እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደይር ኣል-ዞር፡ ኣይ ኤስ ዝቃበፀላ ቦታ'ዶ ትኸውን?
ሰለስተ ሓይልታት (ብኣሜሪካ ዝድገፍ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ሶርያ፣ ወተሃደራት መንግስትን ዕጡቓት ኣይኤስን) ኣብ ከቢድ ምፍጣጥ ይርከቡ። ኣብ ሞንጎ ዝተሃሰዩ ንፁሃን ዜጋታት ድማ ንሞት ክምነዩ ይስምዑ።