እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ትግራይ 4 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

እቶም ኣብ ትግራይ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 4 ሰባት ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መወሸቢ ከምዝነበሩ ተገሊፁ። ብደረጃ ዓለም ቁፅሪ ከኣ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 3 ነጥቢ 7 ሚልየን በፂሑ ኣሎ። 1,228,603 ሰባት በዚ ቫይረስ ዝተትሓዝዋ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ። ሰብመዚ ኣሜሪካ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቻይና ምውንጃሎም ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም ቀፂሎም ኣለዉ። ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ዘለዉ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና። ሰናይ ምክትታል።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ብሪጣንያ ጸለምቲ 'ብክልተ ዕጽፊ' ይሞቱ ኣለዉ

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ምስ ጸዓዱ ክነጻጸር እንከሎ፡ ጸለምቲ ብክልተ ዕጽፊ ከም ዝሞቱ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሓረሩ።

    በዚ ምኽንያት ጸለምቲ ሰራሕተኛታት ‘ቅድመ-ግንባር’ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሪጣንያ ዝያዳ ሓደጋ ስለዘለዎም ፍሉይ መምርሒ ክገበረሎም ጻዊዒት ቀሪቡ።

    ጻዓዱ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ‘ዘይተመጣጠነ” ሞት የጋጥሞም ከምዘሎ ጸሓፊ ጥዕና ማት ሃንኮክ ብወግዒ ገሊጹ’ሎ።

    ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምጽራይ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ሰልፊ ዕዮ ብወገኑ፡ ናይ ባዕሉ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ።

    ዋና-ኣካያዲ ሕክምናዊ ጉዳያት ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ፕሮፌሰር ክሪስ ዊቲ ከም ዝበሎ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጂ ተረኺቡ ጭብጢ ናብ መደምደምታ ዘብጽሕ እንተዘይኮነ፡ “ኣየኖት ጉጅለታት ዝያዳ ተጠቃዕቲ ከም ዝኾኑ ምፍላጥ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።

  2. ኣብ ገለ ከባቢታት ርእሰከተማ ናይሮቢ ን15 መዓልቲ ዝጸንሕ ዕጽዋ ተኣዊጁ

    መንግስቲ ኬንያ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝርከብ 'እስሊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ ን15 መዓልታት ዝጸንሕ ዕጽዋ ኣዊጁ።

    እቲ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ከባቢ መርመራ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምክያዱ፡ 29 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ስለዝተረኽቡ’ዩ ተወሲዱ።

    መንግስቲ ኬንያ፡ ካብን ናብን እቲ ከባቢ ዝኸይድን ይኹን ዝወጽእ ሰብ ከምዘይህሉ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ከባቢ ሶማላውያን፡ ኢትዮጵያውን ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ዝነብሩሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ‘እስሊ’ ትካላት ንግዲ ኣለዎም።

    እስሊ፡ ዕሙር ዕዳጋ ክዳውንቲ፡ ጫማን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራት ዝሽየጠሉ ኮይኑ፤ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ካልእ ቦታታት ናይሮቢ ከም በርበረ፡ ጣፍ፤ ከምኡ’ውን ናይ ሓበሻ ክዳውንቲ ክዕድጉ ዝኸድዎ ቦታ እዩ።

  3. ወሲባዊ ስእልታት ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኸመይ ተራእዩ?

    ሎሚ ሓሙስ፡ ሓደ ኣኼባ ፍሉይ ኮሚተ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ’ዙም’ (ZOOM) ኣኼባ ከካይድ ምስ ጀመረ ዘጋጠመ ድቦላ’ዩ ነይሩ።

    ኣኼባ ተጀሚሩ፡ ቅሩብ ምስ ቀጸለ ግን፡ ኣብ ‘ስክሪን’ ዘይተጸበይዎ፡ ኣነዋሪ ወሲባዊ ምስሊ ተገቲሩ። ኣባላት ባይቶ እዚ ከይኣኽሎም፡ ሓደ ተባዕታይ ድምጺ ንኣፈኛ ሃገራዊ ባይቶ ታንዲ ሞዲሰ ክጻረፍ ጀሚሩ።

    ነዚ ዝራኣየት ኣፈኛ ‘እዚ ዝበልኩ’ ኣብ ‘ዙም’ ይኹን ብኢንተርነት ዝግበር ኣኼባ ዘለዋ ስክፍታት ከም ዝገለጸት ጸብጻባት ዜና’ታ ሃገር ሓቢሮመን።

    በቲ ኩነታት ዝተቖጥዑ ኣባላት ባይቶ “ጽይፉ”ን “ዘሰንብድን” ክብሉ ገሊጾሞ ክብል ኣይ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ገሊጹ።

    ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኪኢላታት ሓድሽ መስመር ብምኽፋት እቲ ኣኼባ ከም ዝቕጽል ክገብሩ ኪሎም።

  4. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዛጊት ልዕሊ 51 000 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለዉ

    ልዕሊ 51 000 ኣፍሪቃውያን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከም ዝብሎ፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ ልዕሊ 2000 ሰባት ኣብታ ኣህጉር ሞይቶም ኣለዉ።

    ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ግብጽን ኣልጀርያን ዝሞቱ’ዮም።

    ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ለበዳ ዝያዳ ክላባዕ ይረአ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለዉ።

    ኣብ ሓያሎ ሃገራት እኹል መርመራ ይግበር ከም ዘየለ’ዩ ዝፍለጥ። ንኣብነት፡ ኣብ ኬንያ ዝተለኽፉ ሰባት ገንዘቦም ከፊሎም ክውሸቡ ስለዝግደዱ፡ ሰባት ናብ ማእከላት መርመራ ከይከዱ ደሪትዎም’ዩ ጸኒሑ።

    ገለ ከም በዓል ማዳጋስካር ዝበላ ሃገራት ድማ፡ ጃምላዊ መርመራ ጀሚረን ኣለዋ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ልዑል ምልባዕ ናይቲ ለበዳ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ’ሎ።

    እታ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ፡ ብተመጣጣኒ መለክዒ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ መልከፍቲ ዝተራእየላ ሃገር ኮይና ኣላ።

    ኣብታ ተነቃፊ ስርዓተ ጥዕና ዘለዋን ምርግጋእ ዘይብላን ሶማልያ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ብናህሪ ክላባዕ ጀሚሩ’ሎ፡ ዛጊት ኣስታት 1000 ተለኺፎም ኣለዉ።

  5. ካብ ቀንዲ ምዕባለታት እዚ ዕለት

    • ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብተን ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ቅሉዓት ዝኾና ሃገራት፡ ነቲ ሕማም ንምግታእ ዝውዕል ናይ 6.7 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ለገስቲ ሃገራት ጠሊቡ። እቲ ለበዳ፡ “ብዙሕ ዓጸቦ” ከስዕብ ከም ዝኽእል፡ ኣብቲ ውድብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝኾነ ማርክ ሎውኮክ ተዛሪቡ።
    • ቁጠባ ብሪጣንያ ኣብዚ ዓመት ናብ ዓቢይ ምንቁልቋል የምርሕ ከም ዘሎ፡ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ኣፍሊጡ፤ በዚ ድማ ብዙሓት ስራሕ ከም ዝስእኑን ኣታዊታት ከም ዝጎድልን ገሊጹ።
    • ብሪጣንያ ካብ ቱርኪ ዝዓደገቶ ከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ንዋት ውልቃዊ መከላኸሊ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ከም ዘይኮነ ተገሊጹ።
    • ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታሪኽ ሃገሩ “እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ። ንሱ ወሲኹ፡ ቻይና ተቐላጢፋ ስጉምቲ እንተትወስድ እዚ ኹሉ ኣይመጋጠመን ኢሉ። ነቐፍቲ ግና ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝገብሮ ምዃኑ ይዛረቡ።
    • ህንዲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዘይከኣሉ ዜጋታታ ንምግዓዝ ልዕሊ 60 በረራታት ክትውጥን ከላ፡ እቲ ናይ ፈለማ በረራ ሓሙስ ክተካይዶ እያ።
  6. ብሪጣንያ ካብ ቱርጊ ዘምጽኣቶ ጋውን፡ ብቕዓቱ ዝሃለወ ከም ዘይኮነ ኣፍሊጣ

    መንግስቲ ብሪጣንያ ካብ ቱርኪ ዝኣተወ 400,000 ናይ ሕክምና ጋውን፡ ንደረጃታት ድሕነት እታ ሃገር ከም ዘየማልእ እኳ እንተገለጸ፤ ኣብ ብሪጣንያ ቀረብ ንዋት ውልቃዊ መከላኸሊ (PPE) ኣብ ሆስፒታላት ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮንፈደሬሽን ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ወሃቢ ቃል ናይቲ ነቲ ንዋት ዝቐረበ ኩባንያ፡ መህመት ዱዘን ግን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትካሉ ብዛዕባ እቲ ዘቕረቦ ንዋት ዝኾነ ጥርዓን ከም ዘይመጾን ሓቢሩ።

    እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቱርኪ ዝኣተወ ንዋት ውልቃዊ መከላኸሊ፡ ዛጊት ንሰራሕተኛታት ጥዕና ከም ዘይተዓደለን ኣብ ናይ መንግስቲ መኻዚኖ ተዓቂቡ ከም ዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓካይምን ነርስታትን ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ሕጽረት ቀረብ ናይ ጋውን፡ መሸፈኒ ገጽ ማስክን ጓንትን ከም ዘሎ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

    ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮንፈደሬሽን ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኒየል ዲክሰን፡ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያንን ኣብ ገለ ስፍራታትን ጌና ጸገማት ከም ዘሎ ገሊጹ።

    ንሱ ወሲኹ፡ መንግስቲ ነቲ ዝብሎ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከሳንዮ ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

  7. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 25 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1847 ምርመራታት ብምክያድ፡ ካልኦት 25 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዝረኸበ ገሊፁ።

    እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ክሳብ 65 ዝርከቡ 24 ደቂተባዕትዮን ሓንቲ ጓልኣንስተይትን እዮም።

    ኩሎም ድማ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ከምዘይብሎም ተገሊፁ።

    ዛጊድ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 187 በፂሑ ኣሎ።

    ክሳብ ሕዚ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱ እዩ፡ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ዝገልፅ።

  8. ቁጠባ ብሪጣንያ ኣብዚ ዓመት ብ14% ከንቆልቁል እዩ

    ብሓፈሻ ኣብ 2020፡ ቁጠባ ብሪጣንያ ብ 14% ከንቆልቁል ምዃኑ ባንክ እንግሊዝ ኣፍሊጡ።

    እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ካብ 1949 ጀሚሩ ዝተኣከበ ጸብጻብ፡ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ቤትጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ኣፍሊጡ።

    ብተወሳኺ እዚ ካብ 1706 ንደሓር እቲ ዝሓየለ ዓመታዊ ምንቁልቋል ምዃኑ ባንክ እንግሊዝ ሓቢሩ።

  9. ተመራመርቲ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ርእሰ-ቅትለት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም

    ኣብ ዓለም ዛጊድ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለው፤ ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ቁጠባውን ጥዕናውን ጸቕጢ ከምዘስዓበ እዩ ዝግለፅ።

    ተመራመርቲ ኣውስትራልያ ድማ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ስዒቡ፡ ርእሰ-ቅትለት ብ50 ሚእታዊት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

    ቀንዲ ምኽንያት እዚ ርእሰ ቅትለት፡ ሰባት በስገዳድ ኣብ ገዝኦም ምዕፃዎም ስዒቡ፡ ስነ-ልቦናዊ ፅልዋ ስለዘሓድሮምን ንሸቅሊ ኣልቦነት ስለዝቓልዑን ምዃኑ፡ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒን ማሕበር ሕክምና ኣውስትራልያን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ገሊፆም።

    መናእሰይ ቀንዲ ግዳያት እዚ ቅልውላው ከምዝኾኑ ድማ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

    “ኣብ ሓፂር ግዘ ስነ-ልቦናዊ ፀገም፣ ስእነት ገንዘብን ናይ ገዛ ቀረብን እንትመፅእ፡ መናእሰይ ነዚ ምፅዋር ይኸብዶም” ይብል እቲ ፀብፃብ።

    መንግስቲ ኣውስትራልያ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣእምሮ ንዝሰርሑ ትካላት ጥዕና፡ 550 ሚልየን ዶላር ድጋፍ ሰሊዑ እዩ።

  10. ኣሜሪካ፡ ሓደ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ስደተኛ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

    ኣብ ኣሜሪካ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት፡ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ስደተኛ ተመዝጊቡ።

    እቲ ሞት ኣብ ማእከል መቐየዲ ስደተኛታት ካሊፎርንያ እዩ ኣጋጢሙ።

    ወዲ 57 ዓመት ምዃኑ ዝተገለጸ ካርሎስ ኤርነስቶ መጅያ፡ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ'ዩ ኣብ ማእከል መቐየዲ ስደተኛታት ኦታይ መሳ ሳን ድየጎ ተታሒዙ ጸኒሑ።

    ንሱ ንሓደ ሰሙን፡ ኣብ ሆስፒታል ናይ መስተንፈሲ ሓገዝ እናተገብረሉ ከም ዝጸንሐ፡ ሳን ድየጎ ዩንየን-ትሪቡን ጸብጺባ።

    ካርሎስ ካብቲ ኣብ ኤልሳልቫዶር ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ሃዲሙ ካብ 1980 ጀሚሩ ኣብ ኣሜሪካ ኣዕቊቡ እኳ እንተጸንሐ፡ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ከም ዘይከኣለ ሓፍቱ ሮዛ ተዛሪባ።

    እዚ ናይ ፈለማ ሞት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ማእከላት መቐየዲ ስደተኛታት ኣሜሪካ፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣሻቓሊ ከም ዝኾነ ይንገር።

    ኣብዚ እዋን ከባቢ 1,000 ሰባት ዝርከቡሉ ማእከል መቐየዲ ስደተኛታት ኦታይ ሜሳ፡ ብርክት ዝበለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣዮ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝግበር ጥንቃቐታት እኹል ከም ዘይኮነ እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ።

    ኣብቲ ማእከል ልዕሊ 200 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ምህላው፡ ጸብጻብ ዩነየን-ትሪቡን ይገልጽ።

  11. ሓደ ተመራማሪ ኣብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ እቲ ቫይረስ ዝወሃብ ክልሰሓሳብ ብተዓጻጻፊ ይውስኽ

    ሓደ ትውልደ ቻይናዊ ተመራማሪ ኣብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወሃብ ክልሰሓሳብ ብተዓጻጻፊ ከም ዝወሰኸ፡ ተገሊጹ።

    ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና፡ ዩኒቨርስቲ ፒተርስበርግ መርመራታት ከካይድ ዝጸንሐ ወዲ 37 ዓመት ቢንግ ሊዩ፡ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተኣሳሰር፡ “ዓቢይ ነገር” ንምርካብ ተቓሪቡ ምንባሩ ብጾቱ ይዛረቡ።

    በዚ ድማ ምስቲ ምርምራቱ ብዝተኣሳሰር እዩ ተቐቲሉ ዝብል ግምት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

    ፖሊስ ግና እቲ ዝቐተሎ ሰብ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ይሕብር።

    ሊዩ ብቐዳም ኣብ ርእሱን፡ ክሳዱን ብተደጋጋሚ ብጥይት ተሃሪሙ ኣብ ከባቢ ፒትስበርግ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ከም ዝተረኽብ ፖሊስ ገሊጹ።

    እቲ ቀታሊ ምዃኑ ዝተገለጸ ሰብ፡ ወዲ 46 ዓመት ናይ ሶፍትዌር መሃንድስ ሃዎ ጉ ኮይኑ፡ ናብ መኪንኡ ምስ ተመለሰ፡ ርእሱ ከም ዝቐተለ ይግለጽ።

    ሊዩን ሃዎን ዝምድና ከም ዝነበሮም መርማርቲ ኣፍሊጦም።

    በቲ ዘካየድዎ መርመራ እቲ ፍጻመ “ምስ ብጻዩ ብዝነበረ ባእሲ” ዝሰዓበ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

    ምስ ምርምራዊ ስራሓት እቲ ሕማም [ኮቪድ-19] ከም ዝተኣሳሰር ዝኾነ ጭብጢ ከም ዘየለ’ውን ኣፍሊጦም።

    እንተኾነ ግና እቲ ቅትለት ብዙሕ ቤላቤለው ኣስዒቡ ኣሎ።

  12. ኣብ ኒውዚላንድ፡ ኣብ ግዘ ዕጽዋ ኣብ ሓደ እዋን 97 መካይን ተሰሪቐን

    ንዝሓልሞ እቲ ኣጋጣሚ ዓቢ ዕድል'ዩ፡ እንታይ እሞ ንስርቒ እንደሞ ኮይኑ! ከም ኣሓ ምሉእ መጓሰ ድሕሪ ማይ ስትዮት ንሜዳ ምልእ ዝብለኦ፡ እዘን ናይ ክራይ መካይን'ውን መፍትሐን ብዕንቅሩ ነቲ ሜዳ ምልእ ኢለንኦ ይርኣያ።

    ኣብ ኒውዝላንድ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሰ ዜጋታት እታ ሃገር ተደሪቱ እዩ፡ እዞም ስርቂ ዝተለሙ ሰባት ኸኣ፡ ነዚ ከም ጉልባብ ተጠቂሞም ናብቲ 'ስራሕና' ዝበልዎ ስርቂ ክወፍሩ ነቒሎም።

    ዓይኒ እዞም ሰረቕቲ ዝዓለባ ትካል፡ ኣብ ኒውዚላድ ከተማ ኦክላንድ እትርከብ፡ ጁሲ እትብሃል ትካል ምክራይ መኪና እያ።

    እዞም ጉጅለ ሰረቕቲ ሓጹር እቲ ትካል ሰይሮም፡ ንመዓጹ እቲ ትካል ክሳብ ዓንቀሩ ክኸፍትዎ ኣይተጸገሙን።

    ነተን መካይን ኣተሲኦም ኸኣ ካብቲ ቀጽሪ ክወጽኡ ጀሚሮም።

    እዞም ጉጅለ ሰረቕቲ ቀዳማይ እበረ መካይን ኣብቲ ዝሓሰብዎ ኣብጺሖም፡ ንካልኣይ እብረ ክውስዱ ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም፡ ኣብዚ እውን ኣይተጸገሙን፡ ኣይ ኩሉ ሰብ እንድዩ ኣብ ገገዝኡ ተሾጊጡ ዘሎ መን "መንኢኹም?" ክብሎም።

    ብጠቅላላ ኸኣ 97 መካይን እዚ ትካል ሰሪቖም፡ እወ፡ 97 መኻይን።

    ሩደንክላኡ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክራይ መካይን ጁሲ እዩ "ብሓቂ እቲ ስርቂ ኣምዑትካ ዝበትኽ እዩ። ክንኣምን ኣይከኣልናን። ሰብ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንሓድሕዱ ኣብ ዝተሓላለየሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ገታር ስርቂ ክሓስቡ እዝግሄር ሂብዎም" ክብል እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ትካል ምክራይ መካይን ጁሲ መካይን እቲ ትካልን ኣብ መላእ ኒውዚላንድ ፍሉጣት እዮም። መካይን ጁሲ ንበጻሕቲ ዓዲ ካብን ናብን ኣብ ምብጽጻሕ እየን ዝነጥፋ፡ ሕብረን ውጹእ ቀጥልያ ስለዝኾነ ኸኣ ካብ ማዕዶ እየን ዝልለያ።

    ነዘን መካይን ምስራቕ ከኣ፡ ዳርጋ ምስ ዕሽነት እዩ ዝቁጸር።

    ብድሕሪኡ'ኸ እንታይ ሰዓበ?

    ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ትረኽብዎ።Link

  13. ካብ ዱባይ ናብ ሃገራ ትምለስ ዝነበረት ናይጀርያዊት ኣብ ነፋሪት ሓሪሳ

    ናይጀርያ ዜጋታታ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ እትመልሰሉ ዝነበረት በረራ፡ ሓንቲ ናይጀርያዊት ኣብ ነፋሪት ሓሪሳ።

    እታ ከፋያት ኣሙሳን ዝተብሃለት ሰበይቲ፡ እታ ነፋሪት በረራ ድሕሪ ምጅማራ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ከም ዝሓረሰት፡ ኣደመንበር ኮምሽን ዳያስፖራ ናይጀርያወያን፡ ኣቢከ ዳቢሪ-ኤርዋ ሓቢራ።

    ድሕነት እታ ኣደን ህጻንን ንምውሓስ፡ እታ ነፋሪት ብህጹጽ ንዱባይ ተመሊሳ።

    ከፋያትን እታ ህጻንን ሕጂ፡ ኣብ ዱባይ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ክግለጽ ከሎ፡ ምስክር ወረቐት ልደት እታ ህጻንን ካልእ ናይ መገሻ ሰነዳትን ድልው ምስኮነ ናብ ናይጀርያ ክምለሱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

    እታ ሰበይቲ ሓንቲ ካብቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓጊቶም ዝጸንሑ’ሞ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘለው እያ።

    ብረቡዕ፡ ከባቢ 256 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙርታላ መሓመድ ሌጎስ ክበጽሑ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

    እቶም ተመለስቲ ዝውሸቡሉ ማእከላት ኣብ ከተማታት ሌጎስን ኣቡጃን ተዳልዩ ምህላው ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም።

    ከባቢ 400 ዝኾኑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ናይጀርያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድልየት ከም ዘለዎም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

  14. ብራዚል ልዑል ሞት ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ

    ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ኽቢ ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ብራዚል ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ልዑል ሞት ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።

    ትማሊ ጥራሕ 615 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ጠቕላላ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 8500 በፂሑ።

    ሚኒስትር ጥዕና ብራዚል፡ መንግስቲ በቲ ቫይረስ ኣብ ዝተጠቅዓ ከባብታት ስጉምቲ ገደብ ምንቅስቓስ ክወስድ ከምዝኽእል ገሊፁ።

    ፕረዝደንት ጀርቦልሶናሮ ግና፡ ሕሰም እቲ ለበዳ ብምንእኣስ ዜጋታት ወፅዮም ስርሖም ንክርሑ የተባብዕ ኣሎ።

  15. ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘካይዶ መጥቃዕቲ ቀጺልዎ

    ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ልዕሊ ዝፈፀመቶ፡ መጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝኾነ ገሊፁ።

    እቲ ለበዳ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ 9/11ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

    ትራምፕ ሕዚ እውን ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘካይዶ መጥቃዕቲ ቀጺልዎ ኣሎ።

    “ንካልኣይ ግዘ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክፍጠር ኣይግባእን፤ ካብ ምንጩ ክደርቕ ምተገብአ፤ ኣብ ቻይና ከብቅዕ ነይርዎ፤ ግና ኣይኮነን” ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ቻይና ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ቀዲማ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ሕዚ እውን ካብ ምውንጃል ዓዲ ኣይወዓለን።

    ቻይና ግና፡ ኣሜሪካ ኣብ ሃገራ ንዘሎ ለበዳ እቲ ቫይረስ ትህቦ ምላሽ፡ ትኹረት ንከይረክብ ትውንጀል ከምዘላ ብምግላፅ እያ ንክሲ ኣሜሪካ ነፂጋቶ።

    ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን እዩ ተረኺቡ።

    ካብቲ ግዘ ጀሚሩ ድማ 1,228,603 ሰባት በዚ ቫይረስዝተለኽፍዋ ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።

    ልዕሊ 73 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።

  16. ኢትዮጵያ ልዕሊ 26 ሽሕ ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ

    ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ ካብ ዝረጋገፅ ንነዘ፡ 26,517 ምርመራታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተኻየደ፡ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ቁፅሪ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ዛጊድ 162 በፂሑ ኣሎ።

    ኣርባዕተ ሰባት በዚ ቫይረስ እንትሞቱ፡ 93 ድማ ካብዚ ቫይረስ ከምዝሓወዩ ተገሊፁ።

  17. ጥዕና ይሃበልና ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ። ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ንምነ።

    ኣብ ዘለኹምዎ ቦታን ኩነታትን ኩሉ፤ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐታት ብምግባር ንርእስኹምን ፍቱዋትኩምን ካብ ኮሮናቫይረስ ምሕላው ኣይትረስዑ።

    ኣብ ጉዳይ እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ጀሚርና ኣለና፡ተኸታተሉና።