How do I... :1واحد
انتخاب واحد
- 1How do I...
- 2Unit 2
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
جلسه 3
Listen to find out how to give directions in English.
ከመይ ጌይርኩም ብእንግሊዝ ኣንፈት ክትሕብሩ ከም እትኽእሉ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
تمرین 1
How do I give directions?
ሳይሞን ንሰለስተ ኣጋይሽ ኣንፈት ናይ ዓቢ ድኳን ንዝሓተቶም ንስማዕ። ንሳይሞን ዝሃብዎ መንገዲ ሓደ ዓይነት’ዶ ነይሩ?
መልስኹም ንምርግጋጽ ስምዑ። ቀጺልኩም ምስዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተክልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ውን ሳም ኣላ።
Sam
Hello! And welcome!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሎሚ ከመይ ጌርኩም ኣንፈት ከም እትሕብሩ ክንመሃር ኢና። ሕጂ ሳይሞን: ንሰለስተ ኣጋይሽ: ከመይ ጌይሩ ኣንፈት ናይ እንዳ ኣውተቡሳት ይሓቶም ከም ዘሎ ንስማዕ። እንተዘይተረዲኡኩም ኣይትሸገሩ፤ ድሓር ክንሕግዘኩም ኢና። ንሕጂ፡ ግን እቶም ሰለስተ ሰባት ንሳይሞን ዝሓበርዎ መንገዲ ሓደ ዓይነት ድዩ?
Excuse me! Where's the bus station, please?
1. Go straight on, take the first road on the left, and it'll be on your right.
2. Go straight down here, take the first road on your left, and it's on the right.
3. Just go straight, turn left at the supermarket. It'll be on the right.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ይርድኣኩም’ዶ ኣሎ? ሽሕ እኳ እቶም ሰባት ዝተፈላለየ ሓረጋት እንተተጠቐሙ፣ እቲ መንገዲ ሓደ ዓይነት ኢዩ፣ ሓቀይ!
Sam
So let's look at those different phrases they used.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኩሎም ከመይ ገይሮም ከምዝጀመሩ ደጊምና ንስምዓዮ- ብኸመይ ይመሳሰሉ?
Go straight on…
Go straight down here…
…just go straight…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰለስቲኦም 'go straight' ትኽ ኢልካ ኪድ ዝብል ሓደ ዓይነት መልሲ ሂቦም። ሓደ ካብኦም ግን 'go straight on' ኢሉ፡ ካልእ ከኣ 'go straight down here' ኢሉ። ኩሎም ከኣ ትኽ ኢልካ መንገዲ ከይለወጥካ ብሓደ ኣንፈት ኪድ ማለቶም ኢዩ።
Sam
Let's practise the pronunciation. Repeat after me:
Go straight on.
Go straight down here.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቀጺልና፣ ን 'take' ውሰድ ዝጥቀሙ ሓረጋት ንርአ። ድሕሪ’ዚ ግሲ እንታይ ይመጽእ፧ ደጊምኩም ስምዑ፡
…take the first road on the left…
…take the first road on your left…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ፣ ስለዚ 'take' ብ 'the first road' ቀዳማይ ጎደና'ስዒቡ ይመጽእ ወይ 'the second road' ካልኣይ ጎደና'ወዘተ፣ ቀጺሉ ከኣ ብ 'on the left' ኣብ ጸጋም'ወይ 'on the right' ኣብ የማን ብዝብሉ ይስዕብ።
Sam
And here, you can use 'on the' or 'on your' before 'right' and 'left'. Repeat after me:
Take the first road on the right.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቀጺልና 'turn' ተመለስ ዝብል ሓረግ ንስማዕ። ድሕሪ’ዚ ግሲ እንታይ ይስዕብ?
…turn left at the supermarket.
Sam
Left or right!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Yes! 'At' ከምኡ’ውን መለለዩ ዝኾነ ሱፕር ማርኬት ወይ እውን 'on' ወሲኽኩም ስም መንገዲ ክትምልኡሉ ትኽእሉ።
Sam
Quick practice! Repeat after me:
Turn left at the supermarket.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ሰባት ንሳይሞን ከመይ ጌይሮም ናይ መወዳእታ ኣንፈት ሓቢሮምዎ፧ ደጊምኩም ስምዑ።
…and it’ll be on your right.
…and it’s on the right.
It’ll be on the right.
Sam
They used 'on the' or 'on your' before 'right' and 'left' again. And before that?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንሳቶም ቅድሚ 'it'll be' ኣሕጽሮት ናይ 'it will be' - ትርጉሙ ከኣ ክኸውን ኢዩ ማለት ኢዩ፡ ከምኡ’ውን 'it's' ተጠቒሞም። ኣብዚ ሓደ ዓይነት ትርጉም ኣለዎም።
Sam
And repeat after me:
It's on the left.
It'll be on the right.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ልምምድ እትገብሩሉ ግዜ ኢዩ። ሓደ ጋሻ፡ ኣንፈት ናይ ባንክ ይሓትት። ሓቢርና ኣንፈት ንሃቦም፡ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ከኣ ምስ ናይ ሳም ከነወዳድሮ ኢና። መጀመርያ ትኽ ኢሎም ክኸዱ ሓብርዎም፡ 'on' ምጥቃም እውን ኣይትረስዑ።
Sam
Go straight on…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Great! ሕጂ ኣብቲ ሲነማ ምስበጽሑ ንጸጋም ክጥወዩ ንገርዎም። ቅድሚ 'cinema' 'at' ምጥቃም ኣይትረስዑ።
Sam
Turn left at the cinema…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ 'ኣብ ጸጋም'ከም ዝኾነ ከኣ ሓብርዎም። ኣብዚ 'on the' ዝብል መሓበሪ ቃል ከድልየኩም ኢዩ።
Sam
It's on the left.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Well done! ሕጂ ንዝኾነ ሰብ፡ ኣንፈት ናይ ዝኾነ ቦታ ክትሕብሩ ትኽእሉ። ኣብ ካልእ መደብ How do I… ብሰላም የራኽበና። Bye!
Sam
See you next time! Bye, everyone!
Learn more!
1. ከመይ ጌይረ ንዝኾነ ሰብ ብሓደ ኣንፈት ንኹጓዓዝ ይሕብሮ?
ንዝኾነ ሰብ ትኽ ኢሉ ክኸይድ ክንነግሮ እንከለና 'go straight' ዝብል ሓረግ ንጥቀም። ነዞም ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ዘለዎም ፍልይ ዝበሉ ኣመለኻኽታ ክንጥቀም እውን ንኽእል።
Go straight on…
Go straight down here…
Go straight up here…
2. ከመይ ገይረ ንሓደ ሰብ ኣንፈት ክቕይር ይሕብሮ?
'Turn left' ንጸጋም ተጠወ ወይ ከኣ 'turn right' ንየማን ተጠወ ኢልካ ክትነግር ትኽእል። ኣበይ ክጥወዩ ከምዘለዎም ንምሕባር ከኣ ንህንጻ ወይ ከኣ መሬት 'at' ብምባል ከምኡ እውን ንጽርግያታትን ጎደናታትን 'on' ክንጥቀም ንኽእል።
Turn left at the cinema.
Turn right on Queen Street.
ከምኡ ውን 'take' ገለ መንገዲ ወይ ከኣ ጎደና ክወስዱ ከምዘለዎም ክትነግሮም ትኽእል።
Take the first road on the left.
Take the second road on your right.
ከምኡ ውን 'on the left' ወይ ከኣ 'on your left' ክትብል ትኽእል። እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ 'the' ምስ 'first' 'second' 'third' ወዘተ ንጥቀም።
3. ንሰባት መዓልብኦም ኣበይ ከምዝኾነ ብኸመይ ብትኽክል ክንግር እኽእል?
'On the/ your right/ left'. ኣስዒብካ 'it's' (it is) ወይ 'it'll be' (it will be) ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
It's on the right.
It'll be on your left.
4. ኣንፈት ንምሕባር እንጥቀመሎም ቅርጽታት ወይ ውን ግዝያት ናይ ግስታት ኣየኖት ኢዮም፧
ንሓበሬታን ትእዛዝን፡ ትእዛዛዊ ቅርጺ ንጥቀም። እዚ ማለት ነቲ ግሲ ኣብቲ መሰረታዊ ቅርጺ ናይ ሓደ ግሲ ቅርጺ ምውሳድን ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሓረግ ምቕማጡን ኢዩ።
Go straight on, take the first road on the left, turn left at the cinema.
ብኸመይ ኣንፈታት እሕብር፧
4 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዖም ስርዕዎም።
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዖም ስርዕዎም።
Hint
ኩሉ ሳዕ ብግሲ ከም እትጅምሩ ዘክሩ። እዞም ክልተ ቀዳሞት ቃላት ናይቲ ሓረግ ኩሉ ግዜ ሓቢሮም ከም ዝኸዱ ኣስተውዕሉ።Question 1 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዖም ስርዕዎም።
Hint
ብ 'it’s' ጀምሩ።Question 2 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዖም ስርዕዎም።
Hint
ብግሲ ከምእትጅምሩ ኣይትዘንግዑ። እቲ 'the’ ቅድሚ 'second' ይኸይድ።Question 3 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዖም ስርዕዎም።
Hint
ብግሲ ጀሚርኩም ኣንፈት ምሕባር ከም እትኽእሉ ዘክሩ።Question 4 of 4
Excellent!آفرین! نمره شماBad luck!:
Join our Facebook group to practise more!
ንዝያዳ ልምምድ ኣብ ፈይስቡክና ምጹና።
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል How do I…, መደብና ማለት ብዙሕ ጠቓሚ ቋንቋ እንመሃረሉን ናይ ምስማዕ ብቕዓትኩም ትለማመዱሉን የራኽበና።
واژه های تازه این جلسه
left
ጸጋምright
የማንthe first…
እቲ ቀዳማይthe second…
እቲ ካልኣይroad
ጽርግያsupermarket
ዓቢ ድኳንcinema
ሲነማ