ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱ

ላይቤሪያ ገንዘብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ ላይቤሪያ ገንዘብ

ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱፖሊስ ላይቤርያ ሓደ ሴራልዮናዊ ንወዲ 10 ዓመት ውላዱ ክሸይጥ ፈቲኑ ብዝብል ክሲ መስሪቱ።

እቲ ሰብኣይ ንዝተሰረቐቶ ሞቶርሳይክል መተካእታ ንምዕዳገ ገንዘብ ንምርካብ ዝገበሮ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስጉምቲ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ላይቤርይ፡ ሞንርቭያ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው እቲ ሰብኣይ ንመርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ብጻዩ ሞቶርሳይክል ካብ ገዝኡ ስለዝተሰረቐት ኣስታት 1000 ዶላር የድልዮ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ነዚ ገንዘብ ብቕልጡፍ ክረኽበሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ናብ ጎረቤት ሃገር ላይቤርያ ብምኻድ ንወዱ ዝዕድግ ሰብ ምርካብ ጥራይ ምንባሩ ከምዝተነገሮ ገሊጹ።

ኣብቲ ዶብ ከምኡ ምግባር ብዙሕ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ’ውን ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ።

እቲ መሸጣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብመገዲ ደላላይ ዝተዋደደ ኮይኑ፤ ምእንቲ ከይፍለጡ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን ነቲ ቆልዓ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ደርሆ ይጠቕስዎ ነይሮም።

እንተኾነ ግና ፖሊስ ጽንጽንታ ምስ ረኸበ እቲ ዓዳጊ ከይመጸ እንከሎ እዩ ነቲ ኣቦ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ‘ግሎባል ኒውስ ኔትዎርክ ላይቤርያ’ እቲ ህጻን ኣብዚ እዋን ኣብ ክንክን ሚኒስትሪ ጾታ ይርከብ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ እዩ። ናብ ዘመናዊ ባርነት ዝሽየጡ ቖልዑ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ከም ዘይፍቀደሎምን ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝግበርን ይግለጽ።