ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ሊዮ መበል 14 መን እዮም?

ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ሊዮ መበል 14

ምንጪ ስእሊ, EPA

ስም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምእዋጁ፡ ኣብ ታሕቲ ዝነበሩ ህዝቢ፡ "ቪቫ ኢል ፓፓ፡" (ዕድመን ጥዕናን ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳስ) ብምባል ይጭርሑ ነበሩ።

69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ ከኣ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ድማ ክጽውዑ እዮም።

ንሶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዝዀኑ ፈላማይ ኣመሪካዊ እኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ካርዲናል ደቡብ ኣመሪካ እውን ይርእዩዎም። ምኽንያቱ፡ ካብ ቅድሚ ጳጳስ ምዃኖም ኣትሒዞም ከም ምስዮናዊ ኰይኖም ኣብ ሃገረ ፔሩ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊሎም እዮም።

ኣብ 1955 ካብ ናይ ስጳኛን ፈረንሳ-ጥልያንን ዘርኢ ዘለዎም ስድራቤት ኣብ ቺካጎ - ኣመሪካ ተወልዱ። ወዲ መሰውእያ ኰይኖም ከኣ ኣገልገሉን ኣብ 1982 ማዕርግ ክህነት ተቐበሉን።

ብ1985 ናብ ፔሩ ይግዓዙ እምበር፡ ብተደጋጋሚ ናብ ዓመሪካ ተመሊሶም ኣብ ዓዶም ከም ካህንን መራሕን ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።

ዜግነት ናይ ፔሩ'ውን ኣለዎም። ምስ ዝተገለሉ ሕብረተሰባት ዝሰርሑን ኣብ ሓድሕድ ድንድላት ኣብ ምህናጽ ዝሓገዙን ኣቦ ምዃኖም ይዝከሩ።

ኣብ ትሩሂሎ ኣብ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት - ሰሜናዊ ምዕራብ ፔሩ - ከም ካህን ሰበኻን መምህርን ኰይኖም ንዓሰርተ ዓመታት ሰርሑ።

ሊዮ መበል 14፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ምስ ኰኑ ኣብ ዘስምዑዎ ቃል፡ ብዛዕባ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ብለውሃት ተዛሪቦም።

"ክሳዕ ሕጂ ኣብ እዝንና ልኡም ግን ከኣ ተባዕ ድምጺ ናይቶም ዝባረኹና ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሰምዕ ኣለና፡" ኢሎም።

ነቶም ብታሕጓስ ወኻዕካዕ ዝብሉ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ፡ "ምስ ኣምላኽ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ብሓባር ንቕድሚት ንስጕም፡" ኢሎም።

ብዛዕባ ኣብ ስርዓተ ኣውጉስቲንያ ዝሰርሑዎ ስራሕ እውን ጠቒሶም። ንኣውጉስቲንያዊ ተልእኾ ናብ ፔሩ ክኸዱ እንከለዉ፡ ወዲ 30 ዓመት እዮም ዝነበሩ።

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካብ ዝዀኑ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ፔሩ ናይ ቺክላዮ ጳጳስ ገበሩዎም።

ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ሓላፊ ዲካስተሪ ንጳጳሳት ስለ ዝነበሩ ድማ ብካርዲናላት ኣጸቢቘም ዝተፈልጡ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም። እዚ ጕጅለ'ዚ፡ ንጳጳሳት ዝመርጽን ዝከታተልን እዩ። (ዲካስትሪ ምምሕዳራዊ ኣካል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምዃኑ ይፍለጥ)።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ ጥሪ 2023 ሊቀ-ጳጳስ ኰይኖም፣ ድሕሪ ቍሩብ ኣዋርሕ ድማ ብኣቡነ ፍራንቸስኮ ካርዲናል ክዀኑ በቕዑ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ካርዲናላት 80% ብኣቡነ ፍራንቸስኮ ዝተመዘዙ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ፕረቮስት ዝኣመሰሉ ኣቦ ዋላ እኳ ኣብ ቀረባ እዋን እንተ ተመዘዙ፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኰይኖም ምምራጾም ክሳዕ ክንድኡ ዘገርም ኣይኰነን።

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣጠማምታኦም ከመይ እዩ?

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዝገብሩዎ ዝነበሩ ጽገናታት ዘቐጽሉ ሰብ ኰይኖም ክርኣዩ እዮም።

ሰባት ፕረቮስት ምስ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት፡ ድኻታትን ኣከባብን ከም ዝሰማምዑ ይኣምኑ።

ከም ካርዲናል መጠን፡ ንኣረኣእያ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ.ዲ.ቫንስ ካብ ምፍታሽ ኣይበዀሩን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንሓደ ነባሪ ኣመሪካ ናብ ኤል ሳልቫዶር ንምስጓጉ ዝቃወም ጽሑፍ ኣካፊሎም። ብተወሳኺ፡ ንቓለመሕትት ቫንስ ኣብ ፎክስ ኒውስ ቲቪ ዝነቅፍ ርእይቶ'ውን ኣቕሪቦም።

እቲ ጽሑፍ፡ "ጄዲ ቫንስ ተጋግዩ እዩ። የሱስ ንኻልኦት ክሳብ ክንደይ ከም እነፍቅሮም ክንዕቅኖ ኣይሓተናን፡" ይብል።

ንሶም ኣመሪካውን ኣብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዘሎ ፍልልያት ዝፈልጡን እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝጸንሑዎ ነዊሕ ዓመታት ድማ ምስቶም ካብ ኣርጀንቲና ዝመጽኡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍረንቸስኮ ገለ ምትእስሳር ከም ዝነበሮምን ነቲ ትውፊት ከም ዘቐጽሉን ዘርኢ እዩ።

ካርዲናል ፕረቮስት ኣብ ለካቲት 2025 ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካርዲናል ፕረቮስት ኣብ ለካቲት 2025 ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ቫቲካን ድሕሪ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካብ ኣህጉር ክልተአን ኣመሪካ ዝመጽኡ ካልኣይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከምኡ'ውን ቀዳማይ ኣውጉስቲንያዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ብምባል ገሊጻቶም።

ኣብ ፔሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ካብቲ ነታ ቤተክርስትያን ዝደወና ወረታት ጾታዊ ዓመጽ ኣየምለጡን፣ ይዅን'ምበር፡ ሃገረ ስብከቶም ዝዀነ ነገር ክትሓብእ ከም ዘይፈተነት ብትሪ ነጸጉ።

ቅድሚ እቲ ጉባኤ፡ ወሃቢ-ቃል ቫቲካን ማቴዮ ብሩኒ፡ እቶም ካርዲናላት "ትንቢታዊ መንፈስ" ዘለዎም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ምድላይ ከም ዘተኵሩ ገሊጾም ነይሮም። እዚ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት እዚ፡ ንሓንቲ ብተስፋ ምቍራጽ ዝተመልአት ዓለም ኢዳ ዘርጊሓ ተስፋ እትህብ ቤተክርስትያን ክትመርሓ ይግባእ።