ተሓጋገዝቲ ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ‘ዝተመረዘ ኣቕሓ’ ድሕሪ ምኽፋቶም ሓሚሞም

ተሓጋገዝቲ ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ 'ዝተመረዘ ኣቕሓ' ድሕሪ ምኽፋቶም ሓሚሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልተ ተሓጋገዝቲ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ናብ ቤት-ጽሕፈቶም ከም ዝተላእከ ዝጠርጠርዎ ኣቑሑት ድሕሪ ምኽፋቶም ከም ዝሓመሙ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ኣብቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ዝተላእከ መልእኽቲ ዋና ዳይረክተር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ዝኸፈተቶን ግን ዝኾነ ናይ ጽሑፍ ደብዳቤ ከም ዘይረኸበትን ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ነቲ መልእኽቲ ምስ ከፈተቶ “ኩነታት ጥዕናኣ ተመዛቢሉን፡ ሃለዋታ ከምዘጥፈአትን ከምኡ’ውን ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ ከምዝተሰመዓን ተገሊጹ።

ኣብቲ እዋን ካልእ ሰራሕተኛ ከም ዝነበረን፡ ንሱ እውን ተመሳሳሊ ‘ግን ከኣ ቅልል ዝበለ’ ስምዒታት ከም ዝተሰምዖን እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳበ ቅድሚ ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምብጽሑ ተቐዲዱ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ከም ዝሓበሮ፡ ባህሪ ናይቲ ኣብ ደብዳበ ዝነበረ ትሕዝቶ ክሳብ ሕጂ እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዘሓበርዎ ግን፡ እቲ ደብዳበ፡ መርዛም ስሚ ሒዙ ከምዝነበረ እየን ዝገልጻ።

ብተወሳኺ እቶም ሕሙማት ንጠንቒ ናይቲ ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍላጥ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ክምርመሩ ከም ዝኸዱ ተገሊጹ።

ኣብ ቱኒዝያ፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት ብዙሓት ቱኒዛውያን መንእሰያት ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው እናዓረገ ይኸይድ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።