እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ተረኺቡ

እታ ናብ ናይሮቢ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሰንበት ንጉሆ፡ 149 ተጉዓዝቲ ከምኡ ድማ 8 ሰራሕተኛታት እያ ጽዒና ነይራ። እታ ነፋሪት ምስተላዕለት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ርክብ ከምዝተቛረጸን፤ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ከምዝተሓምሸሸትን ተገሊጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብዛዕባ ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁ.በረራ 302 ከነቕርበልኩም ዝወዓልና ቀጻሊ ምዕባለታት ናይዚ ዕለት ኣብዚ ወዲእና ኣለና።

    ጽባሕ ንዝቕጽል ምዕባለታት እንናተኸታተልና ብመርበብ ሓበሬታና፡ ፈይስቡክን ሬድዮን ጸብጻባትና ከነቐርበልኩም ኢና።

    ንምክትታልኩም ነመስግን።

  2. ስእላዊ መግለጺ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ቦታ ሓደጋ

  3. ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንግዳያት ሓደጋ ይዝክሩ

    ኣባላት ቢቢሲ፡ ኣገልግሎታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ን157 ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁ. በረራ 302 ኣብ ናይሮቢ ዘኪሮም።

    እቶም ጋዜጠኛታት፡ ሽምዓ ብምብራህን ዕምበባታት ብምንባርን ሓዘኖም ገሊጾም።

  4. ኣመሪካውያን መርመርቲ ሓደጋ ኣየር ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ'ዮም

    ብውሕዱ 6 ኣባላት ዘለውዎ ሓደ ኣመሪካዊ ጉጅለ ኪኢላታት ኣብ ምምርማር ጠንቂ ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ክኣቱ ምዃኑ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነር ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ደገፈን ንምሃብ ዝገለጻ ሃገራት ዘለዎ ምስጋና ትማሊ ምሸት ምግላጹ ይዝከር።

    ድሮ እስራኤል ክልተ ጉጅለታት ሂወት ኣድሕን ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዳ ኣላ።

  5. ማሕበር 'ፓይሎታት' ኢትዮጵያ፡ ንብጾቶም ይዝክሩ

    ማሕበር ኣብረርቲ (ፓይሎታት) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ብጾቶም ዝኽሪ የካይድ ኣለዉ።

    በቲ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ዮም ህይወቶም ስኢኖም።

  6. ሓድሽ ዜና, መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ተረኺቡ

    መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ተረኺቡ።

    እቲ ዝተረኸበ መኽዘን ሓበሬታ፡ ኣብ 'ጋቢና' ናይታ ነፋሪት ዝቕመጥ መቕድሒ ድምጺ ከምኡ ድማ ኩነታት እቲ በረራ ዝገልጽ ዲጂታላዊ መኽዝን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

    ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ኳዕቲ ኣለሻ መረዳእታን ሬሳታትን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ሞተርን ጎማታትን ናይታ ነፋሪት ቅድም ክብል ተረኺቡ እዩ።

    ኣብቲ ኳዕቲ ዝሳተፍ ዘለዉ፡ ሰብሞያ 'ፎረንሲክ' ምርመራን ወለንታውያንን እዮም።

    ካብ ኣካላት እታ ነፋሪትን ሬሳታትን ብተወሳኺ፤ ክዳውንቲን ዝዓነዉ ንብረታትን'ውን ከውጽኡ ተራእዮም።

  7. ግዳያት 'ክሳተፍሉ ኣብ ዝነበሩ' ኣኼባ ተዘኪሮም

    ገለ ካብቶም ትማሊ ብሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ዝሞቱ፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ንምስታፍ ዝጓዓዙ እዮም ነይሮም።

    እቲ ኣኼባ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዘድሃበ እዩ።

    ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፤ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ግዳያት ዘኪሮም።

  8. ሞተርን ጎማን ናይታ ነፋሪት ተረኺቡ

    ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ሎሚ ብሰለስተ ኳዓትቲ (ኤክስካቫተራት) ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።

    ዛጊድ ብዝተገበረ ኳዕቲ፡ ሞተርን ጎማን ናይታ ነፋሪት ተረኺቡ'ሎ።

    ኣብቲ ኣለሻ፡ ጉጅለ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ ወለንታውያን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ይሳተፉ ኣለዉ።

  9. ድሕሪ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ቦይንግ ኣብ ሕቶ ኣትዩ’ሎ

    ኣመሪካዊ ኩባንያ ቦይንግ፡ ነፋሪት ኢትዮጵያ ተሓምሺሻ 157 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ፡ ሕቶታት ክለዓሎ ጀሚሩ።

    ‘737 Max 8’ እትበሃል ስርሓት ነፋሪት ቦይንግ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዘ እያ ትሕምሸሽ ዘላ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ቻይናን ኢትዮጵያን፡ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን ነፈርቲ በረራ ደው ከብላ ገይረን ኣለዋ።

    ኮይኑ ግና፡ መንቀሊ እዚ ሓደጋ ንምድምዳም እዋኑ ገና ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

    እቲ ዝካየድ ምርመራ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝመርሕዎ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ሰብ ሞያ ቦይንግ ከምኡ ድማ ምስ ቦርድ ውሕስነት መጓዓዝያታት ኣመሪካ ብምትሕብባር እዮም ከካይዱዎ።

    ፈላማይ ተግባር እቶም መርመርቲ፡ ኣብ ‘ጋቢና’ እታ ነፋሪት ዝርከቡ ክልተ መቕድሒታት ድምጺ ምርካብ እዩ።

    እተን መቕድሒ ድምጺ፡ እታ ሓንቲ ሓበሬታ እትኽዝን እታ ሓንቲ ድማ ድምጺ ናይቶም ኣብረርቲ እትቐድሕ እያ።

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሰኑይ ንጉሆ ከምዝገለጾ፡ ኩለን ‘ቦይንግ 737 MAX 8’ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ቀጻሊ ምርመራ ክሳብ ዝግበር ካብ ኣገልግሎት ከምዝኣለየን ገሊጹ’ሎ።

    ‘’ዋላ’ኳ መንቀሊ እቲ ሓደጋ እንተዘይተፈልጠ፡ ንጥንቃቐ ክበሃል እተን ነፈርቲ ደው ክብላ ተገይሩ ኣሎ’’ ይብል እቲ ሓበሬታ።

    ቻይና’ውን ተመሳሰልቲ ስርሓት ዘለወን ነፈርቲ ኣገልግሎት ከይህባ ኣጊዳ ኣላ።

    ኣብ መገዲታት ኣየር ቻይና፡ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን ልዕሊ 90 ነፈርቲ ከምዘለዋ ይግለጽ።

    መገዲ ኣየር ካይማን እውን፡ ክልተ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን ቦይንግ ነፈርቱ ከይበራ ኣጊዱ ኣሎ።

    ብዙሓት መገድታት ኣየር ሰሜን ኣመሪካ፡ ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ይውንና።

    መገዲ ኣየር ሳውዝ ዌስት፤ 31 ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን ነፈርቲ ይውንን፤ መገድታት ኣየር ኣመሪካን ካናዳን ድማ ሕድሕዶም 24 ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ይውንኑ።

  10. እስራኤል ክልተ ጉጅለ ኣለሻ ሬሳታት ልኢኻ

    ክልተ ናይ እስራኤል ወለንታውያን ጉጅለ፡ ሬሳ ዜጋታቶም ክእልሹን ከለልዩን፡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

    እቶም ጉጅለ ኣለሻ፡ 'ዛካ' ካብ ዝበሃል ወለንታዊ ትካል ዝመጽኡ'ዮም።

  11. ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንግዳያት ዘኪሮም

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በዚ ሓደጋ ንዝሞቱ መሳርሕቶም ዘኪሮም።

    "ቤተሰብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ በቲ ሓደጋ ኣዚና ኢና ሓዚንና። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት በዚ ሓደጋ ሞይቶምና እዮም" ኢሉ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ (ኢሲኤ)።

    መብዛሕተኦም "ሞያዊ ግቡኦም እናፈጸሙ እንከለዉ እዮም ህይወቶም ስኢኖም" ድማ ኢሉ እቲ ትካል።

  12. ፍሉይነት 'ቦይንግ 737 Max-8' ነፋሪት እንታይ እዩ?

    ምስ ቀዳሞት ስርሓት ኣነጻጺርካ፡ ሞተረ ናይ`ዛ ነፋሪት ቁሩብ ንቕድሚት ውጥም ዝበለ`ዩ፤ ምስ ክንፋ ኣነጻጺርካ ድማ ብርኽ ዝበለ`ዩ።

    "እዚ ድማ ንሚዛን ናይ ምሕላው ዓቕማ ይጸልዎ`ዩ" ይብል ኣብ ጃካርታ ዝመደበሩ ተንታኒ ስነ-በረራ [ኣቬሽን] ጌሪ ሶየትማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

    ተወሳኺ ንምርካብ፡ ነዚ ብዛዕባ ቦይንግ 737 Max-8 እንታይ ትፈልጡ?ዝብል ዛንታ ኣንብቡ።

  13. ሓድሽ ዜና, መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 Max-8' ምጥቃም ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ

    ድሕሪ እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 'ቦይንግ 737 Max-8' ነፈርቲ ምጥቃም ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።

    ዋላኳ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንተኾነ፡ ንዘይተወሰነ እዋን፡ ንውሕስነት ክበሃል ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 Max-8' ንዘይምጥቃም ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

    እቲ ውሳነ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾነ'ውን እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተመሳሳሊ ስርሓት ዘለወን 5 ነፈርቲ ከምዘለውኦ ትማሊ ገሊጹ እዩ።

    ትማሊ ሰንበት፡ ቦይንግ 737-8 Max ስርሓት ዝኾነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስተሓምሸሸት፡ ሕቶታት ክለዓል ጀሚሩ’ሎ።

    ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ዋንነታ ናይ ‘ላየን ኤር’ ዝኾነት ቦይንግ 737-8 Max ነፋሪት፡ ካብ ኢንዶኒዥያ ጃካርታ ምስተላዕለት ብተመሳሳሊ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ምሕምሻሻ ይዝከር።

  14. ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ

    ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሰንበት ንጉሆ 157 ሰባት ጽዒና ድሕሪ ምሕምሻሻ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ተኣዊጁ።

    ሎሚ ሰኑይ 2 መጋቢት (11 መጋቢት) መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክውዕል ዝኣወጀ፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ።

    ስለዝኾነ ድማ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር፣ ኣብ መራኽብ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣብ ኤምባሲታታን ቤት ጽሕፈት ቆንስላታታን ትሕት ኢላ ክትንብልበል እያ።

  15. ደሓንዶ ሓዲርኩም?

    ብዛዕባ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ሓደሽቲ ሓበሬታታትን ምዕባለታትን ብቐጥታ ኣብዚ ገጽ ክነቕርበልኩም ኢና።

    ተኸታተሉና!

  16. ቢቢሲ ትግርኛ ንስድራ ግዳያት 'ጽንዓት ይሃብኩም' ይብል

    ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ሎሚ ክነቕርበልኩም ዝወዓልና ጸብጻብ ኣብዚ የብቅዕ።

    ሙሉእ ጸብጻብ፡ ንታሕቲ እናወረድኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

  17. ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ሓዘኑ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።

    ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ በዚ ሓደጋ ከይተሰኮኑ ክሰርሑ ምዒዱ።

  18. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሓደጋ ዘጻርይ ኮሚቴ ኣጣይሱ

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ በዓል መዚ ትራንስፖርት ብምዃን፡ መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ዝምርምር ኮሚቴ ከምዘጣየሰ ገሊጹ።

    ኣብቲ ምጽራይ፡ ኩሎም 'መዳርግቲ ኣካላት ከምዝሳተፉን፤ ነታ ነፋሪት ዘፍረየ ትካል ቦይንግ'ውን ኣካል ኣብቲ ምጽራይ ከምዝሳተፍን ተገሊጹ።

  19. ፈረንሳይን እስራኤልን ሓዘነን ገሊጸን

    ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳይ ኢማንዌል ማክሮን በቲ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሃገሩ "ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣላ" ኢሉ።

    ኣብቲ ሓደጋ፡ ሸሞንተ ዜጋታት ፈረንሳይ ሞይቶም'ዮም።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብወገኑ፤ ንቤተሰብ ግዳያት ናይ 'ጽንዓት ይሃብኩም' መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።

    በቲ ሓደጋ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ፡ ክልተ ዜጋታት እስራኤል ይርከብዎም።

    ፕረዚደንት ጋና እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ሓዘን ኣሕሊፉ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ድማ መግለጺ ሓዘን ኣውጺኡ'ሎ። ሓደ ዜጋ እታ ሃገር በቲ ሓደጋ ከምዝሞተ'ውን ገሊጹ።

    ኤምባሲ ሃገራት እንግሊዝን ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንግዳያት ዜጋታቶም ብዝምልከት ምስ ሰብ መዚን መገዲ ኣየርን ኢትዮጵያ ብቐረባ ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

    ፕረዚደንት ዚምባብዌ፡ ኢመርሰን ምናንጋግዋ'ውን ብተመሳሳሊ ሓዘኑ ገሊጹ።

  20. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንቤተሰብ ግዳያት መርድእ ነጊሩ

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንቤተሰብ ኢትዮጵያውያን ግዳያት፡ መርድእ ከምዝነገረ ተገሊጹ።

    ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ካብ መንጎ ዝሞቱ፡ 9 ተጉዓዝትን ሸሞንተ ሰራሕተኛታትን ኢትዮጵያውያን እዮም።