መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ካብ ዝርርብ ምቁራጽ ቶኽሲ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ፡ እቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑ ሓይልታት ንወደብ ትሪፖሊ ክድብድቡ ምስጀመሩ ካብቲ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ከምዝሰሓቡ ገሊጾም።
እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ተሪር ግብረ መልሲ ከምዝህቦ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ወደብ ዝርከብ ነዳዲ ዒላማ ዝገበረ ከምዝነበረን፡ ኩባንያ ነዳዲ ሊብያ ድማ ነቲ ነዳዲ ናብ ካልእ ከባቢ የግዕዞ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
ካልእ ናይ ኣጽዋር መኽዘን'ውን ብሓይልታት ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ከምዝተሃርመ ተገሊጹ።
ካብ ሚያዝያ 2019 ጀሚሩ፡ ሓይልታት ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ካብ ስልጣን ክኣልዩ እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጀነቫ ውግእ ጠጠው ዘብል ዝርርብ ወላ እንተካየዱ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን።
እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ መራሒኣ ዝነበረ ኮሎኔል ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ብሓይልታት ኔቶ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንድሓር፡ ኣብ ዘይትወጾ ዕግርግርን ምፍሳስ ደምን ተሸሚማ ትርከብ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







