ቻይና፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣበጋግሳ እቲ ቫይረስ ንዘካይዶ መርመራ ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምንጪ ኮሮናቫይረስ ንዘካይዶ መርመራ ከም እትድግፍ ዝገለጸት ቻይና፡ እቲ መርመራ ካብ ፖለቲካ ነጻ ኮይኑ፡ ብስነፍልጠታዊ መገዲ ክካየድ ከም ዘለዎ'ውን ሓቢራ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ ሸውዓተ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም

    ኣስመራ

    ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

    ኣብ ኤርትራ ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሑ ትሽዓት ሰባት እቶም ሸውዓተ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነው ሚኒስተሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ 8 ግንቦት ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ኤርትራ: ብ 18 ሚያዝያ፡ 4 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣይረኸበትን።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 3000 ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ናብታ ሃገር ዝኣተዉን፡ ምስኣቶም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝወሸበት’ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ይሕብር።

    እታ ሃገር፡ ብ 21 መጋቢት ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ድሕሪ ምርካባ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ ነይሩ።

    ካብዞም 39 ኣቐዲሞ 30 ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታ የመልክት።

    ምስዞም ናይ ሎሚ ድማ፡ ካብቶም 39 እቶም 37 ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን 2 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ እዮም ዘለዉዋ።

  2. ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢጣልያ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 30 000 በጺሑ

    ክልተ ዓበይቲ ኣንስቲ ኣብ ኢጣልያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢጣልያ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ናብ 30 201 ክብ ኢሉ። ሎሚ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ 243 ከም ዝሞቱ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ።

    ቁጽሪ ዝተለኽፉ ቁሩብ ከም ዝጎደለን፡ 217 185 ከም ዝበጽሐን’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

    ኢጣልያ፡ ድሕሪ ኣመሪካን ብሪጣንያን እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ሃገር ኮይና’ላ።

    ኣብ ኣውሮጳ እታ መጀመርታ ዝታሃሰየት ኮይና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ኣዊጃቶ ዝነበረት እገዳታት ከተፍኩሶ ጀሚራ ምህላዋ ይፍለጥ።

  3. ካብ ጂቡቲ ናብ መቐለ ዝኣትዋ ዓበይቲ መካይን ተኸልኪለን

    ዝተዓገታ ናይ ጽዕነት መካይን

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል: ብዘይካ ነዳዲን 'ኮንቴይነርን' ዝፀዓና ካልኦት ኩለን ናብ መቐለ ከይኣተዋ ኣብ ኣሸጎዳ ከራግፋ ውዒለን።

    መራሕቲ መካይን ካብ ጂቡቲ ብዓፋር ኣቢሎም ፅዒኖም ዘምፅእዎ እኽልን ንብረትን ኣራጊፎም ናብ ከተማ ከይኣተዉ ክምለሱ ይግበር ኣሎ።

    ትማሊ ካብ ጂቡቲ ናብ መቐለ ዝኣተዉ ሓደ መራሒ መኪናን ሰለስተ ሓገዝትን ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ይዝከር::

  4. ኣብ ስዑዲ ዓረብ 30 ፓኪስታናውያን ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    ዓቢ መስጊድ መካ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 30 ፓኪስታናውያን ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ኣምባሳደር ፓሰስታን ኣብ ስዑዲ፡ ራጃ ዓሊ ኢጃዝ ገሊጹ።

    እቲ ቁጽሪ፡ 10 ሚእታዊት ናይቶም ኣብታ ንግስነት ብኮቪድ-19 ዝሞቱ’ዩ።

    ብድምር፡ 150 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰርሑ ዜጋታት ፓኪስታን ከም ዝተለኽፉ ይፍለጥ።

    ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኾኑን፡ ብፍሉይ በረራታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም’ውን እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

  5. ሽቕለት-ኣልቦነት ኣመሪካ 14.7 ሚእታዊት በጺሑ

    ሕልምልም እትብል ከተማ ኒውዮርክ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ስራሕ-ኣልቦነት 14.7 ሚእታዊ ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ፡ 20.5 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ።

    እቲ ኩነታት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1930ታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ’ግሬት ዲፕረሽን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ እቲ ዝኸፍአ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

    ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዘይተራእየ፡ መጠን ሽቕለት-ኣልቦት ናብ 3.5 ሚእታዊ ወሪዱ ነይሩ’ዩ።

    ኩሉ ክፋላት ቁጠባ ናይታ ሃገር ተጸልዩ ከም ዘሎ፡ ነቲ ጸብጻብ ዘውጽእ ክፍሊ ዕዮ ኣመሪካ ሓቢሩ።

  6. ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሓደ ዓመት 190 000 ኣፍሪቃውያን ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ

    ብዓል ሞያ ጥዕና ንሓደ ሰብ መርመራ እናገበረ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ንኮቪድ-19 ንምግታእ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት እንተፈሺሉ፡ ኣብዚ ናይ ፈለማ ዓመት ምልባዕ ናይቲ ለበዳ ጥራይ፡ ኣስታት 190 000 ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    እቲ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ምልባዕ ናይቲ ለበዳ ንሒደት ዓመታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ፍሉይ ዝገብሮ፡ በብቑሩብን ብዘገምታ ዝላባዕ ምዃኑ ኪኢላታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተዛሪቦም።

    እዚ መጠንቀቕታ፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣዊጆንኦ ዝጸንሓ እገዳታትን ዕጽዋታትን ኣብ ዘዝልቓሉ ዘለዋ እዋን’ዩ ዝዋሃብ ዘሎ።

    ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ሓደ ዓመት ጥራይ ካብ 29 ሚልዮን ክሳብ 44 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ይኽእሉ’ዮም።

  7. ኣብ ኢትዮጵያ 3 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1,861 ምርመራታት ብምክያድ፡ 3 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ከምዘረጋገፀ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊፁ።

    እዚ ቫይረስ ዝተረኸበን ሰለስቲአን ደቂኣንስትዮ ኮይነን፡ ካብ ክሊ ዕድመ 22-23 ዝርከባ እየን።

    እዘን ግዳያት ናይ ወፃኢ መገሻ ከም ዘይነበረንን፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ምትንኻፍ ከም ዘይብለንን እውን ተገሊፁ።

    ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 194 ዝበፅሐ እንትኸውን፡ 95 ድማ ካብቲ ቫይረስ ከምዝሓወዩ፡ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

  8. ፋብሪካ ቢራ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሚልዮናት ሊትሮታት ዝቑጸር ቢራ ክጉሕፍ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን ባራት ተዓጽየን ኣለዋ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ዓቢይ ፋብሪካ ቢራ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ፍርያቱ ክሸይጥ እንተዘይክኢሉ፡ 130 ሚልዮን ሊትሮ ቢራ ክጉሕፍ ከም ዝግደድ ኣጠንቂቑ።

    እቲ ፋብሪካ፡ በቲ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ኣዊጃቶ ዘላ ዕጽዋ፡ መሸጣ ኣልኮል ብምእጋዳ፡ ብሕሱም ከም ዝተሃስየ ይግለጽ።

    ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ገንእታት፡ ከባቢ 400 ሚልዮን ጥርሙስ ቢራ ተዓቚሩ ምህላው እቲ ትካል ገሊጹ።

    እቲ ትካል ወሲኹ፡ ፍርያቱ ከከፋፍል እንተዘይተፈቒድሉ፡ ካብ ሰራሕተኛታቱ ነቶም ፍርቂ - 2,000 ሰባት - ካብ ስራሕ ደው ከብል ክግደድ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

    እቲ ትካል፡ ዕጽዋ ካብ ዝተኣወጀሉ ማለት ካብ 23 መጋቢት ጀሚሩ፡ ምጥጃእ ደው ኣቢሉ ምህላው ይገልጽ።

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስሪል ራማፎሳ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ካብ 1 ግንቦት ጀሚሩ ብከፊል ዳግማይ ከም ዝተኸፍተ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ መብዛሕትኡ ዋኒናት ጌና ዕጽው እዩ ዘሎ።

  9. ሓድሽ ዜና, ቁፅሪ ኣብ ሩስያ ዝተመዝገቡ ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ 10 ሽሕ ሓሊፉ

    ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ መዓልታት ጥራሕ 10,699 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ከምዘመዝገበት ኣፍሊጣ።

    ኣብዞም ሽድሽተ መዓልታት 98 ተወሰኽቲ ሰባት በዚ ቫይረስ ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ኣብታ ሃገር ጠቕላላ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ናብ 1,723 ደይቡ።

    ዛጊድ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 187,859 በፂሑ ኣሎ።

  10. ህንዲ ኮነ ኢሎም ኮሮናቫይረስ ንዘመሓላልፉ ሰባት ዝቐፅዕ ሕጊ ደንጊጋ

    ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፓርደሽ

    ምንጪ ስእሊ, Sopa Images

    ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ትርከብ ግዝኣት ኡታር ፕራዴሽ፡ ኮነ ኢሎም ኮሮናቫይረስ ዘመሓልፉ ሰባት፡ ክሳብ ሞት ዝቐፅዕ ሓድሽ ሕጊ ኣፅዲቓ ኣላ።

    እዚ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብታ ግዝኣት ዝፀደቐ ሕጊ፡ ኮቪድ-19 ናብ ካልኦት ሰባት ክሓልፍ ዝገብሩ ውልቀሰባት፡ ካብ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ክሳብ ሞት ከምዝፅበዮም ይድንግግ።

    በቲ ቫይረስ ኮነ ተባሂሉ ንክልከፍ ዝተገበረ ሰብ ህይወቱ እንተሓሊፋ፡ ከቢድ ቅፅዓት ከም ዘስዕብ ተገሊጹ።

    ነዚ ገበን ዝፈፀመ ሰብ፡ ካብ ማእሰርቲ ሸውዓተ ዓመት ብተወሳኺ፡ ካብ 3,970 ክሳብ 6,610 ዶላር ይቕፃዕ። ከከም ኩነታቱ ተራእዩ ድማ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክህሉ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

  11. ፓኪስታን ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ኣብ ዝወስኸሉ ግዘ፡ ዝኣወጀቶ ዕፅዋ ክተልዕል ወሲና

    ፓኪስታን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ካህን፡ መንግስቱ ኣብታ ሃገር ዘንበሮ ዕፅዋ፡ ምልዓል ከም ዝጅምር ገሊፁ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለፀ፡ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ኣብ ዘሎ ግዘ እዩ።

    ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ ኣብታ ሃገር 1,523 ሰባት ብኮሮናቫይረስ እንትትሓዙ፡ 38 ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱ ሮይተርስ ፀብፂቡ እዩ።

    ዛጊድ ኣብ ፓኪስታን ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 24 ሽሕ በፂሑ ኣሎ፤ 564 ድማ ሞይቶም።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብሃገራዊ ተሌቬዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ብዙሓት ሰባት በዚ ቫይረስ ኣብ ዝተትሓዝሉ ግዘ እዚ ውሳነ ንውስን ከምዘለና እፈልጥ እየ፤ ከምቲ ዝተፀበናዮ፡ እቲ ኣሃዝ ኣይነከየን; እቲ ዕፅዋ ግና ከብቅዕ ይግባእ” ኢሉ።

    ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣብ ዕፅዋ ዝፀንሐት ፓኪስታን፡ ኣብዞም ሰሙናት ግና፡ ሓደ ሓደ ገዳባት ኣዝሊቓ እያ።

    ኣብ መስጊድ ጸሎት ንኽካየድን፡ ሓደ ሓደ ህንፀት ኢንዱስትሪታት ናብ ዝነበረ ስርሖም ክምለሱን ድማ ፈቂዳ ኣላ።

    እቲ ዕፅዋ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይለዓል ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሕዚ እውን ዜጋታት ክጥንቀቑ ተማሕፂኑ።

    ሰብሞያ ግና፡ መንግስቲ ነቲ ቫይረስ ይምክተሉ ዘሎ መገዲ፡ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ከምዝዓነወ ዘርእይ እዩ ብምባል እዮም ዝነቕፉ።

    ኣባል ማሕበር መናእሰይ ዶካትር ዝኾነ ዶክተር ሳልማን ካዛሚ፡ “ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ከምዝውስኽ ፍሉጥ እዩ፤ እዚ ኩነታት ኣብ ሆስፒታላት ዘስዐቦ ፀቕጢ ስለዘይንፈልጥ ኣብ ስግኣት ኢና ዘለና” ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

  12. ስሙይ ብሪጣንያዊ ራፐር ታይ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

    ራፐር ታይ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ካብ ናይጄርያውያን ስድራ ተወሊዱ ኣብ ኢንግሊዝ ዝዓበየ፡ ወዲ 47 ዓመት ስሙይ ብሪጣንያዊ ራፐር ታይ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቱ።

    ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ታይ፡ ኣድላይ ሕክምና ንኽረክብ ኣብ ኮማ ኣትዩ ነይሩ እዩ።

    ድሕሪኡ ካብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ከምዝወፅአን ይሕሾ ከምዘሎን ተገሊፁ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕማም ካልኣይ ደጊስዎ፡ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ተገሊፁ።

    ቅድታት ኣፍሮ ፈንክን ጃማይካን ኣብ ሓደ ብምጥማር ናይ ባዕሉ ዓሸራ ኣንቢሩ ዝሓለፈ ታይ፡ ብፍላይ ካልኣይ ኣልበሙ ‘ኣፕ ዋርድስ’ ብዙሕ ናእዳ ዝረኸበሉን ንሽልማት ሜርኩሪ ዝተሓፀየሉን እዩ።

    ዕምቆት ግጥምታት ታይ፡ ፍቕሪ ዘንፀባርቑ፣ ኣብ ኢንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ንዝፍፀም ግፍዒ እናዋዘዩ ዝገልፁን ከምዝኾኑ፡ ታሪኽ ዘዘንትው ኢሎም ዝንእድዎ ሰባት ይገልፁ።

    ብዙሓት ኣድነቕቱ ድማ፡ ብመገዲ ትዊተር ሓዘኖም ይገልፁ ኣለዉ።

  13. ፖሊስ ታንዛንያ፡ ናብ ቤት-ምኽሪ ንዘይምኻድ ዝኣደሙ ኣባላት ባይቶ ሓቲቱ

    ታንዛንያዊ ደጋፊ ሰልፊ ቻዴማ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፖሊስ ታንዛንያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምፍራሕ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ እታ ሃገር ንዘይተረኸቡ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ፡ ንሕቶ ከምዝደልዮም ኣፍሊጡ።

    እዞም ነዚ ኣድማ ዘካየዱን ንሕቶ ተደልዮም ዘለዉን፡ ኣባላት ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀንዲ ተነሓናሒ ፖለቲካዊ ውድብ ቻዴማ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዝኾኑ ኣባላቱ፡ ብውሑዱ ንርእሶም ን14 መዓልታት ክውሽቡን ናብ ህንፃ ባይቶ ታንዛንያ ወስ ከይብሉን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    እቲ ውድብ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ድማ፡ ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ታንዛንያ ሙማቶም ስዒቡ እዩ። ይኹን’ምበር ሞት እቶም ኣባላት ብኮሮናቫይረስ ከምዘይኮነ እዩ ዝግለፅ።

    ኣፈ-ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘይርከቡ ኣባላት፡ ‘ባይቶ ብምእዳም’ ከምዝኸሶም ኣጠንቂቑ።

    ቅድም ክብል፡ ኮሚሽንር ፖሊስ ዳሬሰላም ፖል ማካንዳ፡ እቶም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነታ ከተማ ለቒቖም እንተዘይወፅዮም፡ ከምዝእሰሩ ኣጠንቂቑ እዩ።

    ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ ግና፡ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል፡ ክኣስሮም ከይፍትን ኣጠንቂቖምዎ ኣለዉ።

    ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ታንዛንያ፡ ዛጊድ 480 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘመዝገበት እንትትኸውን፡ 167 ሰባት ካብዚ ቫይረስ ሓውዮም፡ 16 ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።

  14. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮሮናቫይረስ ዘሎ 'ማዕበል ጽልኢ' ከብቅዕ ፀዊዑ

    ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ዓሌታውነት ብምዝማድ እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ፅልኢ ከብቅዕ፡ ኩለመዳይ ፃዕሪ ክግበር ፀዊዑ።

    “እቲ ለበዳ ናብ ተራፃሚ ማዕበል ፅልኢ-ጓኖትን ራዕዲ ምንዛሕን ይቕፅል ኣሎ። ብናይ ካልእ ጌጋ፡ ሰባት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ” ኢሉ።

    ኣብ ኦንላይንን ኣብ መገድን፡ ፀረ-ወፃእተኛታት ዝኾኑ ርኢቶታት ወሲኾም ኣለዉ ዝበለ ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ፀረ-ኣይሁዳውያን ፅልእታት ከምዝተላብዑን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፀረ-ሙስሊም ዝኾኑ መጥቃዕትታት ከምዝተፈፀሙን ገሊፁ።

    ካብዚ ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛታት፣ ሚስጥር ዘቃልዑ ሰባት፣ ሰብሞያ ጥዕና፣ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ስርሖም ብምስርሖም ጥራሕ፡ ዒላማ እዚ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

    “ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ፅልኣታዊ ዘረባ ከብቅዕ፡ ኩለ መዳይ ፃዕሪ ክግበር” ኣንቶንዮ ጉተሬስ ተማሕፂኑ።

    መራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዓሌታውን ደቂኣንስትዩ ዘቀናፅቡ ጎዳእቲ ትሕዝቶታት ክኣልዩ ፀዊዑ።

  15. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 190,000 ሰባት ክቐዝፍ ከምዝኽእል ተገሊጹ

    ኣምቡላንስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኮሮናቫይረስ ንምግታእ እኹል ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከባቢ 190,000 ሰባት ክቐዝፍ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ቁጽሪ ሕሙማት፡ ነቲ ዘሎ ሕክምናዊ ኣቕሚ ኣፍሪቃ ካብ መጠን ንላዕሊ ክኸብዶ ከምዝኽእል’ውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

    ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝሓበሮ፡ ኣብታ ኣህጉር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።

    እቲ ትካል፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣፍሪቃ ንምሕያል ሐሳባት ከምዝቐረበ’ውን ሓቢሩ።

    ልዕሊ 51,000 ኣፍሪቃውያን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከም ዝብሎ፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ ልዕሊ 2,000 ሰባት ኣብታ ኣህጉር ሞይቶም ኣለዉ።

    ዝበዝሑ እቶም ግዳያት ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ግብጽን ኣልጀርያን እዮም። ኣብዚ እዋን እቲ ለበዳ ዝያዳ ክላባዕ ይረአ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለዉ።

  16. ሰራሕተኛታት ጉግልን ፌስቡክን ካብ ገዛኹም ስርሑ ተባሂሎም

    ካብ ገዛ ምስራሕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ጉግልን ፌስቡክን ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሰራሕተኛታቶም፡ ካብ ገዝኦም ከምዘስርሑ ተገሊፁ።

    ዋላ'ኳ ጉግል ቅድም ኢሉ ሰራሕተኛታቱ ክሳብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሰነ፡ ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ኣፍሊጡ እንተነበረ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘይምንካዩ ግና፡ ሰራሕተኛታቱ ካብ ገዝኦም ዝሰርሕሉ ግዘ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ ኣሎ።

    ሰራሕተኛታት ፌስቡክ'ውን 14 ሓምለ ናብ ቤት-ጽሕፈት ክምለሱ እዩ ተነጊርዎም ነይሩ።

    ኣብዚ እዋን ግን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

    ገለ ሃገራት ኣንቢረንኦ ዝጸንሐ ዕፅዋ የፍኩሳ እኳ እንተለዋ፡ ብዙሓት ትካላት ግና ሰራሕተኛታተን ናብ ስራሕ ንምምላስን ዘይምምላስን፡ ምውሳን ኣይከኣላን።

    ሰራሕተኛታት ናብ ቤት-ጽሕፈት እንተተመለሱ'ውን፡ እቶም ኣብያተ-ዕዮ ኣካላዊ ርሕቀት ብዝሕሉ መልክዑ ምስራሕ ስለዘድልይ፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም እንተዝሰርሑ ይሓይሽ ዝበላ ካልኦት ትካላት እውን ኣለዋ።

  17. ቻይና ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ንዝገብሮ መርመራ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ

    ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ቻይናዊ ዶክተር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቻይና፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መበቆል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምፍላጥ ዘካይዶ መርመራ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ።

    እቲ መርመራ ካብ ፖለቲካ ነጻ ኮይኑ፡ ብስነፍልጠታዊ መገዲ ጥራሕ ክካየድ ከምዝግባእ ድማ ገሊፃ።

    ኣሜሪካ፡ ኣብ መበቆልን እቲ ቫይረስ ቻይና ግልፂ ከምዘይነበረትን፡ ደሓር እውን እቲ ቫይረስ ብኣጋ ምቁፅፃር ኣይከኣለትን ብምባል እያ ትውንጅላ።

    ቻይና ግና ንክሲ ኣሜሪካ ፀለመ ከምዝኾነን፡ መበቆል እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወፃኢ ከምዝኾነ እያ ትገልፅ።

    እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር፡ ንፀሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ “ሓሶት ንምሽፋን ካልእ ሓሶት ይፈጥር ኣሎ” ክብል ነቲ ብበዓልመዚ ኣሜሪካ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።

    ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቻይና፡ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ እዩ፤ ካብዚ ወፃኢ ግና ኣብታ ሃገር ዝመውትን ሓድሽ ረኽስን የለን።