ብሞይኣ ንመሰላት ደቀንስትዮ እትጣበቕ ሰኣሊት

ብሞይኣ ንመሰላት ደቀንስትዮ እትጣበቕ ሰኣሊት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መካኒሳ ተወሊዳ ዝዓበየት በዓልቲ ሞያ ስእሊ ሳሮን ቦጋለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ብዓውዲ ትምህርቲ ኣርክቴክቸር እያ ተመሪቓ። ንሳ ደቀንስትዮ ጾታዊ ትንኮያታት ከጋጥመን እንከሎ ደዊለን ዝጠርዓሉ ስልኪ ቁጽሪ ኣብ ጎደናታት ትስእል።