ደሃዩ ተሳኢኑ ዝፀንሐ በዓል ስልጣን ምርጫ ኬንያ ሞይቱ ተረኺቡ
እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንዝነበረ ሓደ መደበር መረፃ ብሓላፍነት ዝመርሕ ዝነበረ ሹመኛ ኮሚሽን መረፃ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ኣባላት ስድርኡ ደሃዩ ከምዝጠፍአ ካብ ዝሕብሩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።
ሬሳ ዳኒኤል ምቦሉ ሙስዮካ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ታንዛንያ እግሪ እምባ ኪሊማንጃሮ ኣብ ዘሎ ጫካ ከምዝተረኽበ ንሓደ ሓላፊ ፖሊስ ብምጥቃስ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣስከሬን ናይቲ ሹመኛ ኮሚሽን መረፃ፡ ብኽልተ ኣሓቱ ክረጋገፅ ከምዝተገበረ ጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ፀብፂባ።
እቲ ሬሳ ብጓሶት ከምዝተረኽበን ዝርአ በሰላ ከምዝነበሮን ተገሊፁ'ሎ።
ሙስዮካ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ምብራቕ እምባካሲ ብሓላፍነት የገልግል ነይሩ።
ምጥፋኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብኮሚሽን መረፃ ዝተረጋገፀ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ማእኸል ቆፀራ ድምፂ መረጻ፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ከምዝጠፍአ ይግለፅ።