ ኣቢሉ ሓደ ሓደ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ኣብ ፖለቲካ ህወሓት ኢዶም ኣእትዮም ነይሮም እዮም። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ንደብረጽዮን ካብ ኣቦ መንበርነት ኣውሪዱዎ ነይሩ፤ ንፈትለወርቅ ድማ ከውርዳ እናተቐራረበ እንከሎ፡ ምሽምጋል ብዝመስል መልክዑ፡ ብሓይሊ ኣብኡ ከምዝጸንሑ ገይሩ” ይብል።
“እዚ ሓደገኛን ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታትን ናብ ኲናት ሕድሕድ’ውን ከምርሕ ዝኽእል እዩ። ናይዚ ቀንዲ ሽግር ከኣ ፀጥታን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ክሕሉ ዝተመደበ ኣካል ኣብቲ ጉዳይ ክዋሳእ ምርኣይና ሽዑ ጉሂናን ሓዚንና ኢና” ይብል።
እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ በቲ ተግባሩ ከምዝተናሰሐን፡ ሕዚ ዓቕሚ ከምዝይብሉን ሓበሬታ ከምዘለዎ ዝገልፅ ኣቶ ብስራት፡ እንተዀነ እቲ ስግኣት ቀጻሊ ምዃኑ ይኣምን።
ሓላፊ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸጥታ እቲ ክልል ንምርግጋጽ ኵሎም ወገናት "ቀይሕ መስመር" ክሰግሩ ከምዘይብሎም ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ፡ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንዝሃቦ፡ ‘ሓይልታት ፀጥታ ኣብቲ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኢዶም ከየእተው፡ ዘይሻራውያን ኰይኖም ክቕፅሉ እዮም’ ንዝብል ቅዋሙ መቐፀልታ እዩ።
"ከም ናይ ጸጥታ ሓይሊ ሕጂ፡ እቲ ሓደ ዓቢ ዕማምና፡ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ኵነታት ብሓይሊ ወይ ምምሕዳራዊ መገዲ ከይፍታሕ” ምዃኑ ጀነራል ታደሰ ኣነጺሩ።
"እቲ ምስሕሓብ ብስልጡን መገዲ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ኣለና።"
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረረቦ ንኵነታት ትግራይን እቲ ውድብን ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ናይ ደገ ምሁራት ሓደ ዝዀነ፡ ፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል ብወገኑ፡ ሓይልታት ፀጥታ ካብቲ ፍሕፍሕ ፖለቲካ ነጺልካ ምርኣይ ከምዘይከኣል ይዛረብ።
“እወ፡ ኢድ ምትእትታው ተኽእሎ ኣሎ እዩ። ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ መግለጺ ኣሚነ ክቕበሎ ይኸብደኒ እዩ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ፀጥታ ርእሶም ዝኸኣሉን ዝተፈለዩን ኣይኰኑን። ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ስልጣን እዮም ዘለዉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዮም ዝርከቡ። እቲ ሓላፊ ጸጥታ ጀነራል ታደሰ ንባዕሉ ምክትል ፕረዚደንት እዩ፤ እዚ ማለት ድማ ናብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ከምርሕ ከምዝኽእል’ዩ” ክብል ይዛረብ። ንኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ዘውድቕን ንምውሳን ዘጸግምን ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
“ብዛዕባ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝወሃቡ ትእዛዛትን ውሳነታትን ምቕባልን ዘይምቕባልን ከምጽእ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ገለ ፀግዒ እቶም ክልተ ጕጅለታት ምውጋን ማለት እዩ። ፖለቲካዊ መሪሕነት እንተዘይተሰማሚዑ፡ ሓይልታት ፀጥታ ገለልተኛ ኰይኖም ክቕፅሉ ማለት ኣይከኣልን እዩ” ብምባል ስግኣቱ የቕምጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለምንታይ እዩ’ኸ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ
ዳርጋ ኵሎም መራሕቲ እቶም ክልተ ጕጅለታት ህወሓት፡ ‘ምፍራስ ህወሓት ንውዕል ፕሪቶርያ ዋና ዘስእን እዩ” ይብሉ።
እንተዀነ፡ ‘ሓበራዊ ግዝያዊ መንግስቲ ይቝም’ ዝብል ግልፅነት ዝጐደሎ ዓንቀፅ እቲ ውዕል፡ ኣካታዒ ዀይኑ ፀኒሑ እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ዝተሸመ ብቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ካብ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተቐባልነት ድሕሪ ምስኣኑ’ዩ እዚ ዘሎ ኵነታት ስዒቡ።
እቲ ቀንዲ ሕመረት ህወሓት በቲ መስርሕ ሕጕስ ከምዘይነበረ ይዝረብ። ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ከምዘይቅበሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ መግለጺ ውጺኡ ምንባሩ’ውን ኣይርሳዕን።
ካብኡ ድማ፡ እቲ ፈራሚ ናይቲ ውዕል ዝዀነ ህወሓት ‘ሕጋዊ ሰብነት’ ዘይምርካቡ፡ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ውድብ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።
እቲ ብቦርድ መረጻ ዝተዋህበ ‘ከም ሓድሽ ናይ ምምዝጋብ ውሳነ’፡ ውሳነ ማእከላይ ኮሚቴ ዝጠሓሰ፡ ናይ ኣርባዕተ ሰባት ኣሻጥር ከምዝዀነን፡ ነቲ ውድብ ናብ መንቀራቕሮ ዘእቱ ከምዝዀነን፡ ኣቶ ጌታቸው ይኸስስ።
ንሱ፡ እቲ ጉዳይ ቀዲሙ ብመሰረት ውዕል ፐሪቶርያ መዕለቢ ክረክብ፡ ናብቲ ፓነል ዘማእከሎ ልዝብ ክምለስ ከምዝነበሮን ይምጕት።
ውዕል ፕሪቶርያ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ክምስረት ዝኣንፈቶ ‘መሰጋጋሪ መንግስቲ’ ግልጽነት ከምዝጐድሎ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ትሮንቮል፡ እንተዀነ ‘ብቐንዱ ህወሓት ዝመርሖ ከምዝዀነ ምሕሳብ ይከኣል’ ይብል።
“ጉባኤ ህወሓት ንጌታቸው ካብ ውድባዊ ሓላፍነቱ ኣጊድዎ ኣሎ። ንጌታቸው ከም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይፈልጦን ዝብል ድማ ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ መስርሕ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣወዳድባ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈታተን ዝኽእል እዩ” ይብል።
ከምቲ ፕሮፌሰር ትሮንቮል ዝብሎ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ‘ ‘ጌታቸው ካባና ዝተመደበ ሰብ ኣይኰነን’ ክንብል ንኽእል ኢና’ ዝብል መግለጺ ሂቡ ኣሎ። እቲ ኣመራርሓ ንምእላይ በብቕሩብ ተግባራዊ ከምዝግበር ድማ ድሮ ኣኣንፊቱ ኣሎ።
“እዚ ግን ኣዝዩ ኣካታዒ ነገር እዩ። ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ እዩ። ንሱ እዩ ብዕሊ ሸይሙዎ። ከምኡ ውን ሕጋዊ ቅርጺ ናይቲ ምምሕዳር ዝቈጻጸር ፈደሬሽን ሕብረት ኣውሮጳ እዩ። ስለዚ ህወሓት ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ፈደራል፡ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቐጥታ ካብ ስልጣኑ ክኣሊ ሕጋዊ መሰረት የብሉን።”
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ሕቶ ስልጣን ኣካታዒ ምዃኑን፡ ምስ ግዜ ምርኣዩ ከምዝሓይሽ እቲ ምሁር ይኣምን። ‘ተጸቢና ክንርኢ እመርጽ’።
“ዝዀነ ኰይኑ ግን እቲ ምርጫ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ፈደራል መንግስቲ ወዲቑ ኣሎ።”
ንህወሓት ብሓድሽ ከም ዝመዝገበ ዘፍለጠ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ እቲ ጉባኤ ቅድመ-ኩነት ኣየማለአን ብዝብል- ኣፍልጦ ከምዘይህብ ስለዝገለጸ፡ ፈደራል መንግስቲ እንታይ ስጕምቲ ከምዝወስድ ምግማት ኣይከኣልን።
ደጋዊ ምትእትታው ከስዕብ ድዩ?
ምስ ውዕል ፕሪቶርያ ተኣሳሲሩ፡ ብዛዕባ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘዋጥጡ ግዝኣታት፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ከምኡ ድማ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ገና መዕልቦ ዘይረኸቡ ነገራት ኣለዉ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ኵነታት ፖለቲካ፡ ኣብ ልዕሊ ውዕል ፕሪቶርያ ሓደጋ ከምዘለዎ ብዙሓት ይኣምኑ።
መንግስቲ ፈደራል ክልቲኦም ጕጀለታት ህወሓት፡ ባዕሎም ንባዕሎም ክሳብ ዝዳኸሙ ‘ኣጽቂጡ ክርኢ እዩ’ ዝብሉ ኣለዉ፤ ካልኦት ድማ ከምቲ ዝተለምደ ‘ሕጊ ንምኽባር’ ብዝብል ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ይግምቱ።
“ናብቲ ኣዕናዊ ኲናት ክምለስ ዝደሊ ዘሎ ኣይመስልን፤ እንተዀነ እቲ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነቶም ንሓይልታት ደገ ኢድ ኣአታውነት ክዕድምን፡ በሪ ክኸፍትን ሰፊሕ ዕድል ኣሎ” ይብል ፕሮፌሰር ትሮንቮል።
ብፍላይ ድማ፡ ጉጅለ ዶ/ር ደብረፅዮን፡ ‘ሓይልታት ደገ ተኣማሚኑ’ ናብ ስልጣን ክመጣጠር ይደሊ ኣሎ ዝብል ክሲ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝሓላልዀ ይመስል።
ቅድም ክብል፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ብምስጢር ርክባት ይግበሩ ኣለዉ ዝብሉ ዘይተረጋገጸ ፀብፃበት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም። ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝወፅአ ሓበሬታ የለን።
ኣቶ ብስራት ኣማረ ግን፡ “ጌታቸው እሙን መረዳእታ ከይሃለዎ ኣይተርፍን፡ ምስ [ፕረዚደንት] ኢሳይያስ ክሰርሑ ፀኒሖም እዮም፡ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከቦም ገለ ኣባላት ፀጥታ - ምስ ሓይልታት ኤርትራ ክራኸቡ ፀኒሖም እዮም” ዝብል ሓበሬታ ከምዘለዎ ይዛረብ።
ኣቶ ብስራት ወሲኹ፡ ምስ ኤርትራን ፋኖን ኼይንካ፤ ንኣብዪ ኣሕመድ ንምውጋድ መበገሲ ዝገበረ ከምዝዀነ ሓበሬታ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ይዛረብ።
[ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ዝነበሩ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ፌዴራልን፡ ብቕሉዕ እኳ እንተዘይኰይነ ኣብ መንጐኦም ፅቡቕ ርክብ ከምዘየለ ጸብጻባት ይሕብሩ።]
ፕሮፌሰር ትሮንቮል ግን፡ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉጅለ፡ ‘ሓይልታት ደገ ተጠቒምካ ናብ ስልጣን ንምምላስ’ ዝብል ክሲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከምዘይወሓጠሉ ይዛረብ።
“ገሊኦም ከምዝብልዎ፡ እቶም ሓይልታት ካብ መቐለ ርሒቖም ዘይርከቡ፣ ካብ ኣስመራ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ህወሓት ምስ ኣስመራ ርክብ ከም ዝፈጠረ’ዩ ዝግመት። ናይዚ ክሲ’ዚ ሓቅነት ግን ኣዝየ እየ ዝጠራጠር” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ነቲ ክሲ ከምዝነጸጎ ዝዝከር ኰይኑ፤ እንተዀነ እቲ ጉዳይ ኣዘራረቢ ዀይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ጉባኤ ጉጀለ ደብረፅዮን፡ ዝዘተየሉ ናይ ፀጥታ ፖሊሲ ሰነድ: ኣብቲ ዞባ ህድኣትን ሰላምን ንምፍጣር፡ ምስ ሱዳንን ኤርትራን ዝምድናታት ምምሕያሽ ዝብል ከምዝርከቦ ከምዝፈልጥ ግን፡ ፕሮፈሴር ትሮንቮል ይዛረብ።“እዚ ድማ ፀገም ዘለዎ መሲሉ ኣየስመዓንን”።
ኣቶ ብስራት ግን በዚ ኣይስማማዕን፡ “ናይ ደገ ዝምድናታት ክገብር ዝኽእል መንግስቲ ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወይ ከአ መንግስቲ ፌዴራል እዩ። እንተኣድልዩ’ውን ውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ገይርካ ‘ምበር ከምዚ ዓይነት ጉጅለኣዊ ኣካይዳ ፀገም ኣለዎ” ይብል ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብወገን ጉጅለ ደብረፅዮን፡ እቲ መነሓንሕቱ ዝዀነ ጉጅለ ጌታቸው ረዳ ‘ምስ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፉ’ ‘ክሒዱና እዩ’ ኢሉ ዝኸስስ ኰይኑ፡ [ብገበን ዝድለ ሓላፊ ስለላ ኢትዮጵያ ነበር] ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ፡ ነባር መሪሕነት ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓዞ ጉጅለ ሓድሽ ወለዶ፡ ‘ኣሕሊፉ ክህበና እዩ’ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ። ኣቶ ብስራት’ውን በዚ ሓሳብ ይስማማዕ።
‘ምግምማዕ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ’
ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝዓብለለ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተኣሳሰር፡ ጽልዋኡ ናብ መቐለ ተደሪቱ ተሪፉ። ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝነበሮ ፍሕፍሕ ድማ፡ ከይዱ ከይዱ ናብቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉ ደማዊ ኰናት ኣምሪሑ። ሕጂ’ውን ካብኡ ዝተምሃረ ኣይመስልን ይብሉ ነቐፍቱ።
ውሽጣዊ ባህሪኡ ኮምኒስታዊ ዝዀነ ውድብ ህወሓት፡ ተቓውሞን ሓድሽ ኣረኣእያን ፍልልያትን ዝዕገስ ከምዘይኰነ ላዕለዎት መራሕቲ ነበር እቲ ውድብ ይዛረቡ።
ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ውሽጣዊ ብስባሰ ተዓብዒቡን ተደፊኑን እንተፀንሐ’ኳ፡ እቲ ምግምማዕ ዘይተርፍ ከምዝነበረ ኣቶ ብስራት ይዛረብ።
ጕጅለ ኣቶ ጌታቸው ‘ብሕጊን ብኣተሓሳስባን ወራሲ ወለዶ እዩ’ ዝብል ኣቶ ብስራት፡ ካብ ሕሉፍ ኣረጊት ኣተሓሳስባ እቲ ውድብ ዝገላገልን፡ ነገራት ብሰለማዊ መገዲን ብዝርርብን ክውድእን ዝደሊን ‘ጸጋኒ ገስጋሲ ሓይሊ’ ከምዝዀነ ይኣምን።
ፕሮፌሰር ትሮንቮል ብወገኑ፡ እቲ ሕጂ ብወገን ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተገብረ ጉባኤ ስዒቦም ዝመጽኡ ‘ሓደሽቲ ኣባላት ማእከላይ ኰሚቴ’፡ ነቲ ውድብ ከሐድሱዎን ክልውጥዎንን ተስፋ ከምዝገብረሎም ይኣምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







