ፈረንሳ፡ ዝኾነ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሓ ከይባኽን እትጽዕር ዘላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣስታት ክልተ ሲሶ ኤውሮጳውያን፡ ኣብ ክንዲ ሓድሽ ኣቕሓ ዝዕድጉ ዘገልገለን ብቐሊሉ ክጽገን ዝኽእልን ንብረት ክዕድጉ ይመርጹ።
ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ብዙሓት "እንዳ መጸገኒ" ዝብል ታፔላታት ዝሰቐሉ ድኳናት ኣለው።
እዚኦም፡ ንነበርቲ ብናጻ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስን ካልኦት ናውታትን ናይ ጽገና ኣገልግሎት ዝህቡ እዮም።
ወርሓዊ፡ ብርክት ዝበሉ ወለንተኛታት ከኣ ነቲ ኣገልግሎት ይህቡ።
እዚ ብ2009 ኣብ ኣመስተርዳም ብጋዜጠኛ ማርቲን ፖስትማ ዝጀመረ ምንቅስቓስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ይርከብ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ጎሓፍ ዘብዝሕን ልዕሊ ዓቐን ዝጠልብን'ዩ። ንሕና ከኣ እቲ ዘየድልየና ጥራሕ ኢና ንድርቢ" ይብል ኣወሃሃዲ እንዳ ጽገና ፓሪስ፡ ኢማኑኤል ዋሌ።
እዚ ሓሳብ ብኦንላይን ሓዊሱ ኣብ ሓደ እዋን 25 ሰባት ዝሳተፍሉ ኮይኑ ኣብ 2019 እዩ ጀሚሩ።
ንከም ኢማኑኤል ዝበሉ ኣብ ናይ ጽገና ስራሓት ዝነጥፉ ሰባት፡ ብዙሕ ክዕየ ዝግብኦ ነገር ኣሎ።
ዓለም፡ ኣብ 2016 ጥራሕ ኣስታት 45 ሚልዮን ቶን ጎሓፍ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ ነይሩዋ።
እዚ፡ ኮምፒዩተራት፣ ሞባይል ስልክን ካልኦት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ዘካተተ ኮይኑ፡ 62.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ እዩ።
ካብዚ እቲ 20 ሚእታዊት ጥራሕ'ዩ ናብ ዳግም መስርሕ ኣትዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝተገብረ። ኣብ ኤውሮጳ፡ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ብውሑድ ሓንቲ ቴሌፎን ክውንን እንከሎ ካብ 12 ክሳብ 15 ሚእታዊት ሞባይል ስልኪ ጥራሕ ግቡእ ዳግመ መስርሕ ዝግበረሎም።
እዚ ጎሓፍ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ናብ ሃገራት ፍሊፕንስ፣ ጋና፣ ናይጄሪያን ቻይናን ዝልኣኽ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 2021 ልዕሊ 52 ሚልዮን ቶን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።
ናይዚ ከባብያዊ ጽልዋ ድማ፡ ብወሰኽ ልቀት ካርበን፣ ብከላ ማይን መገዲታትን መግብን ከምዘስዕብ ይግለጽ።
ጽገናታት ምግባር ግን መጠን እቲ ዝውገድ ጎሓፍ ክንኪ ይሕግዝ።
ኤጀንሲ ምሕደራ ጽዓትን ስነ ከባብን ፈረንሳ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተበላሸው ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑ እቶም 40 ሚእታዊት ጥራሕ'ዮም ዝጽገኑ።
ክልተ ሲሶ ኤውሮጳውያን ከኣ ሓድሽ ኣቕሓ ኣብ ክንዲ ምጥላብ ነቲ ዝነበሮም ጸጊኖም ከም ዝጥቀሙ መጽናዕታት ይገልጹ።
ስለ ዝኾነ ድማ ሰብ መዚ ፈረንሳ ባህሊ ምብኻን ኣቅሓ ደው ክብል ኣለዎ ይብሉ።
ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ፡ ዝሓለፈ ዓመት ከም መሕጸቢ ክዳን ማሽን፣ ቀምቃሚት ሳዕሪ፣ ቴሌቪዥንን ሞባይልን ስልክን ዝበሉ ናውታት "ዝጽገኑሉ" ዝርዝር መምርሒ ሂቡ።
ካብዚ ብዝብገስ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት መጠን ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ዝጽገንሉ ናብ 60 ሚእታዊት ክዓቢ ተስፋ ይገብር።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እዚ ሕጊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ግብራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣፍረይቲ ብቐሊሉ ዝጽገን፣ ዋጋ ቅያር ኣቑሑ፣ ቅያር ኣቕሓ ዝርከብ ምዃኑ፣ ስነዳን ንዓይነት እቲ ኣቕሓ ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰድ ስጉምትን ዝብሉ ሓሙሽተ መዐቀኒታት ዘካተተ መምርሒ ከዳልው ተገይሩ።
በዚ ኣገባብ ዘይቕየዱ ኣፍረይቲ፣ ኣከፋፈልትን ሸየጥትን ከኣ 18 ሽሕን 200 ዶላር ይቕጽዑ።
"ጠለብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲታት ዓለም ክግደብ ኢና ንደሊ" እትብል ኣባል ባይቶ ፈረንሳ ቬሮኒክ ሪቶን "ኩሉ ሰብ የገድሶ'ዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ዕዳጋ ጽገና ብምዕባይ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ከባብያዊ ቅልውላው ክግንዘቡን እዩ" ኢላ።
ናይ ጽገና ቦታታት ክበዝሑ እንተኽኢሎም፡ ክሳብ 2030 ሓጻቢት ክዳን መሽን፣ መዘክር፣ መጽረዪ ጎሓፍን ሞባይል ስልክን ብምጽጋን ክሳብ መወዳእታ ኣገልግሎት ክህቡ እንተተገይሩ፡ ኣብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዓመታዊ ኣርባዕተ ሚልዮን ቶን ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ክጎድል ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ስነ ከባቢ ኤውሮጳ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ቢቢሲ፡ ኩባንያታት ጉግል፣ ኣማዞንን ኣፕልን ዝርከቡዎም ኣፍረይቲ ኣቑሑት ቴክኖሎጂ ኣብ ዙርያ መጻኢ ዓለም ርኢይቶ ክህቡ ተወኪሱዎም'ዩ፤ እንተኾነ ኣይሰለጠን።
እተን ኣብ ፈረንሳ ዘለዋ ድኳናት ጽገና ግን እቲ ዝተፈላለዩ ሰባትን ንጽገና ዝኾኑ ናውታትን ኣብ ዝተፈላለያ ኣናኣሽቱ ክፍሊታት ጸደፍደፍ ክብሉ ምርኣይ ዓብዪ ነገር'ዩ።
ካሮላይን ዝተባህለት ነባሪት፡ ን20 ዓመታት ዝተጠቐመትሉ ሰፋይት ማሽን ክዳን ክዕረ ከም ዘይኽእል'ኳ እንተነገራ፡ "ኣብዚ ግን እቲ ጸገም ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ክፍለጥ ክኢሉ። ባዕልና ክንሰርሖ ምስ ጀመርና ነገራት ክልወጡ ጀሚሮም" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







