እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወ/ሮ መድህን ፈርዲናንድ፡ ካብ ቀዳሞት ኤርትራውያን መምህራን
ወ/ሮ መድህን ፈርዲናንድ ኣብ ኤርትራ ከተማ ከረን ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ካብተን ኣብ ኣብ መሰልጠኒ መማህራን ኣስመራ 'ቲቲኣይ' ሰልጢነን ኣብ ሕርጊጎን ባጽዕን ዝመሃራ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። ሎሚ ኣብ ካናዳ ትቕመጥ ዘላ ወ/ሮ መድህን ወለዲ፡ ደቆም ጌጋ ምስዝፍጽሙ ካብ ገዛ ምስጓግ መፍትሒ ከምዘይኮነ ትምዕድ።