እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢንዲ (ኣብ ህንዲ ኣብ ገምበር ከም መመላኽዒ እትልከ ቀለም) ብኣዮዲን ክትትካእ'ያ
ሚልዮናት ህንዳውያን ብሕፅረት ኣዮዲን ጥዕንአን ይህሰ። ሕፅረት ኣዮዲን ድማ ምስ ካንሰርን ኣብ እዋን ጥንሲ ምስ ዝኽሰቱ ፀገማት ጥዕናን ምትእስሳር ኣለዎ። ካብ ሕዚ ንደሓር ግን፡ እታ ተመሓይሻ ዝቐረበት ኣብ ገንበር እትቕባእ ቢንዲ ለውጢ ከተምፅእ ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ።