ጉዕዞ ትምህርቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስድራ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ውድድር ‘አርዝ ፎቶ’ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Rosie Hallam
ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ስድራ ቤት ብትምህርቲ ዝሓለፎ ጉዕዞ ዘርኢ ፕሮጀክት ናይዚ ዓመት ውድድር 'አርዝ ፎቶ' ተዓዊቱ።
ሮዚ ሃላም ዝተባህለት ክኢላ ስእሊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ስእሊ ፍሬም ሰለስተ ስእልታት ብምቕራብ መሰል ምምሃር ኣርእያ።
ኣብቲ ስእሊ፡ ትምህርቲ እትጅምረሉ ዕድመ ምስ ሓለፋ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደት ሰላማው ቐንዲ ታሪኽ እቲ ስድራ እያ።
ካብቲ ስድራ ኣቐዲማ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደት ኮይና፡ ወለዳ መሰለችን ማርቆስን ይብሃሉ።
እቲ ቤተ ሰብ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብራ እዩ ዝነብር። እዞም ስእልታት 'ፒፕል' ወይ ሰባት ብዝተሰምየ ዓውዲ'ዮም ተዓዊቶም።
'ጾታዊ ማዕርነት'
"ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰልን ውሕሉል ኢንቨስትመንትን'ዩ" ትብል ሃላም። ወሲኻ "ትምህርቲ ንልምዓት ወሳኒ ኮይኑ፡ ንማሕበራዊ ድሕነት፣ ቑጠባዊ ዕብየትን ድሕነትን፣ ጾታዊ ማዕርነትን ሰላምን መሰረት ዘንጽፍ'ዩ" ኢላ።
ትካል ፎረስትሪ ኢንግሊዝን ሮያል ጂኦግራፊካል ሶሳይትን ካብ 55 ስእልታትን ኣርባዕተ ፊልምታትን እዩ ተዓወትቲ መዚዙ።
ዕላማ እቲ ውድድር፥
- እቲ ዝበለጸ ናይ ስነ ከባቢ ስእሊ/ ሚዲያ ንምርኣይ፤ ከምኡ'ውን
- ብዛዕባ ዓለምን ጸጋታታን ዝግበሩ ምይይጣት ንምትብባዕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Edward Bateman

ኤድዋርድ ባትማን ብበረድ ዝተሸፈነ ፍርቂ እምባ ዘርኢ ስእሉ 'ዘፕሌስ' ብዝተባህለ ምድብ ተዓዋቲ ኮይኑ።
ብምኽንያት እገዳታት ምንቅስቓስ ኮሮናቫይረስ ናብ ባሕራዊ ፓርክ ክጉዓዝ ዘይክኣለ እቲ በዓል ሞያ፡ እዚ ምርኢት ኣብ ናይ ኩሽና ጠረጴዛ ኮይኑ ካብ ዳህሳስ መጽናዕቲ ጂኦግራፊ ኣመሪካ [ዩኤስጂኤስ] ብዝተረኽበ ናይ 3ዲ ዝተሓትመ ገጸ መሬት ብምጥቃም'ዩ ፈጢሩዎ ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, Markus van Hauten

ማርከስ ቫን ከኣ ሃውተን 'ብሉ ፑል' [ሰማያዊ ገንኢ] ዝሰመዮ ኣብ ኣይስላንድ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ ደጉዓ ከባቢ ዝተሓብአ ውዑይ ማይ ዘርኢ ስእሊ ነዚ ውድድር ኣቕሪቡ።
እዚ ስእሊ ከኣ ብ'ኔቸር' [ተፈጥሮ] ተዓዊቱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Roberto Bueno

ኣብ ስፔን፡ ሓደ ልሙዕ ቑልቑለት ደኒ ጎድኒ ንጎድኒ ሰብ ሰርሖ ኣጸደ ወይኒ ዘርኢ ናይ ኣየር ምስሊ ዝስኣለ ሮቤርቶ ቡኖ፡ ብምድብ ጫካታት ምልዋጥ ተዓዊቱ።

ምንጪ ስእሊ, Antonio Perez


ምንጪ ስእሊ, Antonio Perez


ምንጪ ስእሊ, Antonio Perez

ኣንቶኒዮ ፔሬዝ፡ 'The Sea Moves Us' ብዝብል ኣብ ዘዳለዎም ተኸታተልቲ ስእልታት፡ ኣብ ጋና ብዝወሰዶም ምስልታት፡ ምጉሕጓሕ ገምገም ባሕሪ ብኸመይ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት ህይወቶም ብቐጥታ ይጸልዎ ዝብል ከርኢ ፈቲኑ'ዩ።
በዚ ድማ ብምድብ ክሊማዊ ለውጢ ተዓዋቲ ኮይኑ።
'ሴሜፓላንቲስክ ፖሊጎን' ዝተባህለ ገበን ፈተነ ኒኩሌር ማእከሉ ዝገበረ ሰብኣውን ከባብያውን ውርሻ ፈተነታት ኣጽዋራት ዝሑል ኲናት ንምርኣይ ፒርፖሎ ሚሪካ ዘዳለዎ ሓጺር ፊልሚ ብምድብ ቪድዮ ተዓዊቱ።
ኣብዚ ውድድር ሕጹያት ዝኾኑ ምስሊታት ኣብ ምርኢት ስእሊ አርዝ ፎቶ ንክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሮያል ጂኦግራፊካል ሶሳይቲ ፓቭልዮን ክቐርቡ'ዮም።
ብተወሳኺ ካብዚኦም ዝተሓረዩ ስእልታት ኣብ ኢንግሊዝ ፎሪስትሪን ፎረስትስን ከም ዝቐርቡ ተገሊጹ።
ዋንነት ኩሎም ስእልታት፡ Royal Geographical Society




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







