እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ቁስለይ ክሓክኽ ኣይደልን"
ኣይተ ኣንዱኣለም ኣራጌ ቅድሚ ዓመታት ብተግባር ራዕዲ ተኸሲሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ኣባል ተቓውሞ ውድብ ፖለቲካ እዩ። ንሱ ኣብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ጻኒሒቱ ብዙሕ ነገር ከምዝረኣየን ካብ ኩሉ ግን ንደቁ ዝግበኦም ፍቕሪ ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ከምዘሕዝኖ ይገልጽ።