ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ይውርድ ኣሎ ክብል ገሊጹ

ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ምዕባለታት፣ ዝርገሐ ናይቲ ሕማም ንምግታእ ብዛዕባ ዝግበሩ ንጥፈታት፡ ከምኡ ድማ ንርእስኹም ካብቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእልኹም ማዕዳታት፡ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ከቕርበልኩም እዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ኣብዚ ወዲእና ኣለና፡ ስለዝተኸታተልኩምና ነመስግነኩም።

  2. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ዓለም

    ኣብ ጣልያን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 475 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    እቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዘጋጠመ ሞት: ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ናብ ኣስታት 3 ሽሕ ኣጸጊዕዎ'ሎ።

    ኣብ ጣልያን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 35,700 በዚ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 4,000 ሰባት ካብዚ ሕማም ሓውዮም ኣለዉ።

    ወድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡

    • ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 200,000 በጺሑ’ሎ።
    • በዚ ሕማም ብውሑዱ 8,000 ሰባት ሞይቶም ኣለው
    • ዝበዝሑ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ካብ ኤውሮጳን ኤሽን እዮም
    • ኣብ ኣፍሪቃ ሰባት ከይእከቡ ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ክዓቢ ከምዝኽእል ሓቢሩ
    ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, WHO

  3. ዓባይ ብሪጣንያ ኣብያተ-ትምህርቲ ክትዓጹ ወሲና

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክትዓጹ ወሲና።

    እቲ ስጉምቲ ንዝርጋሓ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ከም ዝተወስደ ተገሊጹ።

    ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዛጊት 104 ሰባት በቲ ሕማም ክሞቱ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ድማ 2626 በጺሑ’ሎ።

    ክሳብ ሕጂ 56,221 ሰባት ተመርሚሮም ኣለዉ። መንግስቲ ብሰንኪ ወጺኡ ዘሎ ናይ ምውሻብን ደረት ምንቅስቓሳትን መምርሒታት ንዝስዕብ ቁጠባዊ ሃስያ ንምምካት ኣማኢት ቢልዮናት መዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣከፋፈልቲ ሃለኽቲ ነገራት፡ ንዓማዊሎም ብመቑነን ክሸጡ ጀሚሮም ኣለዉ።

    ተምሃሮ ኣብ ክላስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  4. ኮሮናቫይረስ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ብመውቃዕቲ ተቐቲሉ

    ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ፡ ሓደ ሰብኣይ ኮሮናቫይረስ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ብዕስለ መንእሰያት ተቐጥቂጡ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ተገሊጹ።

    ናይቲ ከባቢ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዝሞተ ከምዘረጋገጸን፤ ምስ ሞት እቲ ሰብኣይ ተሓሓሒዙ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ከምዘየለ ገሊጹ።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክዋለ ዝተባህለ ዞባ ኬንያ እዩ ተፈጺሙ።

    እቲ ሰብኣይ ክዘናጋዕ ኣምስዩ ንገዝኡ እናኸደ እንከሎ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ።

    ኣብ ኬንያ፡ ክሳብ ሕጂ 7 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ ገሊጹ’ሎ።

    መብዛሕወትአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንዝርጋሓ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቍጽጻር፡ ኣብ መገሻ ወጻእተኛታት ጽኑዕ እገዳታት ኣንቢረን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርትን ላዕለዎት ትካለት ትምህርትን ተዓጺየን ኣለዋ።

    ኬንያ ፖሊስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ይውርድ ኣሎ ክብል ገሊጹ

    ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ኣንጻር ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግሊጺ ሓቢሩ።

    እቲ ኤምባሲ ድሕሪ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ የጋጥም ከምዘሎ ጥርዓን ከምዝበጽሖ ገሊጹ።

    ኣብ ልዕሊ ቻይናውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ምስቲ ለበዳ ተታሓሒዙ ዘናሹ ጸርፍታት ከምዝልዓል እውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    እዚ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ጸርፍን ዘለፋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ'ውን ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ወጻእተኛታት ብእምኒ ከምዝተጠቕዑ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ (ታክስን ራይድን ወዘተ) ከምዝተኸልከሉ፡ ጡፍ ከም ዝተብሃለሎምን ኮሮናቫይረስ ኣሎዎም ተባሂሎም ብሰብ ከምዝተሰጎጉን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

    እቲ ኤምባሲ፡ ወጻእተኛታት ብእግሮምን ብብሽክለታን ከይጓዓዙ፡ ኣብ መኪና ክኸዱ እንከለዉ ማዕጾን ምስኮትን ክዓጽዉ፡ ኣብ ጸልማት ዝበዝሖ ቦታታት ከይንቀሳቐሱን፡ ከምኡ'ውን ስግኣት ምስ ዝስምዖም ናብ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ወይ ዕብይ ዝበለ ሆቴል ክኸዱ ዝምዕድ ምኽሪታት ኣቕሪቡ’ሎ።

    ባንደራ ኣሜሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  6. ልዕሊ 849 ሚልዮን ቆልዑ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣቋሪጾም

    ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽየን ኣለዋ

    ልዕሊ 849 ሚልዮን ቆልዑ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ከም ዘለዉ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

    ትካል ባህልን ትምህርትን ናይቲ ውድብ፡ ዩኔስኮ ከም ዝሓበሮ፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ሃገራት ነቲ ለበዳ ንምግታእ ኣብያተትምህርትን ዩኒቨርሲታትን ምሉእ ብምሉእ ክዓጽዋ ተገዲደን ኣለዋ።

    ኣብ ቻይና ጥራይ ልዕሊ 233 ሚልዮን ተምሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ኣለዉ። ኣብ ፓኪስታን ድማ ኣስታት 44 ሚልዮን ተምሃሮ ተጸሊዮም ኣለው። ከም ብዓል ብሪጣንያ ዝበላ ገለ ሃገራት ድማ ነቲ ስጉምቲ ይሓስባሉ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።

  7. ሕብረት ኤውሮጳ ዶባቱ ዓጽዩ

    ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑ ተጓዓዝቲ ንዝመጽእ 30 መዓልታት ናብቲ ሕብረት ከኣትው ከምዘይክእሉ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    በዚ መሰረት፥

    • ሎሚ ንጉሆ ካብ ቱርኪ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርት ዝኣተወ ገያሻይ ከምዝምለስ ተገይሩ

    • ኣብ ፖላንድ፡ ኣብ ዶባት ብዘሎ ጽኑዕ ሓለዋ፡ ብዙሓት ሰባት ሪጋ ሒዞም ይጽበዩ ኣለው። መብዛሕትኦም ን24 ሰዓታት ክጽበዩ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

    • ቤልጅም፡ ዜጋታታ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዝተነግሮም ኣሎ። ናብ ባንኪ፣ ድኳናት፣ ንኣካለዊ ምንቅስቓስ ንምግባርን ግን ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ ተሓቢርዎም።

    • ኩባንያታት መፍረዪ መኪና ጀርመን ቮልስዋገን፣ ኦፔልን ዳምሌርን ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ተዓጽየን

    • ጥልያንን ፈረንሳን፡ ዜጋታተን ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዝኽልክል ስጉምቲታት ከም ዝወሰዳ ተፈሊጡ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይፍቓድ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ምስ ዝርከቡ፡ ፈረንሳ ክሳብ 375 ዩሮ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክትገብር እያ።

    ኣብ ዶብ ንጀርመንን ፖላንድን ተዓጊተን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መካይን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶብ ንጀርመንን ፖላንድን ተዓጊተን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መኻይን
  8. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚያዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ኢራን፡ ኣብ ቤት መእሰርቲ ዝርከቡ ኣሜሪካውያን ክትፈትሕ ትእምት ኣላ።

    ትማሊ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ፡ ኢራን ነቶም እሱራት “ሰብኣውነት ብምርኣይ” ክትፈትሖም ተማሕጺኑ ነይሩ።

    እቶም እሱራት ኣብ ዝተጨናነቐ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ንኮቪድ-19 ዝተቓልዑ’ዮም ኢሉ።

    ኣብ ዒራቕ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ሰዓት ሕላፍ ተዊጁ። ኣብታ ሃገር ትሸዓተ ሰባት በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ኣለው።

    ሰብ መዚ እስራኤል፡ 427 በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዘለው ገሊጾም። ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ መግብን ኣፋውስን ንምዕዳግ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዝኡ ከይጽእ ተኣዚዙ'ሎ።

  9. ሓድሽ ዜና, ኣብ ዓዲ ጥልያን ክልተ ኢትዮጵያውያን ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ

    ኣብ ኤውሮጳ ልዑል ብዝሒ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለዋ ሃገረ ኢጣልያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮጵያውያን፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ።

    እዞም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ኢጣልያ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሕክምና ዝጸንሑ ምዃኖም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጪታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም።

    እቶም ግዳያት፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኑ ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ከም ዝጸንሐ ተሓቢሩ።

    እታ ኻልኣይቲ መዋቲት ድማ፡ መዓስ ናብ ጥልያን ከይዳ ዝብል’ኳ እንተዘይተፈልጠ ቤተሰብ ንምርኣይ ናብ ዓዲ ጥልያን ብምኻድ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐት እያ ተባሂሉ።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, ANTONIO MASIELLO

  10. ብዝሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 116 በጺሑ

    ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት 116 ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጣ።

    እታ ሃገር፡ ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዶባታን ኣብኣተ ትምህርትን ዓጺያ ትርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦ ፈላማይ ሰብ ቅድሚ 15 መዓልቲ ዝተፈለጠ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ግዳያት ድማ ብፍጥነት ይውስኽ ኣሎ።

    መብዛሕትኦም እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ እዮም።

    ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም ካብተን ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት ድማ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይኣትዉ ተወሲኑ።

  11. ኣብያተ ፍርዲ ኢትዮጵያ ብኸፊል ክዕጸው’ዮም

    መዓዛ ኣሸናፊ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብያተ ፍርዲ ፌደራል ብኸፊል ከም ዝዕጸው ፕሬዝደንት ቤት ፍርዲ ፌደራል መኣዛ ኣሸናፊ ገሊጻ።

    እቶም ኣብያተ ፍርዲ ካብ 10 መጋቢት [ካብ ጽባሕ] ጀሚሩ ን14 መዓልታት ዝዕጸዉ ኮይኖም፡ ሓደሽቲ መዛግብቲ ኣይክኽፈቱን።

    ምስ ጸጥታን ድሕነት ሃገርን ዝተሓሓዙ ጉዳያት ጥራይ እናተመመዩ ብተረኛ መጋብኣያ ክርኣዩ’ዮም ኢላ።

    ቆጸራ ዝተውሃቦም ሰብ ጉዳይ ድማ፡ ጉዳዮም ድሕሪ 24 መጋቢት 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ከም ዝርኣይ ሓቢራ።

  12. ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መዓስከሮም ከይወጽኡ ተኣዚዞም

    ጀነራል ኣደም መሓመድ

    ምንጪ ስእሊ, Ethiopia News Agency

    ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄኔራል ኣደም መሐመድ፡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ንርእሶም ካብ ኮሮናቫይረስ ክሕልዉ ጸዊዑ።

    ነዚ ንምግባር ድማ፡ ወተሃደራት ንዘይተወሰነ እዋን ብዘይ ስራሕ ካብ መዓስከሮም ከይወጽኡ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

    ነቲ ሕማም ንምክልኻል፡ ኣብ ኩሉ መዓስከራት እኹል ቀረብ ማይ ክህሉ ጻዕሪ ክግበር ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

  13. ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ 15 መደብራት መድሓኒት ተዓሺጎም

    ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘግልግሉ ናይ ጽርየት ናውቲ "ዘይግቡእ ወሰክ ዋጋ ብምግባር” ይሸጡ ነይሮም ዝተብሃሉ 15 መደብራት መድሓኒት ተዓሺጎም።

    እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ 230 መደብራት መድሓኒት ሃንደበታዊ ቁጽጽር ድሕሪ ምክያድ ዝተወሰደ ምዃኑ ተገሊጹ።

  14. ኮሮናቫይረስ ዝተረኸባ ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ

    ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ንርእሳ ወሺባ ከም ዘላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

    ብምኽንያት እቲ ሕማም ንዝውሸቡ ሰባት ድማ፡ ጥዕነኦም ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ክህልዎም ብዛዕባ ዝግባእ ንጥፈታት ነዚ ዝስዕብ ማዕዳ ትህብ።

    "ክጽሕፍ ዝኽእል እንተኾይኑ ምጽሓፍ፣ ዝስእል እንተኾይኑ ምስኣል፣ ብመሳርሒ ሙዚቃ ዝተዳለው ሙዚቃታት ምድማጽ፣ ከም እምነትካ ድማ መዝሙራት ምስማዕ የድሊ" ኢላ።

    ብተወሳኺ ድማ "ብወገነይ፡ ንነብሰይ ኣብ ተነጽሎ ከም ዘላ ስምዒት ንከይፈጥረላ ከም ናይ ድምጺ መጽሓፍ ምስማዕ፣ ሙዚቃን መዝሙራትን ምድማጽ፣ ምስ ደቀይ ድማ ነዊሕ ዕላል ዋላ ይኹን ብቴሌፎን የዕልል ኣለኹ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

    ገጣሚት ሳባ ኪዳነ

    ምንጪ ስእሊ, SABA KIDANE

  15. ኣብ ኦሮሚያ ዝተዓጸወ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክኽፈት ሕቶ ቀሪቡ

    ካርታ ኦሮሚያ

    ነበርቲ መታን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ክረኽቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮሚያ ዓጽዩዎ ንዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክኽፈት ማሕበር ሓካይም ኦሮሚያ ሓቲቱ።

    እቲ ማሕበር ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ሰባት ሓበሬታ ምርካቦም በቲ ሕማም ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ከምዝሕግዝ ይጠቅስ።

    ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ዶ/ር ጂልቻ ዲሪቢ "ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት የለን። በዚ ምኽንያት ድማ፡ እዋናውን ኣድላዪን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ኣይከኣለን" ኢሉ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ምዕራብ ሸዋ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ዞባታት ወለጋን ኣገልግሎት ሞባይል ኢንተርኔት የለን።

  16. ‘ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ እንተተራእዩና ናብ ማእከል ሕክምና ኣብ ክንዲ ምኻድ ቴሌፎን ንደውል’

    ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፡ ዶክተር ኣበኔዘር እጸድንግል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሰባት ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ እንተተራእዩዎም፡ ወይከኣ እቲ ሕማም ምስዝተረኸቦ ሰብ ምትንኻፍ እንተነይሩዎም ናብቲ ኩልሻብ ዝግልገልሉ ማእከላት ሕክምና ክኸዱ ከምዘይብሎም ይምዕድ።

    ኣብ ክንድኡ፡ ንኮሮናቫይረስ ናብ ዝተዳለወ ቁጽሪ ቴሌፎን ክድውሉ ከምዝግባእ ይገልጽ።

    ኣብ ትግራይ፡ ኣገልግሎት ንምርካብ ብ 6244 ብናጻ ምድዋል ከምዝከኣል እውን ዶክተር ኣበኔዘር ኣብሪሁ።

  17. ኣብ ኣሜሪካ ስነስርዓት ቀብሪ ብቐጥታ ፈነወ ክፍጸም’ዩ

    ዕምበባ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኣሜሪካ፡ ስግኣት ለበዳ ዓለም ዝኾነ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ኤጀንሲ ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓዘንተኛታት ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝሞተ መቕርቦም ብቀጥታ ፈነወ ክካፈሉ ጸዊዑ።

    ስነ ስርዓት ቀብርታት ውሑዳት ሰባት ብኣካል ዝርከቡሎም፡ ነቲ ዝተረፈ በጻሒ ግን ብቀጥታ ፈነወ ክመሓላለፈሉ ይግባእ ኢሎም ስነስርዓት ቀብሪ ዘዋድዱ ሰብሞያ።

    እዚ ድማ፡ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝጥቅዑ ሰባት ንምግታእን ምትንኻፋት ንምውጋድን ከም ዝኾነ ድማ ገሊጾም።

    ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ፡ ቅድም ኢሉ ምትእኽኻብ ሰባት ካብ 50 ክበዝሕ የብሉን ኢሉ ነይሩ።

    ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ሰባት ካብ 10 ንላዕሊ ክእከቡ ከም ዘይብሎም ገሊጹ።

    ኣየርላንድ ሓዘንተኛታት ንዝሞተ መቕርቦም ክስዕሙ ከም ዘይብሎም ክተጠንቅቕ ከላ፡ ጥልያን ድማ ተኣኪብኻ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ጠቕሊላ ከልኪላ።

  18. , ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ካብ ዝሕግዙ ሜላታት ሓደ ኣእዳውካ ብሳሙና ሙልጭ ኣቢልካ ምሕጻብ ከምዝኾነ ሓካይም ይምዕዱ።

  19. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝዓበየ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ መዝጊባ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ መዓልቲ 23 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ።

    እዚ፡ እታ ሃገር ፈላማይ ግዳይ እቲ ቫይረስ ካብ ዝረኸበትሉ ግዘ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ተሓቢሩ።

    ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ’ዮም።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝዓበየ ቑጽሪ ግዳያት ዘለውዋ ኮይና፡ ብዝሖም 85 በጺሑ ኣሎ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ምርካባ ዘፍለጠት ብ 8 መጋቢት ኮይኑ፡ ካብ ጥልያን ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ሰብኣይ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  20. ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ንሓደ ዓመት ተናዊሑ

    ምምሕዳር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ እቲ ካብ 12 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ 2020 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ጸወታታት ናብ ዝቕጽል ዓመት ከም ዝተሰጋገረ ሓቢሩ።

    በዚ መሰረት፡ እቶም ጸወታታት ካብ 11 ሰነ ክብ 11 ሓምለ 2021 ንክካየዱ ተወሲኑ። እንተኾነ እዚ ጸወታ ኢንግሊዝ ምስ እተአንግዶ ሸውዓተ ሓምለ ምስ ዝጅምር ቻምፒዮና ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ክጋጮ ይኽእል’ዩ።

    ከምኡ’ውን ግጥማት ብሄራዊ ሊጋትን ቻምፒዮና ኤውሮጳ ትሕቲ 21 ዓመትን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝካየዱ ግጥማት’ዮም።

    ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ፡ ሰለስቲኦም ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዝካየድሉ ግዘ “ዳግም መደብ ክወጽኣሎም ክግበር እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን እንታይ ዓይነት ለውጢ ክገብር ከም ዝኽእል ዝፍለጥ ነገር የለን ኢሉ። ንጥዕና ደገፍቲ፣ ሰራሕተኛታትን ተጻወትን ኢና ቐዳምነት ንህብ። እቶም ዝካየዱ ጸወታታት ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ንክካየዱ ዘኽእል መማረጺታት ድማ ኣዳሊና ኣለና” ኢሉ።

    ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤውሮጳ ጥራይ ኣስታት 400 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

    እዚ ጸወታ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ዘይካየድ እንተኾይኑ፡ ዕጫ እዞም ሰራሕተኛታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይተፈልጠን።

    ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ዓበይቲ ሊጋት ኤውሮጳ፡

    • ፕሪሚየር ሊግ፡ ኩሎም ገጥማት ክሳብ 4 ሚያዚያ ኣይክካየዱን

    • ላሊጋ፡ ዓበይቲ በረራታት ስፔን ክሳብ 4 ሚያዚያ ተኣጊዶም እዮም

    • ሴሪኣ፡ ጥልያን ካብ ኤውሮጳ እታ ብብዝሒ ዝተሃሰየት ሃገር ኮይና ኩሉ ህዝባ ተወሺቡ ይርከብ

    • ቦንደስሊጋ፡ ኣብ ጀርመን ግጥማት ቦንደስሊጋ ክሳብ 2 ሚያዚያ ተኣጊዶም

    • ሊግ ሓደ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝካየዱ ጸወታታት ክሳብ ቐጻሊ ሓበሬታ ዝወሃብ ኣይክካየዱን