ኣብ ቓዛ ተሪፉ ዝጸንሐ ሬሳ እንኮ እስራኤላዊ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Bring Them Home Now/Handout via REUTERS
እስራኤል ነቲ ካብ ቓዛ ከይተመልሰ ዝጸንሐ እንኮ ሬሳ ኣባል ፖሊስ ነበር ከምዝረኸበቶ ኣፍሊጣ።
ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሬሳ ናይቲ ራን ግቪሊ ዝተባህለ መኮንን ፖሊስ ምርካቡ ንውጥን ሰላም ፕረዚደንት ዶለልድ ትራምፕ ዘጽንዕ’ዩ።
ሓይልታት እስራኤል፡ ነቲ ሬሳ ንምርካብ ነቲ ቀንዲ በሪ ወሽመጥ ቓዛ ዝኾነ ኣፍደገ ራፋሕ ብምርጋጥ ሓድሽ ስርሒት ምጅማሮም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይፈርስ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ኢድ ሓማስ ዝነበሩ ግዳያት ጅሆ ብምልኦም ክልቀቑ እንከለዉ፡ ኣስታት 2000 ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Israel Defense Forces
ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል "ፍሉይ ዓወት" ክብል ነቲ ስርሒት ገሊጽዎ።
"ንኹሎም ክንመልሶም ቃል ኣቲና፡ ኣነ'ውን ቃል ኣትየ። ንኹሎም ከኣ ኣምጺእናዮም" ክብል በንጃሚን ነታንያሁ ሓጎሱ ገሊጹ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብወገኑ፡ እቲ ሬሳ ዝነበሮ ቦታ ዘመልክት "ኩሉ ዝርዝራትን ሓበሬታን" ንመንጎኛታት ከምዝሃበ ገሊጹ'ሎ።
ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1,200 ሰባት ቀቲሎም፡ ንካልኦት 251 ሰባት ድማ ጅሆ ሒዞም ወሲዶሞም።
ሰራዊት እስራኤል ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ብዝሃቦ ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ፡ 71,660 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ወሽመጥ ቓዛ ይጠቅስ።





















