ሚያንማር፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ልዕሊ 80 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሚያንማር ኣብ ከተማ ባጎ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ልዕሊ 80 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ሚያንማር ከምዝቐተሉ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።
ሓይልታት ጸጥታ ሚያንማር ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ቀልጢፎም ስለዘልዓልዎም እቲ ቁጽሪ ካብዚ ተባሂልዎ ዘሎ ኣጸቢቑ ክዛይድ ከምዝኽእል’ውን ዝገልጹ ኣለዉ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ከምዝሓበርዎ፡ ሰራዊት ሚያንማር ናብ ዝኾነ ዝንቀሳቐስ ኣካል ከቢድ ብረት ይትኵሱ ከምዝነበሩ ገሊጸም።
ኣብ ሚያንማር ካብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ዕልዋ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ ልዕሊ 600 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ’ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
እቲ ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ሚያንማር ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ኩሉ ዓይነት ሓይሊ ይጥቀም ከምዘሎ እቶም ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከተማ ባጎ እቲ ዝቀረብ ቅትለት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኮይኑ፡ ዝብዝሑ ነበርቲ እታ ከተማ ካብታ ከተማ ሃዲሞም ነታ ከተማ ኣብ ዘዋስና ቁሸታት ተሓቢኦም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሚያንማር ናው ዝተሰመየት ማዕከን ዜና ንሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ እቲ ኣብ ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ተቃውሞ ብምጥቃስ “ልክዕ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ተባሂሉ ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ፣ ንዝኾነ ዝንቀሳቐስ ሰብ’ዮም ዝትኵስሉ” ኢሉ ኢላ።
ኣብታ ኣቐዲማ ቡርማ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ሃገረ ሚያንማር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ሓደ ለካቲት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ብምቁጽጻር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድሕሪ ምድንጋጉ ኣብታ ሃገር ሓያል ህዝባዊ ተቃውሞታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ሚያንማር ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ኣን ሳን ሱቺን እቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፍን ዝተዓወትሉ ፕረዚደንታዊ መርጫ ምጥፍፋእ ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ፡ እንተኾነ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣብቲ ምርጫ ዝኾነ ምጥፍፋእ ከምዘይነበረ’ዩ ምስክርነቱ ሂቡ።
ካብ ስልጣን ዝተኣለዩ ኣባላት ባይቶን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሚያንማርን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር እቲ ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ሚያንማር ስጉምቲ ክወስዱ ብምምሕጻን ንግዚኡ እገዳታት ናይ ኣጽዋርን ናይ መገሻን ብምእዋጅ ክጅምርዎ ምምሕጻኖም ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







