ኮቪድ 19፡ 'ኣመሪካ ኣብ ግጉይ መንገዲ እያ ዘላ' - ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሞንጎ እቶም ዘይተኸተቡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ብምህላው ኣመሪካ "ግጉይ ኣንፈት" ሒዛ ትርከብ ክብል ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።
ክኢላ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ትሑት መጠን ናይ ዝተኸትቡ ሰባት ኣብ ዘለውዎም ከባቢታት እቲ ዴልታ ዝተባህለ ሓድሽ ዓይነት ኮቪድ-19 ብስፍሓት ይላባዕ ኣሎ ኢሉ።
ሰብ መዚ ጥዕና ክታበት ንዝወሰዱ ሰባት መምርሒ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምምሕያሽ ከምኡ'ውን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ክታበት ንምሃብ ዘኽእል ምድላው ይገብሩ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታት እቲ ቫይረስ ኣብ ኣመሪካ "ኣብ ሞንጎ እቶም ዘይተኸትቡ ብሰፊሕ ይላባዕ ኣሎ” ብምባል ትማሊ ንሲኤንኤን ተዛሪቡ።
ወግዓዊ ሓበሬታ እታ ሃገር ከም ዘመላኽቶ ልዕሊ 162.7 ሚሊየን ወይ ድማ 49 ሚኢታዊት ህዝቢ ተኸቲቡ እዩ።
ክሳብ ወርሒ ሚያዚያ ኣመሪካ እታ ዝለዓለ መጠን ክታበት ዝወስዱ ሰባት ዝነበራ ሃገር እኳ እንተኾነት ሕጂ ግን ጎዲሉ ኣሎ።
ከም ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳን ሚሶሪን ዝበላ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተሓተ መጠን ክታበት ዘለወን ኮይነን ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ዘወሰዱ ነበርቲ ትሕቲ ፍርቂ ጥራይ እዮም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ምንካይ ኣርእዩ ዝነበረ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ሕጂ ይውስኽ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ 34 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው 610 ሽሕ ከኣ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞይቶም።
እቲ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ምስቲ ዴልታ ዝተባህለ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 99.5 ሚኢታዊት ብኮሮናቫይረስ ዝስዕብ ሞት ኣብቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
ስለዝኾነ ድማ ኣመሓደርቲ፤ ሰባት ክታበት ክወስዱ ጎስጓስ ክገብሩ ዶክተር ፋውቺ ኣተሓሳሲቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







