እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰለስተ ሓድግታት ኣኽሱም
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ካብ ዝርከቡ ሓድግታት እቶም ሰለስተ ሓደጋ ምፍርራስ ከምዘንጸላለዎም ኪኢላ ዕቀባ ሓድግታት እቲ ከባቢ ኣይተ መኮነን ገብረመስቀል ገሊጹ። ብ ዕቀባን ሓለዋን ሓድግታት መንግስቲ ፌደራል ቅልጡፍ ጽገና እንተዘይተገይርሎም ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከመርሕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ'ሎ።