ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣሽሓት ኣፍጋናውያን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ዘውጽኣቶ ምስጢራዊ መደብ

ቈልዓ ዝሓቘፈት ኣፋጋናዊት ጓለንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ብዓል ስልጣን ብውልቃዊ ጌጋ ናይ ልዕሊ 33,000 ሰባት ዝርዝር ድሕሪ ምክፋሉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍጋናውያን ናብ ሃገራ ንምግዓዝ ምስጢራዊ መደብ ከተውጽእ ተገዲዳ።

እዚ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ነቶም ሰባት ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከውድቘም ከም ዝኽእል ሰነዳት ቤትፍርዲ ይሕብሩ።

ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ለንደን ኣብ ግንቦት 2024 ዝሃቦ ውሳነ እሞ፡ ብሰሉስ ናብ ህዝቢ ኣብ ዝተቓልዐ ሓበሬታ፡ ኣስታት 20,000 ሰባት ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ክግበሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። እዚ ድማ ነታ ሃገር "ሓያሎ ቢልዮናት ፓውንድ" ከተውጽእ ከገድዳ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

እቲ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝነበረ ኣሸጋሪ ኵነታት ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ሓይልታት እንግሊዝ ናይ ዝሓገዙ ኣፍጋናውያን ስም ዝርዝር'ውን ዘቃልዐ እዩ።

እቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ፡ ኣብ 2023 ገለ ክፋል ናይቲ ሓበሬታ ንፈለማ እዋን ብጌጋ ኣብ ፈይስቡክ ምስ ተዘርግሐ እዩ ፈሊጡ።

ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ድማ ነቶም ኣብቲ ዝለሓዀ ሓበሬታ ዘለዉ ሰባት ናይ ምውጻእ መደብ ወጺኡ፣ ዛጊት 4,500 ኣፍጋናውያን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተዉ ኣመልኪቱ።

እዚ ሓበሬታ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝወጽአ፡ ሱፐር ኢንጀንክሽን ዝበሃል ትእዛዝ ቤትፍርዲ ምስ ተኣልየ እዩ።

እቲ ኣብ 2023 ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ነቲ ዝለሓዀ ሓበሬታ ብግልጺ ምክፋል፡ እቶም ሰባት ብጣሊባን ክቕተሉ ወይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቁ ምግዳፍ ማለት ምዃኑ ምኒስትሪ ምክልኻል ስለ ዝመጐተ እዩ።

ኣብ ለካቲት 2022፡ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክግዕዙ ናይ ዘመልከቱ ኣስታት 19,000 ኣፍጋናውያን ዝርዝር ሓበሬታ'ውን ልሒኹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ነቲ ምልሓዅ ሓበሬታን ምግዓዝ ናይቶም ሰባትን ብመስጢር ሒዙዎ፣ ናብ ህዝቢ ከይወጽእ ድማ ደው ኣቢሉዎ።

ሓበሬታ ከም ዝለሓዀ፡ ዝሰዓበ ግብረመልሲን ክንደይ ኣፍጋናውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነብሩ ከም ዝተፈቕደሎምን ብሰሉስ እዩ ዝርዝር ሓበሬታኡ ተፈሊጡ።

እዚ ዝዀነ ድማ ሓደ ዳኛ፡ እቲ ብምስጢር ክተሓዝ ተወሲኑ ዝጸንሐ ትእዛዝ ክእለ ኣለዎ ምስ በለ እዩ። እቲ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ኣስማትን ዝርዝር ስድራቤትን ናይቶም ኣብ ኢድ ጣልቢባን ክወድቁ ዝኽእሉ ሰባት ዝሓዘ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ነቲ ሓበሬታ ብጌጋ ዘቃልዐ ብዓል ስልጣን መቕጻዕቲ ተዋሂቡዎ ድዩ ኣይተዋህቦን ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ።

ወሃቢ-ቓል ድማ ብዛዕባ እቲ ሰብ ርእይቶ ከም ዘይህቡ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብቲ ብሰሉስ ዘቃለዖ ሓበሬታ፤

  • ኣብቲ ዝወጽአ ሓበሬታ 600 ኣፍጋናውያን ወተሃደራትን 1,800 ኣባላት ስድራቤቶምን ገና ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘለዉ ይኣምን፣
  • እቲ መደብ ይዕጾ እኳ እንተሎ፡ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሪፎም ዘለዉ ናይ ምግዓዝ ዕድላቶም ክኽበር እዩ፣
  • እቲ ምስጢራዊ ናይ ምግዓዝ ውጥን፡ ዛጊት 400 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ዝገበረ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ካብ 400 ክሳብ 450 ሚልዮን ፓውንድ ክውድእ ትጽቢት ይግበር፣
  • እቲ ሓበሬታ ዝለሓዀ፡ ብሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ብዓል ስልጣን ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ብጌጋ ዝተፈጸመ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመርጸ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር፡ ብዛዕባ'ቲ ትእዛዝ ቤትፍርዲ፡ ምጥሓስ ምዕቃብ ሓበሬታን ምግዓዝ ሰባትን መርመራ ጀሚሩ።

እቲ መርመራ፡ ኣፍጋኒስታን ገና ሓደገኛ እኳ እንተዀነት፡ ጣሊባን ሕነ ክፈዲ ኢሉ ሰባት ክቐጽዕ መደብ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ዝቐረበ መርትዖ ውሑድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ጸሓፊ ምክልኻል ጆን ሂሊ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ዝርዝራቶም ኣብቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ዝተኻተቱ ሰባት፡ "ልባዊ ይቕረታ" ሓቲቱ።

ሄሊ፡ እቲ ምልሓዅ ሓበሬታ ምስ ምውጻእ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ክሳራታት ዳታን ኣስማት ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ኣባላት ባይቶን ዝሓዘን ምዃኑ ገሊጹ።

መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባዴኖች ብስም ሰልፋ ይቕረታ ሓቲታ።

ንሳ ንኤልቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሓደ ሰብ ኣዝዩ ገዚፍ ጌጋ ፈጺሙ፣ ኣስማት ድማ ተዘርጊሑ... በዚ ድማ ይቕረታ ንሓትት። ከምኡ ክኸውን ኣይነበሮን፡" ኢላ።

ኣስታት 36,000 ተወሰኽቲ ኣፍጋናውያን ብኻልእ መስመራት ዳግመ-ምጥያስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝተሰጋገሩ ተገሊጹ።

ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ድሕሪ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣካል ናይቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ "ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ" እዮም ናብ ኣፍጋኒስታን ተላኢኾም። እቲ ዕላማ ድማ ንሓይልታት ኣልቓዒዳን ጣሊባንን ንምምካት እዩ ነይሩ።

እቲ ስርሒት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ዳርጋ 10,000 ሰራዊት እንግሊዝ ኣብታ ሃገር ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።