ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ

መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ባይቶ ፌደሬሽንን ተዛዚሙ። እቲ ባይቶ፡ ኣፈ ጉባኤ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፣ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ሎሚ በድኦ፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገርን ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድን ከምኡ'ውን ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣጽዲቑ። እቲ ሽመት ዝጸድቐሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ኣብቲ ባይቶ ዘረባ ከስምዕ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሽመት ኣባላት ካቢኔ ወግዓዊ ክገብር እዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣሰናዳኢ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ

  2. ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ

    ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

    ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

    ኣብ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣካል ዘይተሳተፈ መራሒ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝሰደደ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።

    እቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ናይ ምትፍናንን ተጻብኦን ምዕራፍ ዓጽየን፡ ናብ ድልዱል ሰላምን ምሕዝነትን” ምስግጋረን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ ኢሉ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ጠቒሱ።

    ብስም ዘይጠቐሶም “ኣሉታዊ ናይ ወጻኢ ሓይልታት” ነቲ “እናተረረ” ዝኸይድ ዝምድና ከምዘይዕንቅፍዎ’ውን ገሊጹ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ብጉዳይ ኲናት ትግራይን ኣብኡ ተፈጺሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ክንቀፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

    ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ፈለማ ሓምለ ናይቲ ዓመት ናብ ኤርትራ ታሪኻዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።

    ስለምንታይ ኣብቲ ጽንብል ክረከብ ዘይክኣለ ግን እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ መራሕቲ ዓለም ዝሳተፍዎም ዓበይቲ ዓለምለኻውያን ኣኼባታት ካብ ዝሕሰም ዓመታት ኮይኑ’ሎ።

  3. ‘‘ንኹሉ ዘካተተ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ እዩ’’ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, AA Press Secretary

    ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዘካትት ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ፡፡

    ንሱ ኣብቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት አፍሪቃ ኣብ ዝተረኸቡሉ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስትን በዓለ ሽመትን ዝገበሮ መደረ፡ መጻኢ ዕጫ ኢትዮጵያውያን ብሩህ ንምግባር ‘‘ብሽም መንግስትናን ውድብናን ቃል ይኣቱ’’ ኢሉ፡፡

    ንዝቕጽሉ ሓሙሸተ ዓመታት ሓላፍነት ዝተረከበ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ስርቂ ዝጽየፍ፣ ብቕንዕና ዘገልግልን ህዝቢ እንተይፈለየ ነታ ሃገር ዘማዕብልን ከምዝኸውን ዝገለጸ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ጽንዓት እቲ ህዝቢ ‘‘ካብኡ ምፍጣረይ ሕጉስ ክኸውን ገይሩኒ’’ ኢሉ፡፡

    እታ ሃገር ዛሳተለጠቶ ሃገራዊ መረጻ ካብ ጉድለታት ዝጸረየ ከምዘይነበረ ብምግለጽ ድማ ‘‘እንተኾነ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ወሲዱና እዩ’’ ኢሉ፡፡

  4. ኢትዮጵያውያን ዕርቅን ሰላምን ከስፍኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም

  5. ዝተፈላለዩ ክልላት ዝውክል ባህላዊ ምርኢታት

    ምርኢት ባህሊ

    ምንጪ ስእሊ, FANA/Facebook

    ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክሉ ካብ ኩለን ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ዝመጹ ጉጅለታት ምርኢት ኣቕሪቦም።

    ኢትዮጵያ ልዕሊ 82 ብሄራት ዘለዋ ሃገር ምዃና ይግለጽ።

    ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓደ ጉጅለ ነታ ኣብ ኲናት እትርከብን ዝበዝሐ ክፋላ ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ሰዝኾነትን ክልል ትግራይ ‘ዝወከለ’ ጉጅለ’ውን ኣብቲ ምርኢት ተሳቲፉ።

    ፈደራላዊ ምርጫ ኣብ ክልል ትግራይ ብዘይምክያዱ፡ እቲ ክልል ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ወከልቲ ከምዘይብሉ ይፍለጥ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብመራሕቲ ህወሓት ዝተጀመረ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ዩ ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ኣዊጁ ክብሉ ይነቕፉ።

    ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብልዝብ ንሰላማዊን ኣገባብ ክፍታሕ ጸዊዖም ኣለዉ።

  6. ኢትዮጵያውያን ዕርቅን ሰላምን ከስፍኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም

    መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, ETV/Facebook

    ንበትረ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ክምርቑ ዝመጹ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያውያን ንዘለዎም ፍልልያት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሑን ዕርቂ ከንግሱን ጸዊዖም።

    ፕረዚደንት ጂቡቲ፡ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ሰላም ኣብ ዞባና ተነቃፊ’ዩ” ክብል ብምግላጽ፡ “ኢትዮጵያ ምስ ርእሳን ደቃን ክትዕረቕ” ምዃና ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

    ናይ ደቡብ ሱዳን መራሒ፡ ሳልቫ ኪር’ውን ፍልልያት “ብዘተን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠሞ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከጋጥሞ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።

    ኣብቲ ዝጽምብል ዝተሳተፈ መራሒ ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብዘስምዖ ሓጺር ቃል ድማ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ “ናይ መንነት ፖለቲካ ናብ ናይ ረብሓ ፖለቲካ” ክሰጋገር ጸዊዑ።

    ንሱ፡ ናይ መንነት ፖለቲካ ኣብ ዩጋንዳ ብዙሕ ጸገማት ፈጢሩ ምንባሩ’ውን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

    ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘስምዖ መግለጺ ኸኣ፡ “ኢትዮጵያ ኣደ ናጽነት ኣፍሪቃ እያ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣደ ሰላም እንተስኢና ድማ ኩላትና ሰላም የብልናን” ብምባል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ዕርቂ ከውርድ ተማሕጺኑ።

    “ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ” ከምዝድግፍ ዝገለጸ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ’ውን ኢትዮጵያ ነቶም ኣጋጢሞማ ዘለዉ ብድሆታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽበሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    ኣብቲ ቦታ ቃል ዘስምዐ መራሒ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ኢትዮጵያን ዘለዎ ምሉእ ደገፍ ገሊጹ። ፡

  7. መራሕቲ ዩጋንዳን ኬንያን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም, መራሕቲ ዩጋንዳን ኬንያን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

    ዩወሪ ሙሰቨኒ

    ምንጪ ስእሊ, FANA

    መራሒ ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨንን ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታን ኣብ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፡፡

    ሙሰቨኒ ኣብ ዘስምዖ ሓጺር ቃል፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ “ናይ መንነት ፖለቲካ ናብ ናይ ረብሓ ፖለቲካ” ክሰጋገር ጸዊዑ።

    ንሱ፡ ናይ መንነት ፖለቲካ ኣብ ዩጋንዳ ብዙሕ ጸገማት ፈጢሩ ምንባሩ’ውን ጠቒሱ።

    ኣቐዲሞም’ውን መራሕቲ ጂቡቲ፡ ሰነጋል፡ ሶማልያ፡ ኮንጎን ናይጀርያን ኣትዮም ነይሮም።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ጽምብል ይካየድ ኣሎ።

  8. ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣንፈታት ትኹረት መንግስቲ ኣብሪሃ

    ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

    ምንጪ ስእሊ, Addis Media Network

    ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፌደሬሽንን ቐጸልቲ ሃገራዊ ኣንፈታት ዝሕብር ዘረባ ኣስሚዓ።

    እታ ፕረዚደንት ትኹረት ኣብ ዝገበረትሎም ሃገራዊ ጉዳያት “ጥንኩር ባይቶ ንሰናይ ምሕደራ” ኣገዳሲ’ዩ ክትብል እንከላ እቲ ባይቶ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝቐርበሉ፣ ተኻቲዖም ዝረትዕሉ ክኸውን ትጽቢት ይገብር ኢላ።

    ኣብታ ሃገር ዝውሰዱ ዝነበሩ ምምሕያሻት ቑጠባ፡ ቑጠባዊ ዓቕሚ ካብ ምንቁልቋል ብምንጋፍ ልዑል ውጽኢት ከምጽእ ገይሮም’ዮም ዝበለት ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፡ መንግስቲ ምህዞ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ምንካይ ዝቕባበ ዋጋን ካልኦት ሰብ ሰራሕ ጸገማትን ብምምሕያሽ ኩለ መዳያዊ ዕብየት ንምምጻእ ክሰርሕ ምዃና ሓቢራ።

    መንቀሊ እቲ ሕጂ ዝውስኽ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ዝኾኑ ናይ ቀረብን ጠለብን ዘይምምጥጣን፣ ዝናብ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሕርሻን ዝተዛብዐ ስርዓት ንግድን ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ነዚኦም ንምትዕርራይ ክስርሐሎም ምዃኑ ገሊጻ።

    ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ቑጽሪ ሃፍቲ ኣግራብ ንምውሳኽ መደብ ከም ዝሓዘ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት 20 ቢሊየን ፈልሲ ብምትካል ውሕስና መግቢ ክረጋገጽ ይግባእ ኢላ።

    ብተወሳኺ ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምስራሕ ስራሕ ንምፍጣር ትኹረት ክግበር እዩ።

    ልዑል ሃብቲ መዓድን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝፍጠሩ ጸገማት ጸጥታ ንምፍታሕ ክስራሕ’ዩ ዝበለት ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ፡ ንባህላዊ ዓደንቲ ትኹረት ከም ዝወሃቦም ተዛሪባ።

    ኢንዳስትሪ ኮንስትራክሽን’ውን መብዛሕትኡ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኩባኒያታት ክሽፈን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ዓውዲ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ክፈጥር’ዩ ኢላ።

    ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ከም ዝተወድአ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ጸቕጢታት ምንባሮም ተዛሪባ።

    እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ህንጸት እቲ ግድብ “ብርሃን ክኸውን’ዩ” ኢላ።

  9. ነበርቲ ኣብ በዓለ ሽመት ኣብዪ ኣሕመድ ንምስታፍ ናብ መስቀል ኣደባባይ ይኣትዉ ኣለው

    ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

    ምንጪ ስእሊ, ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ኣዲስ ኣባበ

    ኣብ በዓለ ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንምስታፍ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ይኸዱ ኣለው።

    ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ 6ይ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኮይኑ ተሸይሙ’ዩ።

    ነበርቲ ኣዲስ

    ምንጪ ስእሊ, ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ኣዲስ ኣባበ

    ነበርቲ ኣዲስ ኣባበ

    ምንጪ ስእሊ, ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ኣዲስ ኣባበ

    ኣብቲ በዓለ ሽመት ንምርካብን ድጋፎም ንምግላጽን ድማ ብዙሓት ነበርቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ ይኸዱ ኣለው።

    ብተወሳኺ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ሶማልያን ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾና ሰኔጋልን ናይጄሪያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።

  10. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ?

  11. ኣብ በዓል ሽመት ኣብዪ ኣሕመድ ዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

    ፕሬዝደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር

    ምንጪ ስእሊ, MoFA

    ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ፕሬዝደንት ጅቡቲ እስማዒል ኦማር ጊሌህን ኣብ ስነ ስርዓት ምስረታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክሳተፉ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

    እቶም መራሕቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በጽሑ፡ ሚኒስትሪ ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፣ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሸዴን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጌታሁን መኩርያን ከም ዝተቐበሉዎም ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

    ብተመሳሳሊ ፕሬዝደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኺር ማያርዲት፣ ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒን ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ጂን ሚካኤል ሳማ ሉኮንዴን'ውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቀባብላ ተገይርሉ

    ምንጪ ስእሊ, MoFA

    ቅድም ኢሉ ፕረዚደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ፣ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፣ ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆን ሚስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣልጄሪያ ራማታን ላማምራን ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ'ውን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም'ዮም።

    ሎሚ ረፋድ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ዝተሸመ ኮይኑ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ'ዩ።

    እቲ ሎሚ 6ይ ዘመን ስርሑ ዝጀመረ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽመት ኣፈ ጉባኤ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ከም ዘጽደቐ'ውን ይፍለጥ።

    ፕሬዝደንት ጅቡቲ እስማዒል ጊሌህ

    ምንጪ ስእሊ, MoFA

  12. 'ኣብ ትግራይ ሓገዝ ብቕልጡፍ እንተዘይተረኺቡ ከምቲ ናይ '77 ከጋጥም'ዩ'

  13. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ?

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    • 15 ነሓሰ 1976፡ ካብ ኦሮሞ ኣስላማይ ኣቦን ካብ ኣምሓረይቲ ክሪስትያን ኣደን ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጋሮ ተወሊዱ
    • ኣብዪ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰላምን ጉዳያት ፀጥታን (peace and security issues) ዶክትሬት ዲግሪ ብትራንስፎርሜሽናል ሊደርሽፕ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ግሪንዊች ለንደን ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ
    • ቋንቋታት ኣፋን ኦሮሞ፣ ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኢንግሊዘኛን ይዛረብ
    • ብ1995፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣባል ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኮይኑ ኣገልጊሉ
    • ኣብ 2007 ኣብ ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕንነት መረብን ኢትዮጵያ፣ ኣባል ቦርድ ኢትዮ-ቴሌኮምን ቴሌቪዥን ኢትዮጵያን ኮይኑ ኣገልጊሉ
    • 2010: ተራ ኣባል ውድብ ኦህዴድ (ኦፕዲኦ) ብምዃን ናብ ፖለቲካ ኣትዩ፡ ኣብ 2015 ድማ ናብ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ተፀምቢሩ
    • 2016: ንሓፂር ግዜ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኮይኑ ኣገልጊሉ
    • 2018 ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ኣምጺኡ
    • 2019: ንግምባር ኢህወደግ ኣፍሪሱ ውሁድ ሰልፊ ብልጽግና መስሪቱ
    • 2019: ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኑ
    • 2020: ኣንፃር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ መጥቃዕቲ ኣዊጁ
  14. ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኮይኑ ተሸይሙ

    ኣገኘሁ ተሻገር

    ምንጪ ስእሊ, AMMA

    ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኮይኑ ተሸይሙ።

    ወይዘሮ ዛህራ ኡመድ ድማ ምኽትል እቲ ኣፈጉባኤ ብምዃን ብሙሉእ ድምጺ ተመሪጻ።

    ወይዘሮ ዛህራ ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ዓፋር ነይራ።

  15. ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

    ሰልፊ ብልጽግና ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንክመርሕ ሕጹይ ገይሩ ዘቕረቦ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ።

    ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብላሊ ድምጺ ካብ ዘለዎ ሰልፊ ካብ ሞንጎ እቶም ኣባላት ባይቶ ይመርጽ ይብል።

    በዚ መሰረት ኣብዪ ኣሕመድ መራሒ እታ ሃገር፣ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  16. ካብ ምንኵስና ናብ ወተሃደርነት-ንቤተክርስትያን ናብ ክልተ ዝመቐለ ውግእ

  17. ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣፈ ጉባኤ ገይሩ ሸይሙ

    ኣቶ ታገሰ ጫፎ

    ምንጪ ስእሊ, PMO

    ኣቶ ታገሰ ጫፎ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንክመርሕ ተሸይሙ።

    ወይዘሮ ሎሚ በድኦ ድማ ምኽትል ኣፈጉባኤ ኮይና ተመሪጻ። እታ ምኽትል ብዓብላሊ ድምጽን ሸውዓተ ድምጸ ተኣቅቦን’ያ ተመሪጻ።

    ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ስልጣንን ሓላፍነትን ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ዝምልከት፡ እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ክኸውን እንከሎ ወይ’ውን ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣኼባ ክጽዋዕ እንተሓቲቱ እቲ ኣፈ ጉባኤ ኣኼባ ናይ ምጽዋዕ ሓላፍነት ወይ ግቡእ ኣለዎ ይብል።

    ካብዚ ወጻእ ብዛዕባ ዘለዎ ዝርዝር ስልጣንን ተግባርን ኣይጠቅስን።

    እንተኾነ ኣብ ዓንቀጽ 66 ዝሰፈሩ ስልጣንን ተግባርን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣለው።

    • ኣኼባ እቲ ባይቶ ይመርሕ
    • ነቲ ባይቶ ወኪሉ ጠቕላላ ናይ ምምሕዳር ስራሕቲ ይሰርሕ
    • ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተወሰነ ስጉምቲ ዲስፒሊን የፈጽም ዝብሉ ይርከቡዎ።
  18. ኣብቲ ሓድሽ ባይቶ ወንበር ዝረኸቡ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን

    ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

    ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ዝጸንሐ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብኽልተ ዙርያ ክካየድ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ.ም ብሰንኪ ጸጥታ መረጻ ከይተኻየደሎም ዝጸንሑ ክልላትን ከባቢታትን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣካይዶም'ዮም።

    እቲ መረጻ ደንጉዩ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልላትን ከባቢታትን ዝርከብ ውጽኢት ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።

    እንተኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሽ ባይቶ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላልነት መብዛሕትኦም ወናብር ክሕዝ እንከሎ፡ 11 ወናብር ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊታትት ከም ዝተዓወቱን ኣርባዕተ ድማ ብናይ ውልቂ ተወዳደርቲ ከም ዝተታሕዙ ተሓቢሩ።

    ኣብቲ መረጻ ካብ ዝተወዳደሩ 47 ተቓወምቲ ውድባት፡ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ [ኣብን] 5፣ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] 4፣ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ጌዲኦ [ጌህዴድ] 2 ወናብር ረኺቦም ኣለው።

    ብተወሳኺ ካብቶም ብውልቂ ዝተወዳደሩ 125 ሕጹያት ድማ እቶም ኣርባዕተ ውክልና ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረኺቦም ኣለው።

    እዚኦም ድማ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት፣ መስረትቲ ኦነግ ዝነበረ ኣቶ ዲማ ነገዎን ኣቶ ገላሳ ዲልቦን ከምኡ'ውን ኡስታዝ ካሚል ሸምሱ'ዮም።

    እቲ መረጻ ደንጉዩ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልላት ሶማልን ሃረርን ውጽኢቶም ስለ ዘይተፈልጠ መራሕቲ እተን ክልላት ኣብዚ ሓድሽ ባይቶ ኣይርከቡን።

    ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መረጻ ስለ ዘይተኻየደ፡ 38 ወናብር እቲ ክልል ክፍቲ ኮይኖም ክጸንሑ'ዮም።

    ኣብዚ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ገለ ናይ መሪሕነት ቦታታት ክወሃቦም'ዩ ዝብል ግምት ክህሉ እንከሎ፡ ኢዜማ ካብ ብልጽግና ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሕቶ ከም ዝቐረበሉ ገሊጹ ኣሎ።

  19. ኣብ ስነ ስርዓት ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገር ይኣትው ኣለው

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ፕረዚደንት ናይጄሪያ መሓሙድ ቡሃርን ካልኦት ዕዱማትን

    ምንጪ ስእሊ, @PMAbiyAhmedAli

    ኣብዚ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተው ይግለጽ ኣሎ።

    ክሳብ ሕጂ ኣቲዮም ካብ ዘለው፡

    • ፕረዚደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ
    • ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል
    • ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ

    ሚስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣልጄሪያ ራማታን ላማምራን ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው።

  20. ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓድሽ ዘመን ስራሕ ክጅምር'ዩ

    ሎሚ ፈለማይ ጉባኤኡ ዘካይድ ሻድሻይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘለውዎ 547 ወናብር ሰልፊ ብልጽግና 410 ወናብር ከም ዝተዓወተ ቦርድ መረጻ ገሊጹ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና እቲ መረጻ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዓብላላይ ድምጺ ብምርካብ ብዝሒ ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልልን ፌደራልን ሒዙ'ዩ።

    እዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቲ ሰልፍን ተወሳኺ ሓሙሽተ ናይ ስልጣን ዓመታት ዝህቦም ኮይኑ እቲ ሎሚ ስርሑ ዝጅምር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ክስየም እዩ።

    ውጽኢት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ መረጻ [ክልላት ሶማሊያን ሃረርን] ወግዓዊ'ኳ እንተዘይኮነ ቅድም ኢሉ ኣብ መብዛሕትኦም ድምጺ ዝተዋህበሎም ከባቢታት ዘለው ወናብር ኣብያተ ምኽሪ ውጽኢት ስለ ዝተፈልጠ ኣብ ወመዳእቲ እዚ ወርሒ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት እዩ።

    ኣብዚ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ገለ ናይ መሪሕነት ቦታታት ክወሃቦም'ዩ ዝብል ግምት ክህሉ እንከሎ፡ ኢዜማ ካብ ብልጽግና ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሕቶ ከም ዝቐረበሉ ገሊጹ ኣሎ።