እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ: ምግላጽ ዓወት ሩቶ ኣገዳሲ 'እምነ ምዕራፍ' ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ

ልዑል ወጻኢታት ዝተገብሮን ሓያል ንሕንሕ ዝተራእዮን መረጻ ኬንያ፡ ትማሊ ብዓወት ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝተዛዘመ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ። ሩቶ፡ ብጸቢብ ፍልልይ ክዕወት እንከሎ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ሸውዓተ ኣባላት እቲ ኮሚሽን እቲ ውጽኢት ምትላል ከም ዝተፈጸሞ ብምግላጽ ኣይንቕበሎን ኢሎም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ደሃዩ ተሳኢኑ ዝፀንሐ በዓል ስልጣን ምርጫ ኬንያ ሞይቱ ተረኺቡ

    እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንዝነበረ ሓደ መደበር መረፃ ብሓላፍነት ዝመርሕ ዝነበረ ሹመኛ ኮሚሽን መረፃ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ኣባላት ስድርኡ ደሃዩ ከምዝጠፍአ ካብ ዝሕብሩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

    ሬሳ ዳኒኤል ምቦሉ ሙስዮካ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ታንዛንያ እግሪ እምባ ኪሊማንጃሮ ኣብ ዘሎ ጫካ ከምዝተረኽበ ንሓደ ሓላፊ ፖሊስ ብምጥቃስ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣስከሬን ናይቲ ሹመኛ ኮሚሽን መረፃ፡ ብኽልተ ኣሓቱ ክረጋገፅ ከምዝተገበረ ጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ፀብፂባ።

    እቲ ሬሳ ብጓሶት ከምዝተረኽበን ዝርአ በሰላ ከምዝነበሮን ተገሊፁ'ሎ።

    ሙስዮካ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ምብራቕ እምባካሲ ብሓላፍነት የገልግል ነይሩ።

    ምጥፋኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብኮሚሽን መረፃ ዝተረጋገፀ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ማእኸል ቆፀራ ድምፂ መረጻ፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ከምዝጠፍአ ይግለፅ።

  2. ምግላጽ ዓወት ሩቶ ኣገዳሲ 'እምነ ምዕራፍ' ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ

    ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኬንያውያን ብሰለማዊ መገዲ ድምፂ ምሃቦም ብምንኣድ፡ ኩሎም ወገናት ድማ ነቶም ዝተረፉ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ሓቢሮም ክሰርሑ ጸወዑ።

    ዊልያም ሩቶ ተመራፂ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዝኾነ ምእዋጁ "ኣብ መስርሕ መረፃ ኣገዳሲ እምነ-ምዕራፍ" ከምዝኾነ'ውን እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

    መራሕቲ ፖለቲካ ደገፍቶም ሰላማውያን ኮይኖም ክቕጽሉን ካብ ዓመፅ ክዕቀቡን ክገብሩ ፃውዒት ኣቅሪቡ'ሎ።

    እቲ 50.49 ሚኢታዊት ድምፂ ብምርካብ ዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ ንመወዳድርቱ ቀዳማይ ሚንስተር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ብፀቢብ ኣፈላላይ እዩ ስዒርዎ።

    ወከልቲ ምርጫ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት መረጋገፂ ክህቡሉ ከምዘይክእሉ ዝገለፁ ኮይኖም፡ ገለ ካብ ኣባላት ኮሚሽን መረፃ እውን "ነቲ ውጽኢት ሓላፍነት ከምዘይወስዱሉ" ኣፍሊጦም'ዮም።

    ሩቶ ብድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ንኹሎም ኬንያውያን ከገልግል ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

    ነቲ ውፅኢት ድማ ኣብ ታሪኽ ኬንያ "እቲ ግልፅነት ዝተመልኦ" ክብል ገሊፅዎ።

    ደገፍቲ ሩቶ ሓጎሶም ኣብ ዝገልፁሉ ዘለዉ እዋን ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም ኣብ ገለ ከባብታት ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

  3. ዕውት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ዊልያም ሩቶ መን’ዩ?

  4. ዊልያም ሩቶ፡ መረጻ ኬንያ ንምዕዋት ዝሰገሮም ብድሆታት

  5. ኣብዪ ኣሕመድ ንምሩጽ-ፕረዚደንት ኬንያ ዮሃናኡ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ ናይ ዮሃና (ሓጎስ) መልእኽቲ ኣውጺኡ።

    "ኣብ ዝቕጽል ተግባራትካ ዓወት እምነየልካ። ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ረብሓታት ብሓባር ክንሰርሕ እትስፎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

    ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ፡ ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ምስ ምሩጽ-ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ክሰርሕ ዘለዎ ቅሩብነት ገሊጹ'ሎ።

    ክልቲኤን ሃገራት ብሰንኪ ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ዝምድናታተን ክሕርፍፍን ክመሓየሽን ምጽንሑ ይፍለጥ።

  6. ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ተቓውሞታት ጀሚሮም

    ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ዘይተቐበልዎ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ጽርግያታት ብምዕጻው ተቓውሞታቶም የካይዱ ኣለዉ።

    ዊልያም ሩቶ 50.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ 5ይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ከምዝተመረጸ ኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ተቓውሞታት ተላዒሉ ዘሎ።

    ኣብቲ ምንጪ ደገፍ ኦዲንጋ ዝኾነ ከባቢታት ኪሲሙ ውጽኢት ምርጫ ምስተገልጸ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታቶም ክገልጹ ተራእዮም።

    እንተኾነ ግን፡ ምክትል ኣቦመንበር እትርከቦም 4 ኣባላት እቲ 7 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን ኣብቲ ዝተገልጸ ውጽኢት ተቓውሞታት ከምዘለዎም ብምግላጽ "ዋንነት" ከምዘይወስድሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሩቶ፡ ናይ ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር መራሒ ከምዝኸውን ብምግላጽ፡ እታ ሃገር ንቕድሚት ክትጥምት ጸዊዑ'ሎ።

    እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ኣባላት ኮሚሽን ዝሃብዎ መግለጺ ድማ "ጓል-መንገዲ" ክብል ኣነኣኢስዎ።

    "ኣነ ደሞክራስያዊ እየ። ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ እኣምን። ንትካላትና ድማ የኽብሮም'የ" ብምባል'ውን ውጽኢት ምርጫ ወግዓዊ ምዃኑ መጒቱ።

    ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ደገፍቱ ብወገኖም፡ ብዓወቱ ዝተሰምዖም ሓጎስ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ይገልጹ ኣለዉ።

  7. ዊልያም ሩቶ ከምዝተዓወተ ኮሚሽን ምርጫ ገሊጹ

    ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዊልያም ሩቶ ሳሞይ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

    ኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ዝገለጾ ውጽኢት ምርጫ ዊልያም ሩቶ 50.49 ሚእታዊት ብምርካብ ከምዝተዓወተ ኣፍሊጡ።

    ቀንዲ ተቓናቓኒኡ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ 48.85 ሚእታዊት ከምዝረኸበ እቲ ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

    ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ዋንነት ውጽኢት ምርጫ ክንወስድ ኣይክኣልናን" ክብሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    "ዘይግሉጽ ባህሪ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ገጽ" መስርሕ ምርጫ ነቲ መግለጺ ክህቡ ከምዘገደዶም ድማ ጠቒሶም።

    ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ከምዝቖሰሉን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምፍርራሕ፡ ምስዋርን ማእሰርቲ ዝበጽሐም ወከልቲ ኮሚሽን ምርጫ ከምዘለዉ'ውን እቲ ኣቦመንበር ገሊጹ።

  8. ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ምንጋር ውጽኢት ተመቒሉ

    ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ፡ ምስ ምግላጽ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዝተሓሓዝ ኣብ ክልተ ተመቒሉ።

    ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ዋንነት ውጽኢት ምርጫ ክንወስድ ኣይክኣልናን" ክብሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    "ዘይግሉጽ ባህሪ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ገጽ" መስርሕ ምርጫ ነቲ መግለጺ ክህቡ ከምዘገደዶም ድማ ጠቒሶም።

    ውጽኢት ምርጫ ዛጊት ብወግዒ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

    እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ መድረኽ ናይቲ ውጽኢት ዝግለጸሉ ኣደራሽ ውጥጥ ተኻዪዱ። ጠንቂ ናይቲ ምስሕሓብ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይተገልጸን።

    ኣቐዲሙ'ውን፡ ሓደ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ዝኾነ ሰነተር፡ ንውጽኢት ምርጫ ክገልጽ ናብ መድረኽ ምስቀረበ ብፖሊስ ማይክሮፎን ከምዝተሓድገ ተፈሊጡ።

    እቲ ቅድሚ ሰዓታት ክግለጽ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ምድንጓዩ ከይኣክል፡ ቀሊል ዘይኮነ ሕልኽላኽ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ፡ መግለጺ ናይቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ይእምት።

  9. ሃገራዊ ኮሚሽን ጥምረት፡ ኬንያውያን ሰላሞም ክዕቅቡ ይጽውዕ

    ሃገራዊ ኮሚሽን ጥምረትን ውህደትን ኬንያ፡ ኬንያውያን ኣብ እዋን ምንጋር ውጽኢትን ፕረዚደንታዊ መረጻ ድሕሪኡን፡ ሰላም ከረጋግጹ ጸዊዑ’ሎ።

    እቲ ኮሚሽን፡ ኵሎም ኬንያውያን ነቲ ዝመጽእ ውጽኢት መረጻ ክቕበሉን፣ ዝዀነ ጕዳይ እንተሃልዩ ድማ ብቤት ፍርድና ክፍታሕ ዝኽእል’ዩ፡” ክብል ገሊጹ'ሎ።

    “ሓቂ’ዩ እዚ ውጽኢት ንመጻኢ ኵነታት ሃገርና ዝውስን እዩ፤ እንተዀነ፡ ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሞትን ህይወትን ፍጻመ ተገይሩ ኸኣ ክውሰድ ኣይግባእን። መን ፕረዚደንት ዀነ ብዘየገድስ፡ ኬንያ ብዓወት ንቕድሚት ክትግስጋስ እያ። ህዝብና ክጭነቕ ኣይግባእን፡” ክብል ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ሳሙኤል ኮቢያ ተዛሪቡ።

    ሃገራዊ ኮሚሽን ጥምረትን ውህደትን ኬንያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2007 ዝተኻየደ፡ ህይወት 1,200 ሰባት ዝወሰደን፡ 600,000 ዘመዛበለን፡ "ምጥፍፋእ ነይርዎ’ዩ" ዝተባህለን መረጻ ስዒቡ ዝተመስረተ እዩ።

  10. ሰለስተ ተኽእሎታት ውጽኢት ምርጫ

    ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰለስተ ተኽእሎታት ክህልዎ'ዩ፡

    • ዊልያም ሩቶ ክስዕር
    • ራይላ ኦዲንጋ ክስዕር
    • ካልኣይ ዙር ምርጫ ክካየድ

    ካልኣይ ዙር ምርጫ ዝካየድ ክልቲኦም ልዕሊ 50 ሚእታዊት ድምጺ ምስዘይረኽቡ'ዩ። እዚ ድማ ካልኦት ክልተ ተወዳደርቲ ብምሃላዎም'ዩ፡ ዋላ'ኳ ክልቲኦም ትሕቲ 1 ሚእታዊት ድምጺ ጥራይ ዘመዝገቡ እንተኾኑ።

    ውጽኢት ምርጫ ምስተነግረ፡ ተወዳደርቲ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ክብድህዎ ይኽእሉ'ዮም።

  11. ህዝቢ ንውጽኢት ምርጫ ብሃንቀውታ ይጽበ

    ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምስማዕ ተሃንጥዮም ዘለዉ ብዙሓት ኬንያውያን ማዕከናት ዜና ኣብ ምክትታል ተጸሚዶም ይርከቡ።

    ናይቶም ቀንዲ ተቐናቐንቲ ዝኾኑ ራይላ ኦዲንጋን ዊልያም ሩቶን ደገፍቲ በብከባቢኡ ክዕወቱ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ ኣለዉ።

    ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ውጽኢት ምግላጽ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

    ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ድሮ፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መኣከቢኦም ቀይሕ ምንጻፍ ብምድላው ይጽበዩ ኣለዉ።

    ኣብ ገለ ከባቢታት ናይሮቢ ትካላት ንግዲ ኣቐዲሞም ክዕጸዉ ከምዝጀመሩ ተፈሊጡ።

  12. ‘ቦማስ’ ማእከል ቈጸራ ድምጺ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ

    እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ሃገራዊ ማእከል ቈጸራ ድምጺ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተቐይሩ ዘሎ ባህላዊ ማእከል ቦማስ፡ ብጻዕቂ ብዝተዋፈሩ ኣባላት ጸጥታ ኬንያ ኣብ ትህቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

    ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣን ሶይ፡ መከላኸሊ ናዕበኛታት ዝዓጠቝ ወተሃደራት፡ ነቲ ማእከል ከቢቦምዎ ከም ዘለዉ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሓ’ላ።

    ኣብ ውሽጢ እቲ ኣደራሽ’ውን ፖሊስ፡ ነቶም ቀንዲ መተሃላልኽቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት መፍለዪ ገይሮም ይርኣዩ።

    ምእታው ናብቲ ኣዳራሽ፡ ነቶም ፍቓድ ዝተዋህቦም ብጽኑዕ ምቍጽጻር እዩ ዝካየድ ዘሎ።

  13. ዊልያም ሩቶ፡ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኰይኑ ዝቐረበ ነጋዳይ ደርሆ ነበር

    ቁልዕነት ዊልያም ሩቶ፡ ታሪኽ ህይወት ብዙሓት ኬንያውያን ድኻታት እዩ ክብሃል ይክኣል።

    ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደላ መዓልቲ፡ ጥራሕ እግሩ ነይሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ’ዩ ጫማ ወድዩ።

    ኣብ ገጠራት ሃጓፍ ሸንጥሮታት ኬንያ፡ ኣብ ጸግዒ ጽርግያ ኰይኑ ክኣ ደርሆን ለውዝን (ኦቾሎኒ/ፉል) ይሸይጥ ነይሩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩቶ ኣብ ኬንያ ካልኣይ ሓያል ሰብ ኰይኑ ምኽትል ፕረዚደንት እዩ።

    ኣብቲ ኣብዚ ወርሒ፡ ዕለት 9 ነሓሰ 2022 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ድማ ሕጹይ ተወዳዳርን ወኪል ድኻታትን ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ኽኣ ነቲ ታሪኽ ህይወቱ ዝፈልጥ ሓድሽ ኣይኰነን።

    ሩቶ፡ ‘ኬንያ ኩዋንዛ’ [ቀዳምነት ንኬንያ] ዝብል መሪሕ ቃል ሒዙ ተበጊሱ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ቍጠባዊ ዕብየት ከምጽእ’ውን ይመባጻዕ።

  14. ንፕረዚደንትነት ዘማዕዱ ዘሎ ደጋፊ ኣርሰናል ራይላ ኦዲንጋ

    ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ኬንያ ካብ ፍሉጥ ስድራቤት'ዩ መጺኡ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኽትል ፕረዚደንት ኰይኑ ንዘገልገለ ኣቦኡ ፖለቲካዊ ዘውዲ ከምልጦ ከም ዝጸንሐ ንዕኡ'ውን ንዓሰርታት ዓመታት ክትሃድሞ ጸኒሓ'ያ።

    ኣብ 2008 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ትሸዓተ ነሓሰ 2022 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ንሓምሻይ ግዜ'ዩ ፈተነ ከካይድ።

    ኦዲንጋ፡ ኣፍቀርቲ ሰዓብቲ ኣለውዎ፤ እዞም ዝፈትውዎ ደገፍቱ ክኣ "ባባ" (ኣቦ)፣ "ኣግዋምቦ" (ስራሕ ኣምላኽ)፣ ከምኡ'ውን "ቲንጋ" [ትራክተር] ኢሎም ይጽውዑዎ።

    ትራክተር፡ ኣብ 1997 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተጠቐመሉ ምልክት ናይቲ ዝውክሎ ሰልፊ'ዩ ነይሩ።

  15. ግምታት ውጽኢት መረጻ

    ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ሰለስተ ውጽኢታት ግምት ተዋሂብዎ’ሎ። ንሳቶም ከኣ፡

    • ዊልያም ሩቶ ይዕወት
    • ራይላ ኦዲንጋ ይዕወት
    • መረጻ ክድገም ዝብሉ እዮም

    ፕረዚደንታዊ መረጻ ዳግማይ ክካየድ ዘገድድ ኵነታት፡ ኣብዚ ቀዳማይ ዙር፡ ዕውት ትሕቲ 50 ሚእታዊት ውጽኢት ምስ ዘመዝግብ እዩ።

    እዚ ዝዀነሉ እቶም ካልኦት ሕጹያት ምርኡይ ውድድር ምስ ዘርእዩ እዩ።

    ኰይኑ ግን ክልቲኦም ብሓባር ትሕቲ 1 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዘመዝግቡ እዩ ዝግመት።

  16. ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ይግለጽ

    ሓፈሻዊ ምርጫ ኬንያ ብ 9 ነሓሰ ክካየድ እንከሎ፡ ንዝለዓለ ስልጣን እታ ሃገር ዝወዳደሩ ዘለው ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ራይላ ኦዲንጋን ብተቐራራቢ ውጽኢት ተሓናኒቖም እዮም ቀንዮም።

    ውጽኢት እቲ ምርጫ ሎሚ ዝግለጽ ኮይኑ ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ብቐጥታ ኣብዚ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።