유닛 1: Essential English Conversation
유닛 고르세요
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
세션 26
Listen to find out how to ask for size and colour when shopping for clothes.
ክዳን ክትዕድጉ እንከለኹም ከመይ ጌርኩም ሕብርን ዓቐንን ክትሐቱ ከምእትኽእሉ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
세션 26 점수
0 / 3
- 0 / 3엑티비티 1
엑티비티 1
Size and colour
Listen to find out how to ask for size and colour when shopping for clothes.
ክዳን ክትገዝኡ እንከለኹም ከመይ ጌርኩም ሕብርን ዓቐንን ክትሐቱ ከምእትኽእሉ ጽን ኢልኩም ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሑ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ እዚ ኣገደስቲ ክፋላት ቋንቋ እንግሊዝ ሒዙልኩም ዝቐርብ መደብ እዩ። ኣነ ተኽለማሪያም በኪት እየ፡
ኣብዚ ክፋል እዚ ከመይ ጌርና ዝተፈላለየ ዓቐንን ሕብሪን ዘሎዎም ነገራት ከምእንዕድግ ክንመሃር ኢና።
ነዞም ክልተ ሰባት ኣብ ዱኳን ዝዘራረቡ ዘሎዉ ጽን ኢልና ንስማዓዮም።
Shop assistant
Can I help you?
Dan
Yes, do you have these shoes in size 9?
Shop assistant
No, but we have them in size 8 and 10.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ፡ እዚ ምይይጥ’ዚ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
መጀመርያ፡ ዋና ድኳን ንዳን እንታይ ክሕግዘካ ኢሉ ሓተቶ። ‘Can I help you?’ ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Can I help you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዳን ኣስዒቡ፡ እወ፡ ከምዚኤን ሳእኒ ቁጽሪ 9 ኣሎኩምዶ? ‘Yes, do you have these shoes in size 9?’
‘Do you have these in...?’ ዝብል ሕቶ፡ እታ ንደልያ ንብረት ብዝተፈላለየ ዓቐንን ሕብሪን ኣብ ድኳን ኣላዶ ወይስ የላን ንምፍላጥ ንጥቀመሉ ሕቶ እዩ።
ብዛዕባ ሓንቲ ነገር (ንብረት) ክንሓትት እንተደሊና ‘this’ ንጥቀም፡ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክንሓትት እንተደሊና ከኣ ‘these’ ንጥቀም። ስለዚ፡ ኣብ ድኳን ጸሊም ዝሕብሩ፡ ቁጽሪ 8 ኣሎዎም’ዶ ወይስ የብሎምን ንምፍላጥ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ንጥቀም።
Do you have these shoes in black?
Do you have these in size 8?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ነዘን ዝስዕባ ሓረጋት ድገምወን።
Yes, do you have these shoes in size 9?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ድካን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣይፋልን፡ ቁጽሪ 8ን 10ን እዩ ዘሎና”። ‘No, but we have them in size 8 and 10.’
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
No, but we have them in size 8 and 10.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ሕጂ ነዞም ኣብ ድኳን ዝዘራረቡ ዘሎዉ ሰባት ብምስማዕ ነብስኹም ገምግሙ።
Can I help you?
Yes, do you have these trousers in black?
No, but we have them in brown.
Can I help you?
Yes, do you have these sunglasses in white?
No, but we have them in silver.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ ደጊምኩም ፈትኑ። ነዘን ናይ እንግሊዘኛ ምሉእ ሓሳባት ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ። ንነፍሲወከፈን ክልተ ግዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
Can I help you?
Can I help you?
Do you have these shoes in size 9?
Do you have these shoes in size 9?
No, but we have them in size 8 and 10.
No, but we have them in size 8 and 10.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከምትዝክርዎ ነብስኹም እትግምግሙሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ነዚ ብትግርኛ ትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
እንታይ ክሕግዘካ?
Can I help you?
እወ፡ ከምዚኤን ጫማ ቁጽሪ 9 ኣሎኩም’ዶ?
Yes, do you have these shoes in size 9?
ኣይፋልን፡ ቁጽሪ 8ን 10ን ኣሎና።
No, but we have them in size 8 and 10.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ከመይ ጌይርና ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ንብረት ካብ ድኳን ምሕታት ተማሂርና ኣሎና። ነዚ ዝስዕብ ዝርርብ ምስ ዋና ድካን ብምዃን ልምምድ ግበሩ። እቲ ድካን ቁጽሪ 7 ካልሲ ኣሎዎ’ዶ ኢልኩም ሕተቱ።
Can I help you?
No, but we have them in size 8.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ፡ ሕጂ ነቲ ዝርርብ ብምሉኡ ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ፈትሹ።
Shop assistant
Can I help you?
Dan
Yes, do you have these shoes in size 9?
Shop assistant
No, but we have them in size 8 and 10.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ከምይ ጌርኩም ዝተፈላየ ዓቐንን ሕብርን ዘለዎም ካብ ድኳን ከምትገዝኡ ፈሊጥኩም ኣሎኹም። እንተኾነ ግን ልምምድ ምግባር ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ‘Do you have this/ these...?’ እንዳ በልኩም ተለማመዱ።
ኣብ ካልእ ግዜ ብኻልእ መደብ የራኽበና። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተማሃርኩም ነብስኹም ገምግሙ።
Size and colour ዓቐንን ሕብርን
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
도움
엑티비티
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
힌트
እዛ ቃል እዚ’ኣ ንሓደ ሰብ ገለ ነገር ክንህብ ምስእንደሊ ንጥቀመላ።Question 1 of 3
도움
엑티비티
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
힌트
‘This’ ምስ ሓደ ነገር ከምዝኸይድ ከምኡ ድማ these ምስ ብዙሕ ከምዝኸይድ ኣይትረስዑ።Question 2 of 3
도움
엑티비티
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
힌트
እትመርጽዋ ቃል ክልተ ተጻረርቲ ሓሳባት ክትጠምር ኣሎዋ።Question 3 of 3
Excellent!Great job!네 안타깝군요이번 점수입니다:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ም ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Can I help you?
ክሰምዓካዶ?
Yes, do you have these ______ in ______?
እወ፡ እዘን ንብረት______ ______ ኣሎኩምዶ?
Do you have these in ______?
______ ኣሎኩምዶ?
Do you have these ______ in ______?
እዘን ______ ______ ኣሎኩምዶ?No, but we have them in ______.
ኣይፋልን፡ የብናን ግን ______ ኣሎና።
trousers
ስረ
sunglasses
መነጽር
shoes
ሳእኒ
size 8
ቁጽሪ 8
brown
ቡናዊ
silver
ብሩር
black
ጸሊም
white
ጻዕዳ