ሓላፊ ቴለግራም፡ ሃብቱ ንልዕሊ 100 ደቁ ከም ዘውርሶም ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መስራቲን ሓላፊን መተግበሪ መተሓላለፊ መልእኽቲ ቴለግራም ዝዀነ ፓቨል ዱሮቭ፡ እቶም ዝወለዶም ልዕሊ 100 ቈልዑ፡ ነቲ ብገምጋም 13.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቱ ክካፈሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።
ንሱ ንመጽሔት ፖለቲካ ፈረንሳ 'ሉ ፖይንት' ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኵሎም ደቀይ እዮም፣ ኵሎም ሓደ ዓይነት መሰል ክህሉዎም'ዩ። ምስ ሞትኩ ንሓድሕዶም ክጓነጹ ኣይደልን እየ፡" ኢሉ።
ዱሮቭ፡ ካብ ሰለስተ ዝተፈላለያ መጻምዲ ንዝተወልዱ ሽዱሽተ ቈልዑ "ወግዓዊ ኣቦ" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ "ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ንሓደ ዓርከይ ንምሕጋዝ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምልጋስ ዝጀመርኩሉ" ክሊኒክ ግን፡ "ኣብ 12 ሃገራት ልዕሊ 100 ዕሸላት ከም ዝተወልዱ ነጊሩኒ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ፈረንሳ ምስ ዘጋጥሞ ከቢድ ገበናዊ ክሲ ብዝተኣሳሰር ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ብምግላጽ እውን ደጊሙ ተኸላኺሉ።
እቲ ኣብ ስደት ዝነብር ሩስያዊ ብዓል ሃብቲ ቴክኖሎጂ፡ ደቁ ን30 ዓመታት ነቲ ዝሓድገሎም ውርሲ ከም ዘይረኽቡዎ እውን ነታ መጽሔት ሓቢሩ።
"ከም ንቡር ሰባት ክነብሩ፡ ንነብሶም ክሃንጹ፡ ነብሰ ምትእምማን ክመሃሩ፡ ክፈጥሩ ክኽእሉ እምበር ኣብ ሕሳብ ባንክ ጽግዕተኛታት ክዀኑ ኣይደልን እየ፡" ይብል።
ቢቢሲ ተወሳኺ ርእይቶ ንምርካብ ንዱሮቭ ንምርካብ ፈቲኑ ነይሩ።
እቲ ወዲ 40 ዓመት ብዓል ሃብቲ፡ ስርሑ "ሓደጋታት - ምክልኻል ናጽነት ኣብ ውሽጢ ሓያላት ግዝኣታት ሓዊሱ ብዙሓት ጸላእቲ ምፍራይ፡" ስለ ዘጠቓልል ኑዛዜኡ ጽሒፉ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።
ኣብ ብሕትውናን ምስጢራዊ መልእኽቲ ምልውዋጥን ትዅረት ብምሃብ ዝፍለጥ መተግበሪ ቴለግራም፡ ወርሓዊ ልዕሊ ሓደ ቢልየን ተጠቀምቲ ኣለውዎ።
መስራቲ መተግበሪ ቴለግራም ፓቨል ዱሮቭ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገበን ንምንካይ ነቲ መተበግሪ ግቡእ ምሕሓይ ትሕዝቶታት (ሞደሬሽን) ብዘይምግባሩ ድሕሪ ምኽሳሱ ኣብ ፈረንሳ ተኣሲሩ ገበናዊ ክስታት ቀሪብሉ ነይሩ።
ኣብ ዙርያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ትሕዝቶ ጾታዊ ዓመጽ ህጻናትን ምትላልን ንዝቐርቡ ክስታት ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ክተሓባበር ኣይከኣለን ንዝብል ነጺጉ።
ኣቐዲሙ፡ ቴለግራም እኹል ምምማይ ትሕዝቶ የብሉን ንዝብል ነጺጉ ነይሩ።
ኣብቲ ንመጽሔት ፈረንሳ ሀሃቦ ቃለመጠይቕ ድማ ነቲ ክሲ "ፍጹም ዕሽነት" ክብል ገሊጽዎ።
"ገበነኛታት ካብ መንጎ ብዙሓት ካልኦት ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ምዃኖም ጥራይ፡ እዚ ነቶም ዝመርሑዎ ገበነኛታት ኣይገብሮምን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ተወላዲ ሩስያ ዝዀነ ዱሮቭ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብታ መደብር ቴለግራም ዝዀነት ዱባይ ይነብር ኣሎ።
ድርብ ዜግነት ፈረንሳን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ኣለዎ።
እዚ መስራቲ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝመደበሩ ናይ ሩስያ ናይ ኦንላይን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዀነ 'ቪኮንታክተ' ዝተባህለ መተግበሪ'ውን እዩ።
ንሱ፡ ኣብ 2014 ካብ ክረምሊን ንዝቐርቡ ጽሑፋት ምመያ ክገብር ንዝቐረበሉ መምርሒ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ከም ዝተባረረ ይገልጽ።
ኣብ 2013 ቴለግራም ክምስርት እንከሎ፡ እቲ መተግበሪ ኣብ ሩስያ ኣብዚ ግዜ'ውን ልዑል ቍጽሪ ተጠቀምቲ ኣለውዎ።
ቴለግራም ክሳብ 200,000 ኣባላት ዘለዎም ጕጅለታት ዘፍቅድ ኰይኑ፡ ነቐፍቲ እዚ ድማ ግጉይ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ቀሊል ይገብሮ፡ ተጠቀምቲ ድማ ውዲታዊ፡ ንናዚ ዝድግፉ፡ ጾታዊ ርክብ ህጻናት ወይ ምስ ራዕዲ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶታት ከካፍሉ የፍቅድ'ዩ ይብሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዱሮቭ፡ ቴleግራም ግህሰት ህጻናት ክከላኸል ጸኒሑ'ዩ ክብል ተኸላኺሉ።
"ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ቴለግራም ንግህሰት ህጻናት ብብዙሕ መንገዲ ተቓሊሱ'ዩ፡" ብምባል ዝተፈላለዩ ኣገባባትን ምኽልኻል ዘይግቡእ ትሕቶታትን ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
"ብሓሶት ቴለግራም፡ ምስሊ ጽዩፍ ወሲባዊ ትሕዝቶ ህጻናት ንምእላይ ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን ምባል፡ ናይ ምትላል ሜላ'ዩ።"
ወሃቢቓል ቴለግራም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መተበግሪ "ከምቲ ኣብ ካልኦት መድረኻት ዝጥቀምሉ ተነቃፊ ትሕዝቶታት ዘስፋሕፍሕ ኣልጎሪዝም ስለ ዘይጥቀም፡ ሃሰያ ዘውርድ ትሕዝቶታት ኣብ ምዝርጋሕ፡" ውጽኢታዊ ኣይነበረን ኢሉ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ መተበግሪ፡ ኣብ ከተማታት እንግሊዝ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ስርዓት ኣልቦነት ኣብ ምውዳብ ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮም ሕሉፍ የማናውያን ቻነላት ብምእንጋድ ይንቀፍ።
ቴለግራም ብርግጽ ገለ ጕጅለታት ካብቲ መተግበሪ እኳ እንተ ተኣለዩ፡ ብሓፈሻ ግን ኣኽረርቲን ዘይሕጋውን ትሕዝቶታት ንምምሕዳር ዝጥቀመሉ ስርዓት ካብ ካልኦት ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ መልእኽቲ መተግበሪታትን ዝደኸመ ምዃኑ ክኢላታት ድሕነት ሳይበር ይገልጹ።
እቲ መተበግሪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ቴለግራም መዓልታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጕጅለታትን ቻነላትን'ዩ ዝዓጹ። ንዓመጽ ዘለዓዕሉ፡ ምልዕዓል፡ ንዋት ግህሰት ህጻናት ዘርእዩ ትሕዝቶታን ዘይሕጋዊ ኣቑሑት ምሻጥን ሓዊሱ፡ ንውዕል ኣገልግሎቱ ዝጥሕሱ ሚልዮናት ትሕዝቶታት ድማ የወግድ፡" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







