ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ ሸውዓተ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብ ኤርትራ ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ ትሽዓት ሰባት እቶም ሸውዓተ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነው ሚኒስተሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ 8 ግንቦት ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኤርትራ: ብ 18 ሚያዝያ፡ 4 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣይረኸበትን።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 3000 ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ናብታ ሃገር ዝኣተዉን፡ ምስኣቶም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝወሸበት’ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ይሕብር።
እታ ሃገር፡ ብ 21 መጋቢት ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ምርካባ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።
ካብዞም 39 ኣቐዲሞ 30 ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታ የመልክት።
ምስዞም ናይ ሎሚ ድማ፡ ካብቶም 39 እቶም 37 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን 2 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ እዮም ዘለዉዋ።













