ምኽፋት ዶባት ዛላምበሳ ሰርሓ ድሕሪ ክልተ ዓመት

ዶባት ዘላምበሳ ሰርሓ

ምንጪ ስእሊ, Yonas FisehaY

ወጥሪ 20 ዓመት ዘሊቑ ዶባት ዛላምበሳን ሰርሓን ምስተኸፍተ ህዝቢ እቲ ጎደቦታት ንብዓት ናፍቖት እናነብዐ ተሓቛቚፉ ህዝቢ ዓለም ከኣ እቲ ንዓመታት ዝሰረተ ጽልኢ ብኽንድኡ ቅጽበት ክፍታሕ እዩ ዝብል ትጽቢት ግዲ ዘይጸንሖ ኮይኑ ድንቂ ፍጻሜ ክብል ብሓጎስ ጸምቢሉዎ።

ብፍላይ ነቶም ካብ ማዕዶ ንማዕዶ ተጸዋዊዐም ክሰማምዑ እናኸኣሉ፡ መርድእን ኣውያትን ሓድሕዶም ሰሚዖም ኣብ ሓመድ ድበ ክውዕሉ፡ ዕልልታን ጓይላ ድግስን እናሰምዑ ዕሰልየ ክብሉ፡ ኣብ መርዓን ደርዓን ቤተሰቦም ክጽምበሩ ዘይከኣሉ መቕርብ ዓጽመ ስጋ እቲ ፌስታ ዕርቂ ዳግማይ ልደት እዩ ኮይኑዎም።

ኣብ ርእሲኡ ብደምን ብስጋን እውን ዘይረሓሓቑ መንእሰያት ደቆም ኣብ ኩናት ፊተ-ፊት ገጢሞምም ዝሞቱን ዝሰንከሉን መቕርብ ስለዘለውዎም ቃንዛ ኩናት ካብ ማንም ንላዕሊ ይፈልጡዎ እዮም።

ስለዝኾነ ከኣ እዮም ገጾም ብንብዓት ናፍቖት እናተሓጽበ ነንሓድሕዶም ምስተሓቛቘፉ ናፍቖቶም ከውጽኡ ንነዊሕ ደቓይቕ ተሓናኒቖም ዝተርፉ ዝነበሩ።

ሽዑ ቢቢሲ ትግርኛ ንተወለድቲ ክልቲአን ሃገራት ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣዘራሪቡ ነይሩ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብዘሎ ምዕባለን ክውንነት'ከ እንታይ ይብሉ?

ኣብቲ እዋን ተጋዳሊት ህይወት ገብረእግዚኣብሄር፡ ሰላም ዓባይ ህያብ ብምዃና ብዝኾነ መኣዝን ትመጻእ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ብምግላጽ፡" እዚ ጀማሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ምሉእን እሙንን ንክኸውን ብዙሕ ግብራዊ ስጉምቲ ከምእትጽበን፡ መራሕትና [መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት] ጠንቂ እዚ ብዝኾነ ኣሃዝ ዘይትመን ዘጋጠመ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ስለዝኾኑ ንህዝቢ ክድብሱዎን ክኽሕሱዎን ብግሉጽነት ክሰርሑ ይግባእ" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ ነይራ።

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሸነኽ ከኣ፡ ከም ኤርትራዊት ተጋዳሊት ነበር፡ "እዚ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ዝተገልጸሉ ነገር ስለዘየሎ፡ እቲ ስምምዕን ምዕባለታቱን ብዝርዝር ክግልጸሉ ይግባእ" ክትብል እውን ወሲኻ ተዛሪባ ነይራ።

በቲ ዕርቀ ሰላም ልዑል ሓጎስ ዝተሰመዖ፡ "ኩሉ ሳዕ መራሕቲ ጓሶት ህዝቢ ብምዃኖም፡ ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑን ጻውዒት ህዝቢ ከኽብሩን ይግባእ" ዝበለ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ተጋዳላይ ነበር መጎስ ብርሃነ እውን "ነባሪ ሰላም ብሕድገትን ፍቕርን ጥራሕ ዘይኮነ ብፍትሕን ርትዕን እውን ስለዝረጋገጽ፤ መራሕቲ ክልቲኡ ህዝቢ ኣኣብ ሃገሮም ዝተፈጸመን ንዝፍጸም ዘሎ ጉዳያት ብፍትሒ ከረጋግጹዎ ይግባእ" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ።

ክልተ አሕዋት ኣብ ድሕሪ 20 ዓመት

ሕጂ'ኸ?

"እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ከይመጽእ ስክፍታ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ዝምልከቶም ሰበስልጣናት ክልቲኡ ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ተማሂሮም፡ ነቲ ድሕሪ 20 ዓመት ወጥሪ ዝመጽአ ዕርቀ ሰላምን ርክብን ከም ርክብ ኢሳይያስን መለስን ጸገማት ከየጋጥሞ፡ ንትካላት ህዝብን መንግስትን ብዘሳትፍ፡ ዘየባእስ ዘየከራኽር ቅጥዕን ስርዓት ሒዙ ክቕጽል ምንዮት ነይሩና - ተዛረብና እውን" ግን እቲ ዶባት ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ተዓጽዩ፡ እቲ ተስፋ ገይሩ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ሰንፈላል ኣትዩ ንርኢ ኣሎና" ውዒሉ ሓዲሩ ነገራት ናብ ንቡር ምምላሶም ኣይተርፍን እዩ ግን ብጎንጽን ገልጠምጠምን ዘይኮነ ብዘተን ልዝብን ክኸውን ንጽበ" ክብል ስምዒቱ ይገልጽ።

ሰናይት ብርሃን ካብ ከባቢ ሰርሓ፡ " እቲ ዶባት ምስተኸፍተ ደጊም ሓሊፉልና እዩ። ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ከምዝነበራ ብምግላጽ፡ " ሕጂ እውን ጥዕና ጥራሕ እምበር፡ ዝዓርቕን ዝውድእን ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ነገር ከም ፍቓድ ፈጣሪ ክውዳእ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ባእስን ዕግርግርን ኣይክህሉን እዩ። ንብዓትን ብኽያትን ኣዴታት ንኸንቱ ኣይኸውንን እዩ ዝብል መንፈሳዊ እምነታ ልዕሊ እቲ ዓለማዊ ክውንነት ከምእትርእዮን ብእኡ ከምእትደዓዓስን ኣረዲኣ።

ህሉው ኩነታት ዶባት ከመይ እዩ ዘሎ?

ኣብ ዛለምበሳ ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ ኣደ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወጥሪ ዕስራ ዓመት ዘስዓበ ብዶባት እተሳበበ ኩናት ክልተ ዓመት ዝዳነየ መጋባእያ ዘሄግ ዝሃቦ ፍርዲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምእተቐበሎ ምስ ኣወጀን ስምምዕ ዕርቀ ሰላም ምስ ተኸተመን ደጊም እቲ ንኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ዝዝርጋሕ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ሰላም ክረክብ እዩ ዝብል ልዑል ተስፋ ተፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ሰብኣዊ ጸጋ ክልቲአን ሃገራት ዝበልዐ ኩናት ዶባት፡ መጻኢ ዕድል ዜጋታተን ዘጸልመተ ድነ ጥፍኣት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝተኸስረ ዕድላት ንምኽሓስ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ምስኣተው፡ ደጊም ዞባና ሰላም ክዓስሎ እዩ ተባሂሉ።

ኩነተ ኵናት ብወግዒ ኣብቂዑ፡ ቅድሚ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ዶባት ጽልኢ ብፍቕሪ ተሳዒሩ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ኣፍደገ ዛላምበሳ ሰርሓ ብወግዒ ምስተኸፍተ ንዓመታት ተመዓዳድዮም ዝጸንሑ ጎረባብቲ አህዛብ ከም ውሕጅ ተፈርሺሖም ተሓዋዊሶም።

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪመን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ዜጋታት መካይኖም ሒዞም ናብ ኣስመራን መቐለን ውሒዞም፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንግድ ዓሚሩ ካብ ትግራይ አእኻልን ቸሜንቶን ናውቲ ኣባይትን ካብ ኤርትራ ከኣ ኤለትሮኒካዊ ኣቑሑ ናብ መቐለ ክጓረት ጀሚሩ።

ናህሪ ዋጋታት ተረጋጊኡ፡ ንዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኣብያተ መግብን ሆቴላትን ዓዲ-ግራትን መቐለን ኣስመራን ባጽዕን ገያሾ መሊኦም ደጊም ሓጢኣትና ተወዲኡ እዩ ዝበሉ ናፈቕቲ ሰላም ህዝቢ - "ምሉእ ይግበሮ" ኢሎም ተማህሊሎም።

ግን፡ ዝሓለፈ ጸገም ከይድገም፡ ኣብ ዶባት ንቕድም ንጹር ስርዓተ ግብርን ቀረጽን ይተኸል ብዝብል ብወግዒ ዘይተኣወጀ ምኽንያት እቲ በሪ ዳግማይ ተረጊጡ፡ ሰቦም ክበጽሑን ክገሹን ዝደልዩ ሰባት ተዃሊሎም ዶብ ክሰግሩ ይግደዱ ኣለው። ግን ከምቲ ናይ ቀደም ዶብ ክሰግር ናብ ዝተረኸበ ሰብ ዝትኮስ ጠያይት የለን።

ስለዝኾነ ከኣ እዮም እምበኣር ቅድሚ ዓሚ ብፍቕርን ተስፋን በዓል መስቀል ዝጸምበሉ አህዛብ ክልቲኡ ሃገር ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ነቲ ርእዮም ዘይጸገቡዎ ገና ዝናፍቑዎ ዘለው ርክብን መገሻን ክውን ክኸውን ሃንቀው ዝብሉ ዘለው።