እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ናይጀርያ ንደቂ ዕጡቓት ቦኮ ሓራምን መንግስትን ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ
ብዛና ሙስጠፋ ዝተጣየሰ ንደቂ ዕጡቓት ቦኮ ሓራምን መንግስትን ብምትእኽኻብ ትምህርቲ ምሃብ ጀሚሩሎ። ንወለዲ እቶም ህፃናት፡ ብፍላይ ድማ ሰብኡተን ኣባላት ቦኮ ሓራም ንዝነበሩ ሓያማት ዘተኣኻኸበሉ መንገዲ ገሊፁ።
ምስተን ኣዴታት ዝተገበረ ምርድዳእ ኣብ ዝወሃቦም ትምህርቲ ይጥምት። ዛና ብዝገበሮ ስራሕ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሽልማት ረኺቡ እዩ።