ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱፖሊስ ላይቤርያ ሓደ ሴራልዮናዊ ንወዲ 10 ዓመት ውላዱ ክሸይጥ ፈቲኑ ብዝብል ክሲ መስሪቱ።
እቲ ሰብኣይ ንዝተሰረቐቶ ሞቶርሳይክል መተካእታ ንምዕዳገ ገንዘብ ንምርካብ ዝገበሮ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስጉምቲ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ላይቤርይ፡ ሞንርቭያ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው እቲ ሰብኣይ ንመርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ብጻዩ ሞቶርሳይክል ካብ ገዝኡ ስለዝተሰረቐት ኣስታት 1000 ዶላር የድልዮ ምንባሩ ተዛሪቡ።
ነዚ ገንዘብ ብቕልጡፍ ክረኽበሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ናብ ጎረቤት ሃገር ላይቤርያ ብምኻድ ንወዱ ዝዕድግ ሰብ ምርካብ ጥራይ ምንባሩ ከምዝተነገሮ ገሊጹ።
ኣብቲ ዶብ ከምኡ ምግባር ብዙሕ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ’ውን ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ።
እቲ መሸጣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብመገዲ ደላላይ ዝተዋደደ ኮይኑ፤ ምእንቲ ከይፍለጡ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን ነቲ ቆልዓ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ደርሆ ይጠቕስዎ ነይሮም።
እንተኾነ ግና ፖሊስ ጽንጽንታ ምስ ረኸበ እቲ ዓዳጊ ከይመጸ እንከሎ እዩ ነቲ ኣቦ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ‘ግሎባል ኒውስ ኔትዎርክ ላይቤርያ’ እቲ ህጻን ኣብዚ እዋን ኣብ ክንክን ሚኒስትሪ ጾታ ይርከብ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ እዩ። ናብ ዘመናዊ ባርነት ዝሽየጡ ቖልዑ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ከም ዘይፍቀደሎምን ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝግበርን ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







