ኣብ ብሪጣንያ ጸለምቲ 'ብክልተ ዕጽፊ' ይሞቱ ኣለዉ
ኣብ ብሪጣንያ፡ ምስ ጸዓዱ ክነጻጸር እንከሎ፡ ጸለምቲ ብክልተ ዕጽፊ ከም ዝሞቱ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሓረሩ።
በዚ ምኽንያት ጸለምቲ ሰራሕተኛታት ‘ቅድመ-ግንባር’ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሪጣንያ ዝያዳ ሓደጋ ስለዘለዎም ፍሉይ መምርሒ ክገበረሎም ጻዊዒት ቀሪቡ።
ጻዓዱ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ‘ዘይተመጣጠነ” ሞት የጋጥሞም ከምዘሎ ጸሓፊ ጥዕና ማት ሃንኮክ ብወግዒ ገሊጹ’ሎ።
ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምጽራይ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ሰልፊ ዕዮ ብወገኑ፡ ናይ ባዕሉ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ።
ዋና-ኣካያዲ ሕክምናዊ ጉዳያት ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ፕሮፌሰር ክሪስ ዊቲ ከም ዝበሎ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጂ ተረኺቡ ጭብጢ ናብ መደምደምታ ዘብጽሕ እንተዘይኮነ፡ “ኣየኖት ጉጅለታት ዝያዳ ተጠቃዕቲ ከም ዝኾኑ ምፍላጥ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።