መጽንሒ ሓተትቲ ዕቝባ ዘይተኣደነ መኽሰብ ይረኽባ ምህላወን ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽፀንሑ መንግስቲ መዓልታዊ ካብ ዘውጽኦ ሚልዮናት ፓውንድ መኽሰብ ብሕቲ ትካላት ዝያዳ ከምዝወሰኸ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጹ ሰባት ብምውሳኹ 395 ሆቴላት ንመጽንሒ ሓተቲ ዕቝባ የገልግላ ምህላወን ንቢቢሲ ተሓቢርዎ’ሎ።
ሓደ ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣገልግሎት መዝገባ መጓዓዝያ ኣየር ዝህብ ትካል፡ ቅድሚ ግብሪ ዝረኸቦ መኽሰብ ካብ 2.1 ሚልዮን ፓውንድ ናብ 6.3 ሚልዮን ፓውንድ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዓበየ ሰነዳት የመልክቱ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝበሎ ስርዓት ዑቕባ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ "ኣዝዩ ዘጸግም ጸቕጢ" ኣትዩ ይርከብ።
መንግስታዊ ምንጪ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ 51 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ንምትእንጋድ 395 መጽንሒ ሆቴላት ይጥቀም ከምዘሎን፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 6 ሚልዮን ፓውንድ ወፃኢ ከምዝግበረሉን ኣረዲኡ።
እተን ሆቴላት እተን 363 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 20 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ 10 ኣብ ስኮትላንድ፡ ክልተ ድማ ኣብ ዌልስ እየን ዝርከባ።
እዚ ድማ ሰሜን ኣየርላንድን እንግሊዝን ካብ ስኮትላንድን ዌልስን ንላዕሊ ንሓተትቲ ዕቝባ ዝተትሓዙ ሆቴላት ከምዘለወን የመልክት።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓተቱ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ ብዝሒ ንመፅንሒ ዝውዕላ ሆቴላት ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹ’ሎ።
ኣብ 2022 ብደረጃ ክብረወሰን ዝግለፅ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ብነኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ኮይኖም፡ እቶም ኣስታት 45 ሚኢታዊት ሕቶታት ዕቝባ ዝሓዙ እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ገና ዘይተረኣዩ ጉዳያት ዕቝባ ኣስታት 166,000 ከምዝበጽሑ ይግለፅ።
ብሰንኪ ሕጽረት ካልእ ምቹእ መንበሪ ኣባይቲ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ሆቴላት እዮም ዝቕመጡ።
ንቢቢሲ ከምዝተሓበሮ፡ ገለ ሆቴላት ኣቐዲሙ ንዋዕላታትን መርዓታትን ሓዊሱ ንዝተፈላለየ ምድላዋት ተታሒዙ እንተፀኒሑ ኣብ ሓጺር ግዜ ክስረዝ እዩ ዝግበር።
እዞም ወነንቲ ሆቴላት፡ ንብረቶም ናብቶም ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ወኪሎም ነቲ ስራሕ ዘካይዱ ኩባንያታት ከረክቡ እዮም ዝሕተቱ።
ሰለስተ ዓበይቲ ትካላት ድማ ነተን ሆቴላት ንምምራሕ ውዕል ኣሲሮም ኣለዉ።
እቲ ሓደ፡ ሰርኮ ዝበሃል ኰይኑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣስታት 109 ሆቴላት ከምዘቕርብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ዝሃቦም ውሳነታት የመልክቱ።
ንመንግስቲ ወኪሉ ካልእ ኣገልግሎታት'ውን ዝህብ ሰርኮ፡ ኣብ ናይ 2022 ዓመታዊ ጸብጻብ ምስ ኢሚግሬሽን ዝተሓሓዝ ስራሕ "ዕብየት" ከምዘርኣየ ይጠቅስ።
ካልእ ሚርስ ግሩፕ ዝተባህለ ትካል፡ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከምዘመልክትዎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ፣ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን 80 ሆቴላት የካይድ ኣሎ። ኣብ 2021 ድማ ዓመታዊ ኣታዊታቱ ብ22 መኢታዊት ከምዝዓበይ ተፈሊጡ።
ኣታዊታቱ "ብዓቢኡ ክብርኽ” ዝኸኣለ ንሓተቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ሆቴል ኣብ ምቕራብ ብዝሰርሖ ስራሕ ምዃኑ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ፀብፃቡ የመልክት።
መኽሰብ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ
መረዳእታ ወጻኢታት ቤት ፅሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዘመልክቶ፡ ንእሽቶ ትካል ዝኾነ ‘ካልደር ኮንፈረንስ’ ኣብ 2021 ኣገልግሎት ሆቴላት ንምሃብ 20.6 ሚልዮን ፓውንድ ረኺቡ ነይሩ። እዚ ኣሃዝ ኣብ 2022 ናብ 97 ሚልዮን ፓውንድ ደይቡ’ሎ።
ኣብ ሊድስ ዝመደበሩ ካልደር ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ዝዛዘመ በጀት ዓመት ጸብጻብ ዕዳጋኡ ካብ 5.98 ሚልዮን ፓውንድ ናብ 23.66 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝወሰኸ ይሕብር። እቲ ትካል ቅድሚ ግብሪ ዝረኸቦ መኽሰብ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ካብ 2.1 ሚልዮን ፓውንድ ናብ 6.3 ሚልዮን ፓውንድ በጺሑ።
ዳይረክተር ካልደር ደቢ ሆባን፡ ዓመታዊ ደሞዛ ካብ 230 ሽሕ ፓውንድ ናብ 2.2 ሚልዮን ፓውንድ ወሲኹ’ሎ።
እቲ ትካል ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

መደብ መርዓይ ተሰሪዙ
ፍሬድሪካ ረይኖልድስ ዝተባህለት ሸያጢት ዕምባባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓተትቲ ዑቕባ ናብኡ ምስ ገዓዙ፡ ኣብ ኬግዎርዝ፡ ሌስተርሻየር ኣብ ዝርከብ ሆቴል ዝነበራ ስሩዕ ስራሕ ስኢናቶ።
ንሳ፡ "ብሓሙስ ደዊሎምለይ፡ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ብሶኑይ ምስ መጽኡ፡ ቀዲመ ንመደብ መርዓታተይ ብዙሕ ወጻታት ምስ ገበርኩ ተሰሪዙ ኢሎምኒ" ኢላ።
እዚ ሆቴል ነታ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ዓዲ ቀንዲ ክፋል ህይወት እዩ። እቲ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ዝጥቀመሉ መሐንበሲኣን ጂምናን ተዓጽዩ ኣሎ።
ቢቢሲ ንኹሎም ባይቶታት ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ ሆቴላት ንሓተቲ ዑቕባ ይጥቀሙ ከምዘለዉን ክንደይ ውልቀሰባት ይነብሩ ከምዝነብሩሎምን ሓቲቱ።
ካብቶም ዝተሓተቱ 398 ባይቶታት እቶም 320 ምላሽ ሂቦም። እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ከባቢኦም ሆቴላት ወይ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘየለዉ ብምግላጽ፤ ቢቢሲ ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ክውከስ ሓቢሮምዎ።
ሓደ በዓል መዚ፡ ሓተትቲ ዑቕባ "ንምግፋዕ፣ ምፍርራሕን ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣትን" ክቃልዑ ክገብር ይኽእል እዩ ብዝብል ምኽንያት ነቲ ሕቶ ነጺግዎ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት: ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ "ኣጠቓቕማ ሆቴላት ንምንካይን ኣብ ልዕሊ ከፋሊ ግብሪ ዝወርድ ጾር ንምድራትን ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







