ኢትዮጵያ ንእትርከበን ሃገራት ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ ክጐድል'ዩ

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ከጕድሎ ወጢኑዎ ኣብ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ትምህርቲ ቈልዑን ጥዕና ደቀንስትዮን ኣተኲሩ ክህቦ ዝጸንሐ ምወላ ብዓቢይ መጠን ክጽሎ ምዃኑ ተገሊጹ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንምክልኻል ዝስልዖ ባጀት ብ2.5% ክዓቢ ብምምሕዳር ትራምፕ ንዝቐረበሉ ጸቕጢ ንምስኻዕ፡ ንሃገራት ዝወሃብ ሓገዝ ብ40% ከም ዘጕድሎ ኣብ ለካቲት ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።
ከም ውጽኢቱ፡ ግምጃ ሃገራዊ እቶት ናይታ ሃገር ካብ 0.5% ናብ 0.3% ክጐድል እዩ።
ጸብጻብ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያን ገምጋም ሳዕቤንን ከም ዝሕብሮ፡ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት'ዚ ንከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትህቦ ዝፀንሐት ሓገዝ ምጉዳል - ዝዓበየ ከም ዝኸውን እዩ።
ብፍላይ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ደቀንስትዮን ትምህርቲ ቈልዑን ዝውዕል ዝነበረ ገንዘብ ብምጕዳሉ፡ ሓደጋ ሕማምን ሞትን ከም ዝውስኽ ተሰጊኡ ኣሎ።
ጕጅለ ንኣህጉራዊ ትካላት ልምዓት ዓባይ ብሪጣንያ (ቦንድ)፡ መንግስቲ ንትምህርቲ፡ ጉዳይ ደቀንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ከም ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዝኣመሰላ ኣብ ቅልውላው ዝርከባ ሃገራት ዝውዕል ምወላ ውሑድ ኣተኵሮ ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።
እንተዀነ መንግስቲ፡ ገና ነቲ ዝተጐብጠ ግዝኣታት ፍልስጤምን ሱዳንን ዝኸውን ምወላ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ መርበብ ወሲኹ፡ መንግስቲ ነዞም መደባትን ሃገራትን ዝህቦ ሓገዝ ክቕጽል ቃል ኣትዩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ዳይረክተር ፖሊሲ ቦንድ ጊዴዮን ራቢኖቪች፡ "ኣብ ኣፍሪቃ ንመደባት ጾታ፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝውዕል ሃገዝ ምጕዳሉ ኣሰካፊ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
"ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ዝተጸገሙ ሕብረተሰባት፡ ብፍላይ ድማ ብግጭት ዝተሃስዩ፡ ደቀንስትዮን ቈልዑን ብሰንኪ እዞም ውሳነታት ዝያዳ ዋጋ ክኸፍሉ እዮም፡" ኢሉ።
"ኣመሪካ ንዅሉ ንማዕርነት ጾታ ዝውዕል ዝነበረ ምወላ ኣብ ዘቋረጽትሉ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ሃጓፍ ክትመልእ ስጕምቲ ክትወስድ ደኣ ነይሩዋ'ምበር፡ ንድሕሪት ክትምለስ ኣይነበራን፡" ክብል ወሲኹ ቀሊጹ።
ዩኒሴፍ፡ እቲ ንትምህርቲ ቈልዑን ጥዕና ደቀንስትዮን ክወሃብ ዝጸንሐ ሓገዝ ብዓቢይ መጠን ምጕዳሉ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ብምግላጽ፡ ኣርሒቑ ዘይጠመተ ስጕምቲ ኢሉዎ።
ሓላፊ ዩኒሴፍ ዓባይ ብሪጣንያ ፊሊፕ ጉድዊን፡ "መንግስቲ ኣካይዳኡ ክቕይርን ዝያዳ ኣብ ምሕጋዝ ጽጉማት ህጻናት ከድህብን ንሓትት፡" ኢሉ።
"ብውሑዱ 25% ካብቲ ሓገዝ ኣብ ጥዕና፡ ኣመጋግባ፡ ትምህርትን ድሕነትን ህጻናት ዘተኰረ መደባት ክውዕል ኣለዎ።"
ካብ ምጕዳል ዝወሃቦ ሓገዝ ዝደሓነ ባንክ ዓለም እዩ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ባንክ ዓለም ብመንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበር ልምዓት (IDA) ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ 1.98 ቢልዮን ፓውንድ ከም ዝረክብ ኣረጋጊጹ።
እቲ ትካል ን1.9 ቢልዮን ህዝቢ ክሕግዝ ንዝሓዞ መደብ ክውዕል እዩ።
ብተወሳኺ መንገስቲ፡ ንኸም ብዓል ቓዛ፡ ዩክረይንን ሱዳንን ዝኣመሰላ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ምሃብ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ነፍሲወከፍ እነውጽኦ ፓውንድ፡ ንኸፋሊ ግብሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንእንሕግዞም ሰባትን ከመይ ይሰርሕ ከም ዘሎን ክነርኢ ኣለና። እዚ ሕጂ ዘውጻእናዮ ኣሃዛት፡ ኣብቲ ቀዳምነት እንህቦ ኣተኲርና ክንዓዪ ጀሚርና ከም ዘለና ዘርኢ እዩ፡" ትብል ጸሓፊት ልምዓት ዓባይ ብሪጣንያ ባሮነስ ቻፕማን።
እዚ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ምጕዳል ሓገዝ፡ ኣብቲ ብምኒስትሪ ዝምራሕ "ገምጋም ናይ ስትራተጂ ሓገዝ፡" ዝተመርኰሰ ምዃኑ ገሊጻ።
ኣብዚ ወጺኡ ዘሎ ውጥን፡ ሓገዝ ዝጐድለን ሃገራት ብዓል መን ምዃነን ብዝርዝር ኣይተገለጸን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







