እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የመን ኣብ ጠርዚ ሕሱም ጥምየት
ውድብ ሕቡራት መንግስታት 13 ሚልየን የመናውያን ንጥምየት ከምዝተቓልዑ ኣፍሊጡ። ብስዑድዓረብ ዝምራሕ ስሉሳዊ ስምረት ድማ፡ ንሰላማውያን ሰባት ዝቀዝፍ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ከቋርፅ ፀዊዑ እዩ።
እዚ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ የመን ይዛመት ንዘሎ ጥምየት ፡ ኣብዚ 100 ዓመት ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሕሱም ጥምየት ንክኸውን ይገብር ኣሎ።