ቅልውላዉ ትግራይ፡ ብከቢድ ብረት ክልተ እግራ፣ ኣዲኣ፣ ሓዋን ዓባያን ዝሰኣነት ህጻን ቤቲ

ጓል 6 ዓመት ቤቲ ተስፋይ ቀዳማይ ዓመት ናይ ኣጸደ ህጻናት ትምህርታ ዛዚማ ናብ ካልኣይ ዓመት ሓሊፋ ነይራ። ሓድሽ ዲቢዛ ተኸዲና ናብ ቤት ትምህርታ ክትከይድ ተስፋ ሰኒቓ ዝነበረት ቤቲ ግን ኵናት ኣርኪቡላ። ስድርኣ ካብ ኵናት ሃዲሞም ናብ ገጠር'ውን እንተኸዱ ኵናት ደድሕሪኦም ስዒቡ ክልተ ኣእጋር ቤቲ ቆሪጹ።