እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ዓዲ ዃላ ውዒለ እንክምለስ ራማ" ወዲ ዎንግ
ኣንቶንዩ ዎንግ ቻይናዊ ዘመቦቆሉ እንግሊዝያዊ ክንሱ ኣብ ትግራይ ብስራሕ መደብ 'ጂኦሎጂስት' ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ጭራ ዋጣን ክራርን ተለማሚዱ 'ናይ ሓበሻ ምግቢ ብዙሕ ሽንጉርቲ' ኢሉ እናደረፈ ሰባት የዛኒ። ጓይላ ትልሂት እውን ኣዝዩ ይፈቱ እዩ።