ዶክተር ደብረጽዮን፡ "ኣብ 2011 ዓ/ም ወፍሪ መጥቃዕትን ፀለመን ብስልጡን ኣካይዳ ተመኪቱ'ዩ"

ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብፍላይ ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ 'ትምክሕተኛ' ዝበልዎም ውድባትን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዕላዊ ወፍሪ ተኻይዱ'ዩ ኢሎም።
ኣብቲ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ፡ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለፂ: "ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዝተኻየደ ሰፊሕ ወፍሪ መጥቃዕትን ፀለመን ብስልጡን ኣካይዳ ተመኪቱ እዩ " ብምባል እታ ዓመት ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ፈታኒ ዓመት ከም ዝነበረት ተዛሪቦም።
እቲ ኣብ ሓሳብ ተደሪኹ ዝተኻየደ ስልጡን ዝበልዎ ቃልሲ "ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ: ሰላም ክርከብ'ውን ኣኽኢሉ" ኢሎም።
"ንህዝቢ ትግራይ ምብስባስን ብሕማቕ ምርኣይን ዝፀንሐ ወፍሪ እዩ። ኣብ 2011 ዓ.ም ግን ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ" ዝበሉ ዶ/ር ደብረጽዮን ሰባት ንምእሳር ተባሂሉ 'ፊልም' ዝተሰርሐሉ ዓመት ምንባሩ'ውን ተዛሪቦም።
መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን፡ ዘቃለሐኦ ሰነዳዊ ጸብጻብ ኣግባብነቱ ከካትዕ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ፌዴራል፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ ከይዲ እቲ ሕጊ ዝፈጥሮ ጽዕንቶ የለን እዩ ዝብል።
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ግን እቲ ብሚድያታት ናይታ ሃገር ዝተኻየደ ወፍሪ፡ "ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ስጉምቲ እንተወሲድካ ፍትሓዊ እዩ ዘብል ነይሩ" ይብሉ።
ብፍላይ ህዝቢ ተሸቑሪሩ ክመዛበል ዝገብር ካብቶም ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዝኸፈአ ፡"ብበሎ በሎ እንተይኮነስ ብሰላሕታዊ ፀቕጢ" ከም ዝተገብረ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዓሌታዊ ጎንጺ፡ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻብ ኣምኒስት ይሕብር።
ብፍላይ ካብ ክልል ኣምሓራ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ መረበቶም ተሰጒጎምን ሃብቶምን ንብረቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝረብ።
ብሓፈሻ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ "ትግራዋይ ንምዝራብ የማን ፀጋም ሪኡ ትግርኛ ዝዛረበሉ ክሳብ መንነቱ ዝሓብአሉ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ" ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊጹ።
መጻኢ ዓመት
ብካልእ ገፅ ኣብ መጻኢ ዓመት 2012 ዓ.ም፡ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ዋኒናት ዝካየድሉ ዓመት ከም ዝኸውን ዝገለፁ ዶ/ር ደብረጽዮን: "ብፍላይ መረፃ ግድን ክካየድ ኣለዎ" ኢሎም።
"መረፃ ምክያድን ዘይምክያድን መንግስቲ ምህላውን ዘይምህላውን እንተይኮነስ: ከም ሃገር ሓቢርካ ናይ ምኻድን ዘይምኻድን ሕቶ ዘልዕል እዩ ክኸውን" ኢሎም። ከም ሃገር ናይ ምቕፃል ወይ ምብትታን ዕድል ክህሉ ከም ዝኽእል እውን እቶም ምክትል ኣመሓዳሪ ስግኣቶም ገሊጾም።
ብመሰረት ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር መረጻ ክካየድ ዝግበኦ ኣብ መጻኢ ወርሒ ግንቦት እንትኸውን ንቅድሚት ክናዋሕ ዝሓቱ ሃገራዊ ውድባት ግን ኣለዉ።
ካብቶም ኣብ 2011 ዓ.ም ዝተመዝገቡ ዓወታት እቲ ምስ ኤርትራ ዝተፈጠረ ዕርቀ-ሰላም ከምዝኾነ ኣብ መግለፂ ዶ/ር ደብረጽዮን ተሓቢሩ። ሕዚ እውን ህዝቢ እቲ ዳግም ዝተዓፀወ ዶብ ክኽፈተሉ የተስፍው ምህላዉ እውን ወሲኾም ተዛሪቦም። እቲ ዶብ ፡ ዝሓለፈ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ 2011 ዓ/ም (2019) እንትብሕት እዩ ብዕሊ ተኸፊቱ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ዶብ ሕጋዊ መስርሕ ክግበረሉ ተባሂሉ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከምዝተዓጽወ ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







