እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሰኔጋል ህዝባዊ ናዕቢ ክለዓል ምኽንያት ዝኾነ መንእሰይ ፖለቲከኛ መን'ዩ?
ኣብ 2017 ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ሰኔጋል ኮይኑ ዝተመረጸ መንእሰይ ፖለቲከኛ ዑስማን ሶንኮ፡ ኣብ እንዳ ቤተ ጽባቐ ንሓንቲ ናይ 'ማሳጅ' በዓልቲ ሞያ ጾታዊ ትንኮያ ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ነቲ ክሲ "ፖለቲካዊ እዩ" ክብል ነጺግዎ።