ንጓሂ ናብ ሃብቲ ዝቐየረት ኢትዮጵያዊት

ፈቲሃ መሓመድ ጓል 12 ዓመት እንከላ፡ ንሓደ ዓረብ ተመርዕያ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምረሐት። ኣብቲ ዓዲ ን 28 ዓመታት ተቐሚጣ ኣዶ ሓሙሽተ ቆልዑት እውን ኮይና። ይኹን እምበር ኣብቲ ዓዲ ዘጋጥማ ብዝነበረ ምጉናይ፤ ዓዳ ተመሊሳ ክተልምዕ ወሲና። ኣብዚ እዋን ሚልዮነር ኮይና ኣላ።