እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ “ኣውያት ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን”
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ በሰላኡ ኣብ ብዙሓት ነበርቲ እተን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከባ ክልልት ሓዲጉ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ በቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ገሊጸን ኣለዋ። ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ ሰለስተ ነቲ ዝገጠመን ዘሰቅቕ ፍጻመ ነጊረናና ኣለዋ።