እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ዓርሰን ዘጥፍኣላ ሃገር መን ምዃና ትፈልጡ'ዶ?
ኣብ ጉያና ዓርሰ ቕትለት ደቂ ኣንስትዮ ሰፊሕ’ዩ። እዛ ሃገር ድኽነት፣ ዝለዓለ መጠን ገበን፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ጸገም ጠዕዕና ኣእምሮን ዝኸበባ’ያ። 780 ሽሕ በዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ ዝግለጽ ጉያና፡ ዓርሰ ቕትለት ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ ክትብል ደንጊጋ’ያ።