บทเรียน 2: Essential English Conversation
เลือกบทเรียน
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
บทเรียนย่อย 44
Listen to find out how to ask where and when a bus leaves.
ኣውቶቡ ካበይን መኣስን ከም ዝብገሳ ሓበሬታ ንምሕታት ክትፈልጡ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
แบบฝึกหัด 1
At the bus station
Listen to find out how to ask where and when a bus leaves.
ኣውቶቡሳት ካበይን መኣስን ከም ዝብገሳ ሓበሬታ ንምሕታት ክትፈልጡ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕኩም ነዚ ፈተና ስርሕዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ'ዚ ኣገደስቲ ናይ አንግሊዝኛ ዝርርብ ሒዝልኩም ዝቐርብ እዩ። ኣነ ተክለማሪያም በኪት እየ፡
ኣብዚ ክፋል እዚ፡ ከመይ ጌርኩም ብዛዕባ ምውፋር ወይ 'እንዳ ኣውቶቡስ' ሓበሬታ ከም እትሓቱ ክንምሃር ኢና።
ነዚ ኣብ ምውፋር 'እንዳ ኣውቶቡስ' ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ጽን ኢልና ንስማዓዮ።
Sian
Where does the bus to Manchester go from?
Phil
From stop seventeen, next to the shop. It goes in ten minutes.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ፡ እዚ ምይይጥ'ዚ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
እቲ ቀዳማይ ተዛራባይ፡ ንማንቸስተር እትኸይድ ኣውቶቡስ ካበይ ከም እትብገስ ሓቲታ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Where does the bus to Manchester go from?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራቢ ድማ፡ ካብቲ ኣውቶቡስ ደው ዝብላሉ 'stop' ቁጽሪ ዓሰርተ ሸውዓተ ከም እትብገስ ሓበሮ። እቶ ቦታ ጥቓ 'next to' እቲ ድኳን 'the shop' ምዃኑ ሓበሮ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
From stop seventeen, next to the shop.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራባይ ድማ፡ እታ ኣውቶቡስ ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ 'ten minutes' ክትብገስ'ያ ኢሉ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገሙዎ።
It goes in ten minutes!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ብኸመይ ትኬት ገዚኦም ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝበጽሑ ብምስማዕ ነብስኹም ገምግሙ።
ማርክ ንበርሚንግሃም ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓምሽተ ደቒቕ፡ ካብ መበገሲ ቁጽሪ 10፡ ጥቓ'ቲ ዓይኒ ምድሪ ዘለዎ ከባቢ ክብገስ እዩ።
Where does the bus to Birmingham go from?
From stop 10, next to the toilets. It goes in fifteen minutes.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣንድሪያ ንብሪስቶል ትኸይድ ኣላ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ፡ ካብ መበገሲ ቁጽሪ 3፡ ጥቃ'ቲ መእተዊ 'entrance' ዘሎ ክትነቅል እያ።
Where does the bus to Bristol go from?
From stop three, next to the entrance. It goes in five minutes.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር: ሕጂ ደጊምኩም ፈትኑ። ነዚ ናይ ኢንግሊዝኛ ሓሳባት ብምስማዕ ድገምዎ።
ክልተ ጊዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
Where does the bus to Manchester go from?
Where does the bus to Manchester go from?
From stop seventeen, next to the shop.
From stop seventeen, next to the shop.
It goes in ten minutes.
It goes in ten minutes.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩምዎ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከምእትዝክርዎ ነብስኹም እትግምግሙሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ነዚ ብትግርኛ እትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
ንማንቸስተር ትኸይድ ኣውቶቡስ ካበይ ትብገስ?
Where does the bus to Manchester go from?
ካብ መበገሲ ዓሰርተ ሸውዓተ፡ ጥቓ'ቲ ድኳን ዘሎ ትብገስ።
From stop seventeen, next to the shop.
ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ክትብገስ እያ።
It goes in ten minutes.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ብእንግሊዝኛ፡ ኣብ ምውፋር፡ ሓበሬታ ምሕታትን፡ ዝተሓተትካዮ ምምላስን ፈሊጥኩም ኣለኹም። ነቲ፡ ካልኣይ ተዛራቢ ብምምላስ ተለማመዱ።
How can I help you?
From stop seventeen. Next to the shop. It goes in ten minutes!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፤ ሕጂ ነቲ ዝርርብ ብምሉኡ ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ፈትሹ።
Sian
Where does the bus to Manchester go from?
Phil
From stop seventeen, next to the shop. It goes in ten minutes!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ኣብ እንዳ ምውፋር ሓበሬታ ምሕታትን ብእንግሊዝኛ ምምላስን ፈሊጥኩም ኣለኹም። ኮይኑ ግን ልምምድ ምግባር ኣይትረስዑ።
መሓዛ ኣናዲኹም፡ ብዛዕባ ኣብ እንዳ ምውፋር ሓበሬታ ምሕታትን ምምላስን ብእንግሊዘኛ፡እናሓተትኩም ምልምማድ ቀጽሉ።
ኣብ ዝቕጽል Essential English Conversation ክሳብ ንራኸብ ድሓን ኩኑ። Bye!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
ነዘን ዝስዕባ ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ብምትሓዝ፡ እንታይ ከም ዝተማሃርኩም ነብስኸዑም ገምግሙ።
ኣብ እንዳ ምውፋር / ኣብ ምውፋር
3 Questions
Put the words in the correct order.
ነዘን ዝስዕባ ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዙ።
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
ነዘን ዝስዕባ ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዙ።
คำใบ้
'Where' ቀዳመይቲ ቃል እያ።Question 1 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
ነዘን ዝስዕባ ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዙ።
คำใบ้
'From' ቀዳመይቲ ቃል እያ።Question 2 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
ነዘን ዝስዕባ ቃላት ቕኑዕ መስርዕ ኣትሕዙ።
คำใบ้
'It' ቀዳመይቲ ቃል እያ።Question 3 of 3
Excellent!เยี่ยม!แย่หน่อย!คุณทำคะแนนได้:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Where does the bus to ______ go from?
ን______ ትኸይድ ኣውቶቡስ ካበይ ትብገስ?From platform ______.
ካብ መበገሲ ______.Next to the shop.
ጥቓ እቲ ድኳንIt goes in ______ minutes.
ኣብ ውሽጢ ______ ደቓይቕ ትብገስ።