"ኣደይ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ዓሪፋ" ግዳይ ኵናት

መብራህቱ ሓጎስ ዕባይ ዓድግራት ኮይኑ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ እዩ ዝቕመጥ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት ወላዲቱ ዝከታተልኦ መድሓኒት ክረኽባ ብዘይምኽኣለን ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልይኦ ይገልጽ።