ቀጥታ, ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ

ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጸላእትና ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ስትራተጂያዊ ረብሓታታን ንምጕዳእን ካብ ሃብታ ንምምዝማዝን ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣበርቲዖም ሰሪሖም እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ሎሚ ዓርቢ ተዛተይቲ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክዘራረቡ ምዃኖም ተገሊጹ።
  • ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ፕረዚደንታት ሩስያን ዩክረይንን ሕጂ ስምምዕ ክገብሩ ድሌት ኣለዎም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።
  • ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሎሚ ንተዛተይቲ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ተአንግድ ኣላ
  • ዶናልድ ትራምፕ ክልተ ልኡኻቱ - ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን - ምስ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ብቐጥታ ካብ ሞስኮ ናብ ኢማራት ኣቕኒዑዎም ኣሎ።
  • ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ደው ንምባል 20 ነጥብታት ዝሓቘፈ ዘዳልወቶ ውጥን 90% ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ቓዛ ተሪፉ ዝጸንሐ ሬሳ እንኮ እስራኤላዊ ተረኺቡ

    መነጸር ዝገበረ፡ ጨሓም ራን ግቪሊ

    ምንጪ ስእሊ, Bring Them Home Now/Handout via REUTERS

    እስራኤል ነቲ ካብ ቓዛ ከይተመልሰ ዝጸንሐ እንኮ ሬሳ ኣባል ፖሊስ ነበር ከምዝረኸበቶ ኣፍሊጣ።

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሬሳ ናይቲ ራን ግቪሊ ዝተባህለ መኮንን ፖሊስ ምርካቡ ንውጥን ሰላም ፕረዚደንት ዶለልድ ትራምፕ ዘጽንዕ’ዩ።

    ሓይልታት እስራኤል፡ ነቲ ሬሳ ንምርካብ ነቲ ቀንዲ በሪ ወሽመጥ ቓዛ ዝኾነ ኣፍደገ ራፋሕ ብምርጋጥ ሓድሽ ስርሒት ምጅማሮም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ኢድ ሓማስ ዝነበሩ ግዳያት ጅሆ ብምልኦም ክልቀቑ እንከለዉ፡ ኣስታት 2000 ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

    ወተሃደራት እስራኤል ብለይቲ፡ ብመብራህቲ ተሓጊዞም ጉድጓድ እናፈሓሩ

    ምንጪ ስእሊ, Israel Defense Forces

    ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል "ፍሉይ ዓወት" ክብል ነቲ ስርሒት ገሊጽዎ።

    "ንኹሎም ክንመልሶም ቃል ኣቲና፡ ኣነ'ውን ቃል ኣትየ። ንኹሎም ከኣ ኣምጺእናዮም" ክብል በንጃሚን ነታንያሁ ሓጎሱ ገሊጹ።

    ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብወገኑ፡ እቲ ሬሳ ዝነበሮ ቦታ ዘመልክት "ኩሉ ዝርዝራትን ሓበሬታን" ንመንጎኛታት ከምዝሃበ ገሊጹ'ሎ።

    ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1,200 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 251 ሰባት ድማ ጅሆ ሒዞም ወሲዶሞም።

    ሰራዊት እስራኤል ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ብዝሃቦ ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ፡ 71,660 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ይጠቅስ።

  2. ምርኢት ሓልሊ ኣየር ኢትዮጵያ

    ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    መግለጺ ስእሊ, ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ
    ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    መግለጺ ስእሊ, ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ
    ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

  3. ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ

    ብሰንኪ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ።

    ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብ 24 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምረቓ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጸላእትና ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ስትራተጂያዊ ረብሓታታን ንምጕዳእን ካብ ሃብታ ንምምዝማዝን ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣበርቲዖም ሰሪሖም እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

    “ሓድነት፡ ክብርን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዕረፍቲ ከምዘይንህብ ንጸላእትና ደጊመ ከረጋግጽ እፈቱ” ይብል ኣቢይ።

    “ኣዕሩኽን ጸላእትን ክፈልጥዎ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ንኢትዮጵያ ኣጸቢቘም ከምዘይፈልጡዋ እዩ።”

    ሰበስልጣን ኤርትራ ነዚ ዘረባ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃቡሉን።

    እንተዀነ ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ መኮንናትን፡ ነቲ “ዘይፍትሓውን” ዝብልዎ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኤርትራ፡ "ህላወኣዊ ጉዳይ" ምዃኑ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

    ብሰላማዊ መንገዲ ዲፕሎማሲ ይዅን ብወተሃደራዊ ስጕምቲ ወደብ ዓሰብ ናይ ምሓዝ ተኽእሎታት እውን ከም ተኽእሎ ከልዕልዎ ጸኒሖም እዮም።

    ኤርትራ ነዚ ኣካይዳ ናይ ኢትዮጵያ “መርዛም ኣጀንዳ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕ” ብምባል እያ ትገልጾ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ12 ጥሪ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኲናት ኣዊጃ ምህላዋ ጠቒሱ፡ “ንሃገርና ከመይ ጌርና ከም እንከላኸለሉ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብቓላት ኣጥቂዑ

    ምንጪ ስእሊ, Abiy

  4. ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ኲናት ሱዳን ከምዝሳተፉ ተገሊጹ

    ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ዝተዓሰቡ ወተሃደራት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ሱዳን ይገልጹ።

    ኣብቲ ኲናት ቀንዲ ተዋሳእቲ ካብ ዝዀኑ ሓይልታት ዝዀነ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ወጻእተኛታት ዕሱባት ወተሃደራት ከምዘሰልፍ ጭብጢ ከምዝተረኽበን ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

    ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሱዳን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዝተሰለፉ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ወጻእተኛታት ዕሱባት ሰራዊት ክሲ ኣቕሪቡ’ሎ።

    ንመንግስቲ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ኰይኑ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ መንግስቲ ሱዳን ኢንቲሳር ኣሕመድ እቶም ብገበን ተኸሲሶም ዘለዉ ወጻእተኛታት ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ምዃኖም ገሊጻ።

    እታ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ዕሱባት ኣብቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሓድሕድ ብምስታፎም ከም ዝተኸሰሱ ገሊጻ።

    ሰበስልጣን ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝገብሮ ኲናት መሳርዑ ንምሕያል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሲቡ ወተሃደራት ከም ዝምልምል ይኸሱ።

    እዞም ወተሃደራት፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ጫድ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኮሎምቢያ ተዓሲቦም ዝተሰለፉ ምዃኖ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

    ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሱዳን፡ ሓያሎ ወጻእተኛታት ዕሱባት ንሞት ተፈሪዶም ከምዘለዉ ሓቢራ።

    ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕሱባት ዝተዋህበ ፍርዲ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።

    ኣብ መንጐ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃንን መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ጋዳሎን ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ ሚልዮናት ኣመዛቢሉን እዩ።

    ሰራዊት ሱዳን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሱዳን
  5. ኔቶ፡ ሓድሽ ቁጠዐ ዝፈጠረ መግለጺ ትራምፕ ይንቀፍ

    ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሄልማንድ ስርሒታት ዘካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ብሪጣንያ ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ ካብ ሄሊኮፕተር እናወረዱ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሄልማንድ ስርሒታት ዘካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ብሪጣንያ

    ንግደ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘነኣእስ መግለጺ ትራምፕ ኣብ ብሪጣንያን ገለ ሃገራት ኣውሮጳን ቁጠዐ ፈጢሩ።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ናይቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት "ዘይቅኑዕ" እዩ ክብል ኮኒኑ።

    ፖለቲከኛታት ገዛኢ ሰልፊ ዕዮን ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ንመግለጺ ትራምፕ ይነቕፉ ኣለዉ።

    ትራም ትማሊ ሓሙስ ንኣመሪካዊ መደበር ተለቪዢን ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ፈጺምና ደሊናዮም ኣይንፈልጥን ኢና . . . ፈጺምና ዝኾነ ነገር ሓቲትናዮም ኣይንፈልጥን ኢና።

    "ናብ ኣፍጋኒስታን ገለ ወተሃደራት ከምዝሰደዱ ክዛረቡ ይኽእሉ'ዮም፡ ሓቆም'ዮም፡ ኣብ ድሕሪት'ዮም ግን ነይሮም፡ ካብ ግንባር ቁርብ ፍንትት ኢሎም" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

    ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታርመር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እቲ ፕረዚደንት ንተራ ናይቶም ሓይልታት ብሪጣንያ ዝርከብዎም ወተሃደራት ኔቶ ምንእኣሱ ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

    ኣብቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም (9/11) ዝተወልዐን ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለን ኲናት ኣፍጋኒስታን 457 ወተሃደራት ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት'ውን ኣካላዊ ስንክልናን ስነኣእምሮኣዊ ስንብራትን ወሪዱዎም'ዩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ጽዕጹዕ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ዞባ ሄልማንድ ተዋፊሮም ዝነበሩ ምዃኖም ይዝከር።

  6. ውሃ ዘበለ ምስልታት ውጥን ዳግመ-ህንጻ ቓዛ

    ነቲ ውጥን ዘቕረቡ ማርኮ ሩብዮ ዝርከቦም ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ኣብ መንደቕ ዝርአ ማስተር ፕላን ቐዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ኣብ ግብሪ ንምውዓል "ቦርድ ሰላም" ዝመስረተ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነታ ወሽመጥ ንምህናጽ ሓድሽ ውጥን ኣውጺኡ።

    እቲ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ዳቮስ ዝቐረበ ውጥን፡ ንኣካላዊ ኣሰር ኲናት ዘህስስ'ዩ ዝመስል።

    "ኣብ ቓዛ ዓቢ ዓወት ከነመዝግብ ኢና። ንክትዕዘቦ ዘገርም ክኸውን'ዩ" ክብል'ዩ ትራም ነቲ ዝወጸ ውጥን ዝገልጾ።

    ሓንቲ ካብቲ ነቲ ውጥን ዘቕረቡ ሰብመዚ ዝኾነ ሰብኣይ ጓሉ፡ ጃረት ኩሽነር ብወገኑ፡ ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ እቲ ፍርስራስ ክጽረግ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

    እቲ ኲናት ብ7 ጥቀምቲ 2023 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ወሽመጥ ኣስታት 90,000 ቶን መዳፍዕ ከምዝወደቐ ኩሽነር ጠቒሱ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ቶን ዝግመት ፍርስራስ ተኾሚሩ ከምዘሎ የረድእ።

    ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን (ማስተር ፕላን)፡ ሓድሽ ናይ መንበሪ፡ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻን ቱሪዝምን ዞባታት ክህነጽ'ዩ።

    እቲ ኣብ ዳቮስ ዝቐረበ ምስሊ ናይቲ ውጥን፡ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝህሉ ዞባ ቱሪዝም ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ 180 ነዋሕቲ ህንጻታት ክህነጽ ምዃኑ የመልክት።

    ብዘይካ'ዚ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ፡ 200 ማእከላት ትምህርቲ፡ 75 ትካላት ጥዕና፡ ከምኡ'ውን 180 ማእከላት ባህሊን ሃይኖትን ክህነጽ'ዩ።

    "ካብ ውሽጠይ ናይ ልምዓት ህንጻ ሰብ እየ፡ ከባቢ ጥራይ ድማ'ዩ ዘገድስ" ዝብል ትራምፕ፡ ንወሽመጥ ቓዛ ፈለማ ምስራኣያ፡ "ነዛ ጽብቕቲ ቦታ ተመልከቱዋ። ንብዙሓት ሰባት እንታይ ክትከውን ምኻኣለት" ክብል ኣድናቖቱ ከምዝገለጸ'ዩ ዝዝክር።

    ብብጫ፡ ቀጠልያን፡ ሰማያዊን ሊላን ሕብርታት ዝተፈላለየ ማስተር ፕላን ዳግመ-ህንጻ ወሽመጥ ቓዛ

    ምንጪ ስእሊ, White House

    መግለጺ ስእሊ, ማስተር ፕላን ዳግመ-ህንጻ ወሽመጥ ቓዛ

    ወጻኢ ናይቲ ዝሕሰብ ዘሎ ሰፊሕ-ዳግመ ህንጻ፡ በቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ናይቶ ቦርድ ዝኸፍልኦ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሽፈን'ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

    ድሮ፡ ብዘይካ ኣመሪካ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ባሕሬን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ቱርኪን ዝበላ ሃገራት ናብቲ ቦርድ ክጽንበራ ወሲነን ኣለዋ።

    ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ግን፡ እታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ዝኣወጀት ሩስያ ኣባል ክትከውን ብምዕዳማን፡ እቲ ተበግሶ ንሕቡራት ሃገራት ዝትክእ ከይከውን ብምስጋእን ኣባላት ከምዘይኮና ይገልጻ ኣለዋ።

    ብመሰረት ውጥን ሰላም ቓዛ፡ እቲ ትራምፕ ኣቦመንበሩ ዝኾነ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቦርድ ንክልተ ዓመታት ነታ ወሽመጥ ብምምሕዳር ንመስርሕ ዳግመ-ህንጻ ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

    እቲ ቦርድ፡ ነቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዓለም ክከታተል ዝዓለመ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

  7. ኣመሪካ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ወጺኣ

    ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ኣመሪካ ነቲ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክትለቅቕ ምዃና ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝሃበቶ መጠንቀቕታ መሰረት ብምግባር ብወግዒ ኣባልነታ ስሒባ።

    ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ መዓልቲ ካብ ዝገበሮም ፕረዚደንታዊ ውሳነታት ሓደ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስሓብ ነይሩ፤ ግብራዊ ድማ ኰይኑ ኣሎ።

    በዚ መሰረት፡ ድሕሪ’ቲ ውሳነ ሰንደቕ-ዓላማ ኣመሪካ ኣብ ጀነቫ - ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝወረደት ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

    ክፍሊታት ጉዳያት ጥዕናን ወጻኢን ኣመሪካ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እታ ሃገር ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ሕጂ ዝህልዋ ዝምድና ዝተወሰነን መስርሕ ምውጻእ ንምዝዛም ኣብ ዘድሊ ጉዳያት ዘድሃበ ጥራይ ምዃኑን ኣነጺሩ።

    ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ፡ “ኣብቲ ትካል ከም ተዓዛቢ ክንሳተፍ ወይ ዳግማይ ክንጽንበር ዝዀነ መደብ የብልናን” ኢሉ።

    ኣሜሪካ ብዓለማዊ ኣካል ኣቢላ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ምስ ሃገራት ኣብ ምቍጽጻር ሕማማትን ካልኦት ቀዳምነታት ህዝባዊ ጥዕናን ክትሰርሕ መደብ ኣለዋ።

    እታ ሃገር ካብቲ ብኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕን ልዕሊ 190 ሃገራቱ ዝኣባላቱ ውድብ ክትስሕብ ምውሳና ኣብ ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ንጥፈታት ጥዕና ዝሃሲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክስሕብ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ኰይኑ ትጽቢት፡ ዝተገብረሉ ነገራት ክማላእ ብዘይምኽኣሉ ብምጥቃስ፡ ጆ ባይደን ስልጣን ዋይትሃውስ ድሕሪ ምሓዙ ግን እቲ ጉዳይ ተኣጓጒሉ እዩ ጸኒሑ።

    ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ካልኦት ሓያሎ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ትካላት ክትወጽእ ወሲና ምህላዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፤ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ከም ቦርድ ሰላም ኢሉ ዘተኣታትዎ ዘሎ ውዳበ ድማ ንተራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የዳኽም ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ።

  8. ኣብ ዘተ ሰላም ሩስያ-ዩክረይን ድሮ ዝፈለጥናዮን ዘይፈለጥናዮን

    ዊትኮፍን ኩሽነርን

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ዊትኮፍን ኩሽነርን

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሎሚ ንተዛተይቲ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ተአንግድ ምህላዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ብወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመረ ውግእ ንምዕራፍ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ዝሳተፍኦ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

    ዛጊት እንፈልጦ?

    ዶናልድ ትራምፕ ክልተ ልኡኻቱ - ስቲቭ ዊትኮፍን ጃረድ ኩሽነርን - ምስ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ብቐጥታ ካብ ሞስኮ ናብ ኢማራት ኣቕኒዑዎም ኣሎ።

    ዩክረይን ንገለ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣናታ ትሰድድ ኣላ፤ ንሳቶም ድማ ሩስተም ዑመሮቭ፡ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረን፡ ኪሪሎ ቡዳኖቭ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ፡ ደቪድ ኣራካምያን ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ስታፍ ኣንድሪ ህናቶቭን ይርከብዎም።

    ንልኡኽ ሩስያ ዝመርሑ ዘለዉ፡ ዳይረክተር ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ - GRU ጀነራል ኢጐር ኮስቲዩኮቭ፣ ልኡኽ ወፍሪ ሩስያ ኪሪል ዲሚትሪየቭ እውን ኣብ ኢማራት ዓረብ ብምህላዉ ምስ ዊትኮፍ ብተናጸል ኣብ ብሓባርን ክራኸብ እዩ።

    እቲ ዘይንፈልጦ?

    እቶም ንኣመሪካ፡ ሩስያን ዩክረይንን ዝወከሉ ተዛተይቲ ብሓቂ ኣብ ሓደ ክፍሊ - ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መኣዲ - ኣብ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ከገብሩ ብዛዕባ ምዃኖም?

    እቲ ኣኼባ መዓስ ክጅምር እዩ?

    ሎሚ ሓደ ጭቡጥ ነገር ክበጽሑ ይኽእሉ ዶ?

    ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ደው ንምባል 20 ነጥብታት ዝሓቘፈ ዘዳልወቶ ውጥን 90% ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ መሬት ግን ገለ ዘይተፈጥሐ ነጥብታት ከምዘሎ ገሊጹ።

    ሓጋዚ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ ነቲ ሓሙስ ኣብ ሞስኮ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪቱ፡ “ብዅሉ መዳይ ጠቓሚ” እኳ እንተበለ፡ ኣብ መንጎ ፑቲንን ኣመሪካውያንን እንታይ ከምዝተዛተዩን፡ እቲ ርክቦም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘተ ብኸመይ ኣገዳሲ ረቛሒ ከምዝኸውንን ኣይፍለጥን።

  9. 'መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ክሰማምዑ ዝደልዩ እመስለኒ' - ትራምፕ

    ትራምፕ፣ ዘለንስኪ፣ ፑቲን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ካብ ዳቮስ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንታት ሩስያን ዩክረይንን ሕጂ ስምምዕ ክገብሩ ድሌት ኣለዎም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

    “ፑቲን ክሰማማዕ ዘይደለየሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ዘለንስኪ እውን ከምኡ፤ ብሓፈሻ ተጻባኢ እዋናት ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ክልቲኦም ክሰማምዑ ዝደልዩ ይመስለኒ" ኢሉ።

    ወሲኹ ትራምፕ፡ ትማሊ ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪ “ጽቡቕ” ዝርርብ ከምዝገበረ ብምሕባር፡ “እቲ ኲናት እንተዘብቅዕ ጽቡቕ ምዀነ" ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብ ዳቮስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ፡ ዘለንስኪ፡ ጉዳይ መሬት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሐ ብምግላጽ፡ ሎሚ ዝካየድ ስሉሳዊ ዝርርብ ንኽልቲኦም ወገናት መለሳ ክፈጥር ከምዝኽእል ገሊጹ።

  10. ትራምፕ፡ ንካናዳ ዝቐረበ ዕድመ ኣባልነት ቦርድ ሰላም ሰሪዙ

    ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ጐረቤት ሃገሩ ዝዀነት ካናዳ ኣብ ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናን፡ ካናዳ ናብቲ ሓድሽ ዝቘመ ‘ቦርድ ሰላም’ ክትጽንበር ዝቐረበ ዕድመ ክስሓብ ሓቲቶ’ሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ “ብኽብረትኩም! እዚ ደብዳበ’ዚ ቦርድ ሰላም ነቲ ካናዳ ንኽትጽንበር ብዝምልከት ናባኻትኩም ዝቐረበ ዕድመ ንኽስረዝ ዘገልግል ክኸውን ይፈቐደሉ” ይብል።

    ኣብዚ ቅንያት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ እቲ ኣመሪካ እትመርሖ ዘላ ስርዓተ-ዓለም ናብ ሕንፍሽፍሽ ይመርሕ ኣሎ ክብል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ስዒቡ እዩ ንትራምፕ ኣቐይሙ ዘሎ።

    ካናዳ ንኣባልነት ኣብቲ ቦርድ ዝተሰልዐ ገንዘብ ከምዘይትኸፍል’ኳ እንተገለጸት፡ ክትጽንበር ምዃና ግን ኣመልኪታ ነይራ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ስፍሓት ሓላፍነት እቲ ቦርድ ከቢድ ጥርጣረታት ከምዘለዎም እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ግን ምስቲ ኣካል ክሰርሑ ፍቓደኛታት ምዃኖም ገሊጹ።

    እቲ ንትራምፕ ከም ኣቦ መንበሩ መጠን ሰፊሕ ስልጣን ዝህብ ቦርድ፡ ብኣመሪካ ከም ሓድሽ ዓለምለኻዊ ትካል ምፍታሕ ግርጭታት ዝቐርብ ዘሎ እዩ።

    ትራምፕ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ስለምንታይ ነቲ ንካናዳ ዝቐርብ ዕድመ ክስረዝ ወሲኑ ግን ዝዀነ ምኽንያት ኣይገለጸን።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ካርኒ እውን ብቕጽበት ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ። እንተዀነ፡ ንዕድመ ትራምፕ ብመትከል ከምዝቕበሎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመልኪቱ ነይሩ።

    እዚ ይዅን ግን ካናዳ ነቲ ቀወምቲ ኣባላት ነቲ ቦርድ ንምምዋል ክኸፍልኦ ተባሂሉ ብትራምፕ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ኣባልነት ከምዘይትኸፍል፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣመልኪታ ነይራ።

    'ቦርድ ሰላም' ትራምፕ፡ ፈለማ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ንምዕራፍን ዳግመ ህንጸት ንምክትታልን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ነይሩ።

    እቲ ዝሓንጸጾ ቻርተር ግን ንግዝኣት ፍልስጤም ኣይጠቅስን፤ ብሓፈሻ ንስርሓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምትካእ ዝተዳለወ ከም ዝመስል ይግለጽ። ትራምፕ ድማ ምሉእ ህይወቱ ኣቦ መንበር ዝኸውን እዩ ዝመስል።

    ብመሰረት ሓበሬታ ዋይት-ሃውስ፡ ኣስታት 60 ሃገራት ብኣባልነት ናብቲ ቦርድ ክጽንበራ ተዓዲመን፤ ኣስታት 35 ሃገራት ድማ ድሮ ፈሪመን ኣለዋ።

    ኣርጀንቲና፡ ቤላሩስ፡ ሞሮኮ፡ ቬትናም፡ ፓኪስታን፡ ካዛኺስታን፡ ኡዝበኺስታን፡ ኮሶቮ፡ ሃንጋሪ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ቐጠር፡ ዮርዳኖስ፡ ኢንዶነዥያን ስዑዲ ዓረብን ካብተን ተሰማሚዐን ዘለዋ ሃገራት እየን።

    ካብተን ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት - ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ዓባይ ብሪጣንያን ግን ክሳብ ሕጂ ቃል ዝኣተወት ሃገር የላን።

  11. መራሕቲ ጒኒ-ቢሳው ሃገራዊ ምርጫ ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም

    ወተሃደራዊ ሰላምታ እናሃበ ኣብ ቅድሚ ባንዴራ ጒኒ-ቢሳው ደው ዝበለ ሆርታ ንታም፡ 2025ምሉእ መዓርጉ ዝለበሰ ጀነራል

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ጒኒ-ቢሳው ሃገራዊ ምርጫ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    እቲ ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታዊን መረጻ ኣብ ዝመጽእ 6 ታሕሳስ'ዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

    እቲ ብጀነራል ሆርታ ንታም ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ቀልጢፉ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዝምለስ'ዩ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

    እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንድሓር ምርጫ ከካይድ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ጸቕጥታት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

    ኢኮዋስ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ናይ ግዜ መደብ ዘለዎ ርእይቶ ዛጊት ኣይገለጸን ዘሎ።

  12. ዩክረይን፡ ዝርርብ ትራምፕን ዘለንስኪን ኣብ ዳቮስ

    ብተሓጋገዝቱ ዝተዓጀበ ቦሎድሚር ዘለንስኪ ምስትራምፕ ክራኸብ እናኸደ ኣብ ዳቮስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዩክሬናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተራኺቡ።

    ንኲናት ዩክረይን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዘ ኣመሪካዊ ፍሉይ ወኪል ስቲቭ ዊትኮፍ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ተስፋ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዮም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ዘለዉ።

    ሎሚ ናብ ሩስያ ከምዝበርር ዝገለጸ ዊትኮፍ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ተሪፍዎም ከምዘሎ'ዩ ኣሚቱ።

    "ናብ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ኣውሪድናዮ ኣለና፡ ነቲ ጉዳይ እቲ'ውን ተዘራሪብናሉ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ማለት'ዩ"።

    ዊትኮፍ ኣየናይ ጉዳይ ተሪፉ ከምዘሎ'ኳ ብንጹር እንዘይጠቐሰ፡ መጻኢ ናይቲ ማእከል ኢንዱስትሪ ዩክረይን ዝኾነ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ልዝባት ወሳኒ ጉዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    "ክልቲኦም ወገናት ነዚ ጉዳይ'ዚ ክፈትሑ ቅሩባት እንድሕር ድኣ ኮይኖም፡ ክንፈትሖ ኢና" ይብል እቲ ፍሉይ ወኪል።

    ትራምፕ ብወገኑ፡ "ተቓሪቦም ኣለዉ፡ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዝቕተሉ ዘለዉ፡ ክንገብሮ ኣለና" ክብል ብዛዕባ'ቲ ዘተ ተዛሪቡ።

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኲናት ደው ንምባል "ስምምዕ ክገብር ድሉው" ምዃኑ፡ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዳቮስ ዝኣተወ ዘለንስኪ ግን ክሳብ ክንድቲ ቅሩብ ከምዘይነበረ'ዩ ትራምፕ ኣሚቱ ነይሩ።

    ሰብኣይ ጓሉ ንትራምፕ ዝኾነ ጃረት ኩሽነርን ዊትኮፍን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣመሪካ ሎም-ምሸት ናብ ሞስኮ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ክረምሊን ክላዘቡ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ትራምፕ ዝፈጠሮ ምስ ግሪንላንድ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ዓቢ ኣጀንዳ ምዃኑ ዩክረይን ኣቓልቦ ከይትስእን ስክፍታ ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንምውሳድ ሓይሊ ከምዘይጥቀምን፡ ከምቲ ዘፈራርሖ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞአን ዝገለጻ ሃገራት ቀረጽ ከምዘይውስኽን ድሕሪ ምግላጹ ግን እቲ ጉዳይ ሃዲኡ ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ዳቮስ ሎሚ ናብ ጉዳይ ዩክረይን ቓዛን ዝበሉ ዛዕባታት ዓለም ከተተኩር ዕድል ፈጢሩላ ኣሎ።

  13. 'ብዛዕባ ልኡላውነትና ክንዛተ ኣይንኽእልን ኢና' - ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ

    ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን ከምዚ ክትብል መግለጺ ሂባ ኣላ፤

    "ጸጥታ ኣርክቲክ ናይ መላእ ኪዳን ኔቶ ጉዳይ'ዩ። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ኔቶን ፕረዚደንት ኣመሪካን ክዝተየሉ’ውን ጽቡቕን ባህርያውን እዩ። ንግስነት ዴንማርክ፡ ኔቶ ኣብ ኣርክቲክ ዘለዎ ጽልዋ ንምዕባይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ትሰርሕ ኣላ።"

    "መንግስቲ ዴንማርክምሉእ መስርሕ ጻዕርታትና ምስ መንግስቲ ግሪንላንድ ተዋሂሂዱ እዩ ዝሰርሕ። ምስ ኔቶ ብቐረባ ክንዘራረብ ጸኒሕና ኢና። ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ድማ ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዳቮስ ዝገበሮ ርክብን ድሕሪኡን ሓዊሱ ብቐጻሊ ኣዘራሪበዮ እየ።"

    "ኔቶ፡ መርገጺንግስነት ዴንማርክ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ኵሉ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ወፍሪ፡ ቍጠባ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ልኡላውነትና ግን ክንዘራረብ ኣይንኽእልን።”

    "ብርግጽ ድማ፡ንዴንማርክን ግሪንላንድን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ውሳነ ክወስዳ ዝኽእላ ባዕለን ዴንማርክን ግሪንላንድን ጥራይ እየን።"

    ንግስነት ዴንማርክ፡ ንመሬታዊ ምሉእነትና ኣኽቢርካ ኣብ ዝግበር ዝርርብ፡ ኣብ ኣርክቲክ፡ እንተላይ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብኸመይ ጸጥታ ከነሐይል ከም እንኽእል ምስ መሓዙት ሃገራት ሃናጺ ዝርርብ ክትቅጽል ትደሊ።

  14. ኔቶን ትራምፕን ብዛዕባ ግሪንላንድ እንታይ ተዘራሪቦም?

    ዶናልድትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ዳቮስ ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ መጻኢ ግሪንላንድ ከም ዝተሰማምዑ ተዛሪቡ።

    ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

    ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣመሪካውያን ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ዴንማርክ ዝዀነት ዴሰት ከመሓድርዋ ከም ዘይተሰማምዑ ሓቢሮም።

    ድሕሪ እቲ ዝርርብ መራሒ ኔቶ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ግሪንላንድ፡ "ሎሚ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኣብ ዝገበርክዎ ዝርርባት ኣይተላዕለን፡" ኢሉ።

    ትራምፕ ምስ ሓላፊ ኔቶ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዕደና ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ምትሕብባር ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

    ድሕሪ እቲ ዝርርብ፡ ወሃቢት ቃል ኔቶ ኣሊሰን ሃርት፡ "ኣብ መንጎ ዴንማርክ፡ ግሪንላንድን ኣመሪካን ዝካየድ ዘተ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ግሪንላንድ - ብቝጠባ ይዅን ብወተሃደራዊ መዳይ - እግረን ፈጺመን ከየምብራ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዩ፡" ክትብል ርእይቶ ሂባ።

    ኔቶን ትራምፕን ብዛዕባ ግሪንላንድ እንታይ ተዘራሪቦም?

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  15. ዳቮስ፡ ቀንዲ ነጥብታት መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ

    ብሄሊኮፕተር ናብ ዳቮስ ዝኣተወ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ማሪን ዋን ወሪዱ ኣብቲ ኣብ ጻዕዳ በረድ ዝተነጸፈ ቀይሕ ምንጻር ይስጉም፡ ጭራ ናይ ካልኣይቲ ሄሊፕተር'ውን ብየማኑ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ግሪንላንድ ሃቡኒ ዝብል ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እታ ቀንዲ ነፋሪቱ 'ኤርፎርስ ዋን' ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ብኻልእ ነፋሪት'ዩ ናብ ዙሪክ ኣትዩ።

    በታ 'ማሪን ዋን" ዝተባህለት ሄለኮፕተሩ ድማ ደንጉዩ ናብታ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ኣልፕስ እትርከብ ከተማ ዳቮስ ብምእታው፡ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ ዝወሰደ ነዊሕ መግለጺ ሂቡ። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ መደረ ኣብዞም ዝስዕበ ዘተኮረ'ዩ ነይሩ፡

    • ግሪንላንድ፡ ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንምርካብ "ብቕልጡፍ ዘተ" ክግበር ብምጽዋዕ፡ "ኣመሪካ በይና ጥራይ እያ ነዛ ሰፋሕ መሬት፡ ገዛፍ በረድ" ከተውሕሳ ትኽእል" ኢሉ።
    • ሓይሊ፡ ዝዓበየ መግለጺኡ ምዃኑ ብምጥቃስ "ሓይሊ ክጥቀም ኣየድልየኒን'ዩ፡ ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን፡ ሓይሊ ኣይክጥቀምን እየ" ብምባል ነቲ ብተርባጽ ተዋሒዙ ዝጸንሐ ልቢ ብዙሓት ከህድእ ፈቲኑ።
    • ኔቶ፡ ንግሪንላንድ ምጉባጥ ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ይሃሲ'ዩ ንዝብል ምጉት ብምንጻግ፡ "ብዙሕ ሂብና ውሑድ ኢና ንረክብ" ብምባል እቲ ኪዳን ሳላኡ ከምዝሓየለ ተዛሪቡ።
    • ቁጠባ፡ ኣመሪካ ብመሪሕነቱ "ቁጠባዊ ተኣምር" ትጓናጸፍ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ዝቕባበ ከምዝጎደለን "ዝኾነት ሃገር ዘይራኣየቶ" ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝገበትን ገሊጹ።
    • ቀረጽ፡ እቲ ሃገሩ ኣመዝጊባቶ ዝበሎ ቁጠባዊ ዓወት ብኸፊል ቀረጽ ብምውሳኑ ምዃኑ ብምእማት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም ዘንበሮ መጠን ቀረጽ "ንዘውረድኦ ዕንወት ንምኽሓስ" ዝተወስደ'ዩ ክብል ሞጒቱ።
    • ዩክረይን፡ "ምስ ፕረዚደንት ፑቲን እየ ዝላዘብ ዘለኹ፡ ስምምዕ ክገብር ይደሊ'ዩ ኢለ እኣምን። ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ'ውን እላዘብ ኣለኹ፡ ንሱ'ውን ስምምዕ ይደሊ'ዩ፡ ሎሚ ክረኽቦ እየ" ኢሉ።
    • ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣውሮጳ "ካብ ካልእ ምድርታት ዝተፈላለዩ ህዝብታት ተተኣታቱ ኣላ" ክብል ዝነቐፈ ትራምፕ፡ "ገለ ቦታታት ኣውሮጳ ብሓቂ ከተልልዮም ኣይትኽእልን ኢኻ" ብምባል ነቲ ክደጋግሞ ዝጸንሐ እታ ኣህጉrእ ብዋሕዚ ስደተኛታት ትዓኑ ኣላ ዝብል ምጉቱ ኣቕሪቡ።
    • ኣከባቢ፡ "ሓድሽ ቀጠልያ ምትላል" ክብል ብተደጋጋሚ ዝጠቐሶ ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝግበር ፖሊሲታት ሃገራት ዓለም፡ "ካብ ጸዓት ገንዘብ ትገብር 'ምበር ገንዘብ ኣይትኸስርን" ክብል ተዛሪቡ። ከም ኣብነት ብሪጣንያ ኣብ ባሕሪ ሰሜን ዘሎ ሃብቲ ነዳዲ ክትጥቀም ዘይምኽኣላ'ውን ነቒፉ።
  16. ናብ ዘርሰኖ ኣውሮጳ ዝኣተወ ትራምፕ 'ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን' ይብል

    ኣብ ማይክሮፎን ብወኒ ዝዛረብ ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብጉዳይ ግሪንላንድ ንኣውሮጳ ከናውጽ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሎሚ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዩ'ሎ።

    እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ነታ ኣካል ንግስነት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ብፍቶት ወይ ብሓይሊ ከምዝጐብጣ ብተደጋጋሚ ምግላጹ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ሓያል ተቓውሞ ክወሃቦ ቀንዩ ነይሩ።

    ኣብ ዓመታዊ ቁጠባዊ ዋዕላ ዳቮስ ንምስታፍ ሎሚ ናብ ዙሪክ ዝዓለበ ትራምፕ፡ ብፍልይቲ ሄሊኮፕተሩ ናብታ ንእሽቶ ከተማ ተጓዒዙ።

    ድሮ ዝተመደበሉ መደረ ዘስምዐ ትራምፕ፡ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ሓይሊ ከምዘይጥቀም ብምግላጽ፡ ብልዝብ ዋንነት ናይታ ደሴት ክህልዎ ከምዝደሊ ተዛሪቡ'ሎ።

    እቲ መግለጺ ነቲ ክናወጽ ዝቐነየ ዕዳጋታት ዓለም'ውን ድሮ ከረጋግኦ ጀሚሩ'ሎ።

    "መጠኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ክጥቀም እንተዘይወሲነ ንረኽባ ኣይመስለኒን፡ ደው ዘብለና'ውን ኣይምሃለወን፡ ግና ከምኡ ኣይክንገብርን ኢና" ክብል'ዩ ትራም ንሻቕሎት ነበርቲ እታ ደሴት፡ ደንማርክን መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳን ከህድእ ፈቲኑ ዘሎ።

    "ሓይሊ ክጥቀም ኣየድልየኒን'ዩ፡ ሓይሊ ክጥቀም ኣይደልን፡ ሓይሊ ኣይክጥቀምን እየ" ክብል ኪኖ ሩባታት ዳቮስ ዝተሰምዐ መቓልሕ ሰዲዱ።

  17. ኢማራት ካብ ሶማል ጠቕሊላ ትወጽእ

    ባንዴራታት ዩኤኢን ሶማልያን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ባንዴራታት ዩኤኢን ሶማልያን

    ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ኵሉ ዓይነት ስምምዓት ጸጥታን ምትሕብባርን ድሕሪ ምስራዛ፡ ኢማራት ካብ ንግዳዊ ርእሰ ከተማ ፑንትላንድ ዝዀነት ቦሳሶ ኣባላታ ክትስሕብ ጀሚራ ክብል ብውልቂ ዝውነን ትካል ካሲማዳ ኦንላይን ሓቢሩ።

    “መዓርፎ ነፈርቲ ቦሳሶ፡ በቶም መብዛሕትኦም ካብ ኮሎምብያ ዝመጹን ብኢማራት ዓረብ ተቘጺሮም ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኣዕለቕሊቝ ይርአ” ይብል እቲ መርበብ ሓበሬታ።

    “ኢማራት ጽልዋኣ ኣብተን ፈደራላዊ ግዝኣታት ሓያል’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ምግዓዝ መሳርሕታትን ሰራሕተኛታትን ግን ምልክት ናይቲ እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ኢማራት ዓረብን ሶማልያን ምዃኑ” እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት።

    ብ19 ጥሪ ኣፍሪካ ኮንፊደንሻል ከም ዝበሎ፡ ኢማራት ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኪስማዮ ወተሃደራዊ ህላወ ከምዘይብላን ኣብ በርበራ ዝርከብ ወተሃደራዊ መሳለጥያኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘውጽአትን ንፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ሓቢራ እያ።

  18. 'ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን' - ምኒስተር ግሪንላንድ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ንመራሕቲ ዓለም መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።

    ንሱ ንግዝኣት ደንማርክ ዝኾነት ደሴት ንግሪንላንድ ክቈጻጸራ እየ ኢሉ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ ናብ ስዊዘርላንድ ዝገይሽ ዘሎ።

    ኣብቲ ዓለማዊ ቍጠባዊ መድረኽ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማክሮን ትማሊ ኣብ ዘስመዖ መደረ "ዓለም ናብ ሕጊ ኣልቦ ትዝምብል" ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ብወገኑ "ብዛዕባ ግሪንላንድ ብዙሕ ኣኼባታት መደብ ተታሒዙ’ሎ" ይብል።

    ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንግሪንላንድ ንምውሳድ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ምስ ተሓተተ፡ "ክትፈልጡ ኢኹም" ኢሉ መሊሱ።

    ናብ ዳቮስ ምምጻኡ ብሰንኪ ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ዘጋጠመ ተክኒካዊ ጸገማት ክድንጒ ከም ዝኽእል ይግመት።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ኢንዱስትሪን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ግሪንላንድ ናጃ ናታኒልሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ""ኣመሪካውያን ክንከውን ኣይንደልን ኢና፡ ብዛዕባ'ዚ ድማ ኣዝዩ ንጹር መርገጺ ኣለና" ኢላ።

  19. ንትራምፕን ዘቘጠዐ ውሳነ ዓዲ እንግሊዝ፡ "ዓቢ ዕሽነት እዩ"

    ሰታርመርን ትራምፕን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣዘራረብቲ ውዕል ደሴታት ቻጎስ ዝበፅሖ ውሳነ ኰኒኑ።

    "እቲ ዘሰንብድ፡ መሓዛ ኔቶ ዝዀነት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ነታ ኣገዳሲት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝኾነት ደሴት ድየጎ ጋርስያ ንሞሪሸስ ክተርክባ መደብ ኣለዋ" ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ትሩዝ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ ቻይናን ሩስያን ነዚ ከም ዓብዪ ውድቀት ገይረን ከምዝርእየኦ ገሊጹ።

    “እዚኣተን ጉልበት ጥራይ ዝርደአን ዓለማዊ ሓይልታት እየን፡ በዚ ምኽንያት ድማ እያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነተይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክብሪ ዝረኽባ ዘለዋ"።

    "ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግዝኣት ክትህብ ምውሳና ናይ ዓቢ ዕሽነት ተግባር እዩ።"

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትራምፕ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡላውነት ደሴታት ቻጎስ ንሞሪሸስ ከተረክብ ዝገበረቶ ስምምዕ ክድግፍ ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብታ ኣብታ ግዝኣት ዝዓበየት ደሴት ዲየጎ ጋርስያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ክትቆጻጸሮን ተስማሚዓ እያ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ እቲ ን99 ዓመታት ዝጸንሕ ስምምዕ ነቲ ደሴት ዳግማይ ንምክራይ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ 101 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝሓታ ገሊጹ።

    እዘን ደሴታት ብ1965 ካብ ሞሪሸስ ዝተፈለያ፡ እታ ሃገር ገና መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበርለትሉ እዋን እዩ።

    ብሪጣንያ ነቲ ግዝኣት ብ3 ሚልዮን ፓውንድ ዝዓደገቶ እንተኾን፡ ሞሪሸስ ግን ከም ኣካል ናይቲ ናጽነት ንምርካብ ዝተገብረ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተገብረ ውዕል ከምዝዀነ እያ ትምጕት።

    ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብልዕሊ ድየጎ ጋርስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዓዲማ፡ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክባረሩ ኣገዲዱ።

  20. ትራምፕ ስለ ምንታይ'ዩ ንግሪንላንድ ክጥቕልል ዝደሊ?

    ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጅኦሎጂካዊ ዳህሳስ ዴንማርክን ግሪንላንድን፡ ኣብ ዓለም ኣዝዮም ክቡራት ዝዀኑ ማዕድናትን ጸጋታት ጸዓትን ብዝርዝር ሰፊሮም ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰሙናት እዩ፡ ንመትረብ ፓናማን ኣካል ዴንማርክ ዝዀነት ርእሰ ምምሕዳር ግሪንላንድን 'ንምጥቕላል' ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ ዝጀመረ።

    እዚ ንምስኻዕ ድማ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣማራጺ ከም ዘይኰነ ብወግዒ ዘይምግላጹ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ጸኒሑ።

    ክልቲአን ቦታታት -ግሪንላንድን ፓናማን- ንቑጠባን ድሕነትን ኣመሪካ ኣገደስቲ ከም ዝዀና ትራምፕ ይገልጽ።

    ብተወሳኺ፡ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ንምሕዋስ ቍጠባዊ ጸቕጢ ከም ኣማራጺ ከም ዝጥቀም ተዛሪቡ ነይሩ።

    ፓናማ፡ ግሪንላንድን ዴንማርክን ከምኡ'ውን ካናዳ ነዚ ርእይቶታት ቍጥዐ ዝተሓወሶ መልሲታት እየን ክህባሉ ጸኒሐን።

    እዚ ቅድም ኢሉ ዝተዳለወ ትንታነ፡ ዝንባለ ትራምፕ ካበይ ዝነቅል'ዩ? እንታይኸ ክስዕብ ይኽእል? ዝብሉ መብርሂታት ሒዙ ኣሎ።