እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ፕረዚደንት ኣልበሸር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

ወተሃደራዊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም ዘፍለጦ፡ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ቆይሙ'ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ስለዝተኸታተልኩምና ነመስግን ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ፈነወና በዚ ዛዚምና ኣሎና።

  2. ጀነራል ኢብን ኣውፍ ብዛዕባ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን እንታይ ኢሉ?

    ሚኒስተር ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ብን ኣውፍ ምእላይ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ኣብ ዝገለጸሉ: ነዞም ዝስዕቡ ተስፋታት’ውን ተመባጺዑ።

    · ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ድሕሪ ክልተ ዓመት ስልጣን ከረክብ ኢዩ

    · ዕጡቓት ጉጅለታት ንፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ክጽንበሩ ጸዊዑ

    · ምምስራት ሓድሽ ቅዋም ክንደፍ ምዃኑ ገሊጹ

    “ኣብ ኩሉ ክፋላት ሱዳን ቶኽሲ ደው ከም ዝብልን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ከም ዝፍትሑን ነፍልጥ።''

    “ንሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን፡ ንምቋም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ኣብ መወዳእታ ናይ መሰጋገሪ እዋን ፍትሓውን ነጻን መረጫ ንምክያድ ዝምችእ ሃዋህው ክንፈጥር ኢና።''

  3. ጀነራል ኣውድ መሓመድ ኣሕመድ ቢን ኣውፍ መን ኢዩ

    · ምክትል ፕረዚደንትን ምኒስተር ምክልኻልን ነይሩ

    · ወዲ 65 ዓመት ኮይኑ ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ኮይኑ ኣገልጊሉ

    · ንሱ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሰራዊት ሱዳን ዝሓሸ ዕጥቂ ከምዝሕዝ ገይሩ

    · ከም ሓላፊ ወደሃደራዊ ስለያ ኮይኑ ሰሪሑ

    · ኣብቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ዓለታዊ ህልቂት ኢድ ነይርዎ ተባሂሉ ብኣሜሪካ እገዳ ተነቢሩሉ ነይሩ

    · ኣብ 2005 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ንኩነታት ዳርፉር ኣብ ምጉህሃር ኢድ ነይረዎ ካብ ዝተባህሉ ሓደ ኢዩ። ካብ 2007 ጀሚሩ ከኣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ማሉ እገዳ ገይራትሉ።

  4. ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ንመግለጺ ሰራዊት ነጺግዎ

    እቲ ነቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝካየድ ናዕቢ ብቐንዱ ዝመርሕ ዝነበረ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ንውሳነ ሚኒስተር ሚክልኻል ከም ዘይቅበሎ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    እቲ ማሕበር ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝገብርዎ ተቓውሞ ክቕጽሉ ድማ ጸዊዑ።

  5. ወሃብቲ ርእይቶ ነቲ ውሳነ ተቓዊሞም

    ነቲ ብሚኒስትር ምክልኻል ኣሕመድ ኢብን ኣውፍ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፉ ወሃብቲ ርእይቶ ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዝርእይዎ ገሊጾም።

    እቲ ዝተወሃበ መግለጺ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን እኳ እንተኣለየ ሰራዊት ነታ ሃገር ክቆጻጸር ዝገብር ብምዃኑ ንሕቶ ሰልፈኛታት ዝምልስ ከም ዘይኮነ ይገልጹ።

  6. ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ መንግስቲ ቆይሙ

    ወተሃደራዊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም ዘፍለጦ፡ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ቆይሙ'ሎ።

    እቲ ናይ ስግግር መንግስቲ ብሚንስትር ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ኣሕመድ ኣወድቢን ኣውፍ ክምራሕ'ዩ።

    ኣልበሽር ኣብ ውሑስ ቦታ ተኣሲሩ ከም ዝፀንሕ'ውን ተገሊፁ።

    ናይ 2005 ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ተሰሪዙ'ሎ።

    ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ህፁፅ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ተኣዊጁ።

    ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ትእዛዝ ተዋሂቡ

    ክሊ ኣየር ን 24 ሰዓታት ክዕጾ እዩ

    ካብ ሰዓት 10 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 4 ወጋሕታ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ

    ኩሉ ሰብ ነናብ ስርሑ ክምለስ፡ ንቡር ኩነታት ድማ ክጅመር ፀዊዑ።

  7. ሓድሽ ዜና, መራሒ ሱዳን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ

    ሰራዊት ሱዳን ንኣልበሽር ኣብ ውሑስ ቦታ ከም ዝቕይድ ኣፍሊጡ።

    ስርዓት ኣልበሽር ንህዝቢ ክሕስውን ዘይጭበጥ ተስፋታት ክህቦ ምፅንሑን ገሊፁ

  8. ሱዳናውያን ብሃንቅውታ ይፅበዩ

    ሓደ ተሳታፊ ሰልፊ ተቓውሞ ሱዳን፡ ካብ ከባቢ ዋና ቤት ፅሐፈት ሚንትሪ ምክልኻል ኮይኑ፡ ንጋዜጠኛ ቻርሎቴ ኣትዉድ "ሕጂ ሓያል ወጥሪ'ዩ ዘሎ፤ ዜጋታት ብሬድዮ ንዝወሃብ መግለፂ እናተፀበዩ እዮም" ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ።

    እቶም ተቓወምቲ፡ ሰራዊት መንግስቲ ንዝህቦ መግለፂ ብሃንውቅታ ኣብ ምፅባይ ይርከቡ። ሃገራዊ ሬድዮ ግን ወተሃደራዊ ሙዚቃ ጥራሕ የቕርብ ኣሎ።

    ሰራዊት ሱዳን ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለዮ ግምታት ይወፅኡ ኣለዉ።

  9. ተቓውሞ ሱዳናውያን ብስእሊ

    ኣብ ተቓወምትን ሰራዊት ሱዳንን ዘሎ ርክብ፡ ንዕጫ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ክውስን ከም ዝኽእል ይግለፅ።

    ካብ ከተማ ካርቱም ዝተረኸቡ ስእልታት፡ ነቲ ኣብ ሞንጎአም ዘሎ ርክብ ወይ ዝምድና የገንዝቡ።

    እዞም ስእልታት ተቓወምትን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ብሓባር ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል የርእዩ።

  10. ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝግበር ተቓውሞ ጎሊሓ እትርኣ ጓል ኣንስተይቲ መን ኢያ?

    ሱዳናውያን ብሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳቶም ካብ ዝጅምሩ መዓልትታት ክቑጸሩ እንከለው፡ መፈጸምትኡ ንምርኣይ ኣብ ምጽብባይ ይርከቡ። ኣብዚ ምንቅስቓስ ጎሊሓ እትርአ ጓል ኣንስተይቲ መን እያ?

  11. ሰልፈኛታት ክሃድኡ ጻውዒት ቀሪቡ

    ካብ ሰራዊት መግለጺ ክወሃብ ዝጽበይ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዋኒናት መንግስትን ውልቅን፡ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከይገብር፡ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ተማሕጺኑ።

    “ህዝብና ርእሱ ክገትእን ንዝኾነ ሰብ ወይውን ንብረት መንግስትን ብሕትን ጉድኣት ከየውርድ፡ ንጽውዕ ኣሎና” ይብል እቲ ብምትሕብባር ንደሞክራስን ለውጥን ዝተዘርግሐ መጸዋዕታ

    “እዚ ክገብር ዝተረኽበ ሰብ ብሕጊ ክሕተት እዩ። ቃልስና ሰላማዊ፡ ሰላማዊ፡ ሰላማዊ እዩ” ክብል’ውን ወሲኹ ኣሎ።

  12. ብትዊተር ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት

    ኣብ ካርቱም ይስማዕ ንዘሎ ድምጺ ጠያይቲ ሰልፈኛታት ዘርእይዎ ዘለው ግብረመልሲ ዘንጸባርቕ ብጋዜጠኛቢቢሲኣፍሪካኣይ፡ዝተላእከለና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡

    ጋዜጠኛቢቢሲኣፍሪካኣይ፡ተክኖሎጂ 'ጂኦመኣዝን' ተጠቒሙእዚ ቪድዮታት ካብ ካርቱም ይዝርጋሕ ምህላው ኣረጋጊጹ ኣሎ።

  13. ርእይቶታት ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን

    ሰልፈኛታት ናብ ዖምዱርማን ማለት ቤተመንግስቲ ካርቱም ናብ ዝርከበሉ ከባቢ ይጉዓዙ ኣለው። ምንቅስቓሳቶም ድሩት ከም ዘሎ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተቐማጢ ካርቱም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንሱ ወሲኹ ንስደተኛታት ብፍሉይ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዘየለ ገሊጹ።

    ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተቐማጢ ካርቱም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣደባባያት ብምውጻእ ሓጎሱ ይገልጽ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ንሱ ከም ዝብሎ ኣብዚ እዋን ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ወጽዩ ኣብ ኣደባባያት ብመካይን ጥሩምባ እናነፍሑ፡ መብራህቲ ወሊዖም ሓጎሶም እናገለጹ ነቲ መግለጺ ይጸባበዩ ኣለው።

    ሚኒስተር ምክልኻልን ምክትል ፕረዚደንትን ነቲ ስልጣን ክርከብ ምዃኑ ትጽቢት እኳ እንተሎ፡ እቲ ህዝቢ ንዕኡ'ውን ስለዘይመርፆ'ዩ ምይይጥ ዝካየድ ዘሎ ድሕሪ ምባል፡ ምይይጥ ምስተወደአ መግለፂ ክወሃብ ምዃኑን ነዚ ይፅበዩ ከም ዘለዉን ሓቢሩና።

    ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ሎሚ ንሰልፊ ክወጹ ምዃኖም ዝገልጽ ሓበሬታ ብምንባሩ ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ። ግና ስል ዝተሰረዘ፡ ፍጹም ሰላማዊ ኮይኑ ምህላው ሓቢሩ።

    "ሰራሓት ዘይተኣጓጎለሉ፡ ሰባት ዘይተጎድኡሉ፡ ብመንግስቲ’ውን ጥንቃቐ ዝተገብረሉ ኢዩ” ብምባል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

  14. ግደ ሰራዊት ኣብ ታሪኽ ሱዳን

    ሱዳን ኣብ 1956 ከም አቆጻጽራ ኣውሮፓ፡ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ካብ እትወጽእ ጀሚሩ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካ ዓብይ እጃም ክጻወት ጸኒሑ።

    ብርግጽ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ዝምልስ መሲሉ ክብለጸሉ ጸኒሑ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።

    ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ነጻነት፡ ኣብ 1958 ኢታማጆር ሹም ኢብራሂም ኣብዱል ህዱእ ዕልዋ መንግስቲ ተጠቒሙ ስልጣን ተቖጻጺሩ።

    እዚ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደሓር ኣብ 1964 ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣኑ እንተተኣለየ'ኳ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ተመሊሱ ስልጣን ተቖጻጺሩ።

    ካብኡ ድማ ተደጋጋሚ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ከፍሽል ክኢሉ።

    ይኹን'ምበር ኣልደሃብ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ኣብ መረጻ ንዝስዓረ ኣል-ሳዲቅ ኣልማህዲ ኣረኪቡ።

    ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፤ ኣብ ሰነ 1989፡ ብብርጌድየር ኦማር ኣልበሺር ዝምራሕ ጉጅለ እስላማዊ ወተሃደራዊ መኮንናት ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ዘይተረጋገዐ ዝነበረ መንግስቲ ኣልማህዲ ካብ ስልጣን ኣልዩ ተቖጻጺሩ።

    ካብዚ ንደሓር ኣልበሺር ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።

  15. ተቓውሞ ሱዳናውያን ኣብ ከተማ ካርቱም

    ዓሰርተታት ኣሽሓት ሱዳናውያን፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ተቓውሞ ንኸስምዑ ይወፅኡ ኣለዉ።

    እቶም ተቓወምቲ ነቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝወሃብ መግለፂ ይፅበዩ ኣለዉ።

  16. ካብቲ ከባቢ ዝፍነዉ ዘለዉ ቪድዮታት

    ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣይ፡ ተክኖሎጂ 'ጂኦ መኣዝን' ተጠቒሙ ኣብ ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘንጸባርቕ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ፈልዩ ልኢኹልና ኣሎ። እቲ ቪድዮታት ንዕብየትን ሃዋሁው እቲ ተቓውሞታት ዘንጸባርቕ ኢዩ።

  17. ወትሃደራት ንቤትጽሕፈት ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ከም ዝተቖጻጸሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም

    ገለ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀንዲ ኣካል ናይ ገዛኢ ሰለፊ ሱዳን ዝኾነ ጉጅለ እስላማዊ ምንቅስቓስ ከም ዝወረሩ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ሮይተርስን ተዛሪቦም።

    እቲ ጉጅለ፡ ምስቲ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ዝምድና ከም ዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።

  18. ኣብ ሱዳን "እሱራት ይፍትሑ ኣለዉ"

    ሱዳናዊት ጋዜጠኛ ሪም ኣባስ ኣብ ትዊተራ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ እሱራት እናተፈትሑ እዮም።

    ክሳብ ሕዚ ነዚ ምርግጋፅ'ኳ እንተዘይተኸኣለ፡ ኣብ ሱዳን በዚ ዕለት'ዚ ዓብዪ ለውጢ ይግበር ከም ዘሎ ምፍላጥ ይከኣል።

  19. ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሓ ዶብ ሱደን-ኤርትራ ኣብ ጥሪ 31 2019 ክኽፈት ኣዚዙ

    ሱዳን ነቲ ዶብ ምዝውዋር ኣጽዋርን ሰባትን ደው ንምባል ብዝብል ኣብ ከሰላን ሰሜናዊ ኩርዱፋን አዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ጥሪ 2018 ድሕሪ ምእዋጃ ምዕጻዋ ይፍለጥ።

    “ሎሚ ካብ ከተማ ከሰላ ኮይነ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶብና ንኸፍቶ ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። ምክንያቱ ኣሓትናን ኣሕዋትና እዮም። ፖለቲካ ድማ ኣይክከፋፍለናን’ዩ” ክብል ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ደገፍቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

  20. "እቲ ስርዓት ተኣልዩ" ሱዳናውያን

    ብኣሽዓት ዝግመቱ ነበርቲ ካርቶም "እቲ ስርዓት ወዲቑ" እናበሉ ናብ ወተሃደራዊ ኣብያተ ዕዮ ይውሕዙ ምህላዎም ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።

    ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ንዝወሃብ መግለፂ ይፅበዩ ዘለዉ ኮይኖም፤ እቲ ሰራዊት መግለፂ ከም ዝህብ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣፍሊጡ'ዩ።

    "ነቲ ዓብዪ ዜና ንፅበ ኢና ዘለና" ክብል ሓደ ካብ ሰልፈኛታት ነቲ ወኪል ዜና ተዛሪቡ