ናይ ቴፕ ካሴት ዝመሃዘ ውልቀሰብ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ

ናይ ቴፕ ካሴት ዝመሃዘ ውልቀሰብ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ናይ ቴፕ ካሴት ዝመሃዘ ውልቀሰብ

ናይ ቴፕ ካሴት ዝመሃዘ ሆላንዳዊ መሃንዲስ ሉዎ ኦቴንስ፡ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ።

ኣብ 1960ታት ናይ ቴፕ ካሴታት ምምሃዞም ስዒቡ ዛጊድ ልዕሊ 100 ቢልየን ካሴታት ተሸይጦም እዮም።

ምህዞ ሉዎ ኦቴንስ ሰባት ሙዚቃ ንዝሰምዕሉ መገዲ ሓደ ስጉምቲ ክብ ከምዘበሎ ይግለስ።

እቲ መሃንዲስ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝዓረፈ ስድርኡ ኣፍሊጦም።

ኣብ 1960 ሓላፊ ፍርያታት ኩባንያ ፊሊፒንስ ዝነበረ ሉዎ ኣቴንስ፡ ኣብቲ እዋን ምስ መሻርኽቱ ናይ ቴፕ ካሴት ከምዝመሃዘ ተገሊሱ።

ካሴታት ሉዎ ኣቴንስ፡ ኣብ 1963 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ኤሌክትሮኒክስ ራድዮ ምስቀረቡ፡ ብብርኪ ዓለም ፍሉጣት ኮይኖም።

መሃንዲስ ሉዎ ኣቴንስ፡ ካሴታቱ ብመሃዝነት ምስ ኣመዝገበ፡ ምስ ፊሊፒንስን ሶኒን ኣብ ስምምዕ በሲሑ ነይሩ።

ኩባንያታት ጃፓን እውን፡ ንናህቱ ሞዴል መሰረት ብምግባር፡ ካሴታት ቴፕ የፍርዩ ከምዝነበሩ ይግለስ።

ካሴታቱ ዝተምሃዘሉ መበል ሓምሳ ዓመት ኣብ ዝኽበረሉ ግዘ ካብ ፈለማ ጀሚሩ “ዘደንቁ ነይሮም”፡ ክብል፡ ንኒዉዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ ነይሩ።

መሃንዲስ ሉዎ ኣቴንስ፡ ካሴታቱ ምስ መሃዘ፡ ኣብ ስራሕቲ (ኮምፖክት ዲስክ) ተሳቲፉ እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሞይኡ ብዝዛመድ ዝጠዓሰሉ ጉዳይ እንተልዩ ተሓቲቱ፡ መሳወቲ ቴፕ፡ ካሴት ዝኾነ ወክማን ብፊሊፒንስ ዘይኾነ ብሶኒ ምምሃዙ ከምዘጣዕሶ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዕዳጋታት ዛሕቲሉ ዝነበረ መሸጣ ካሴት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከም ብሓድሽ ኣፍልጦ ረኺቡ ኣሎ።

ከም ሌዲ ጋጋን ዘ ኪለርስ ዝበሉ ከየንቲ፡ ሙዚቃታቶም ብካሴት ኣሐቲሞም እዮም።

መሸጣ እዞም ሙዚቃታት ብላዕላዋይነት ዝከታተል ኩባንያ ዩኬ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ መሸጣ ካሴት፡ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት እንክነሳሰር ብ 103 ሚእታዊት ከምዝዓበየ የርእይ።

ናይ ኣሜሪካ ኩባንያ ሙዚቃ ኒልሰን ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ መሸጣ ካሴት ብ 23 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ግዜ ንእስነታ ብዙሕ ጸገማት ሓሊፋ ደቂ ኣንስትዮ ከይጽገማ እትሕግዝ ሳኪራ