ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 22 ክብ ኢሉ

ብዛዕባ ሕማም ኮሮናቫይረስ እንታይ ምዕባላታት ከምዘሎ ኣብ ሓንቲ ገጽ ክትረኽቡ እንተደሊኹም፡ ነዚ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ቀጥታዊ ጸብጻብ ተኸታተሉ። እዚ ገጽ፡ ሃገራት እንታይ ስጉምትታት ይወስዳ ከምዘለዋ፡ ንርእስኹም ከመይ ክትሕልዉ ከምዘለኩምን ካልኦትን ዛንታታት ዝሓዘን ብቐጻልነት ዝምዕብልን እዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓድሽ ዜና, ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 4 ተወሰኽቲ ሰባት ረኺባ

    ኣብ ኤርትራ ተወሺቦም ዝነበሩ 4 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ብምሉአን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ኤርትራ ዓለምለኻዊ በረራታት ቅድሚ ምእጋዳ ከምዝኣተዋ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

    በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 22 ክብ ኢሉ'ሎ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ

    ኣብ መላእ ላቲን ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዘተለኽፉ ሰባት ናብ ልዕሊ 20,000 ክብ ኢሉ’ሎ።

    • ኣብ ሜክሲኮ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1378 ኮይኑ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 37 በጺሑ'ሎ።
    • ኣብ ኤኳዶር፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሬሳታት ናይ 150 ከምዝኣከቡ ሓቢሮም ኣለው። ሬሳታት እቶም ኣብ ገዛውቶም ዝሞቱ ግዳያት ንመዓልታት ከይተላዕለ ጸኒሑ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጥዓን ስንባደን ፈጢሩ’ሎ።
    • ኣብ ኩባ፡ ከባቢ 30,000 ዝኾኑ ሓካይም ገዛ ገዛ እናኸዱ፡ ነቶም ስድራቤት ምስ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ ወይ ምስ ወጻእተኛ ተራኺቦም እንተኾይኖም ይሓቱ ኣለው። ኩባ ልዕሊ 200 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎማ ከምዘለው ገሊጻ’ላ።
    • ኣብ ፓናማ፡ 8 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ከምዘለውን፡ ንሶም ድማ ካብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ካብ ቻይና ዝመጽኡ ምዃኖም መንግስቲ ገሊጹ።
    ሬሳታት ኤኳዶር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  3. ወዲ 78 ፍሉጥ ቀያዒ ብኮሮናቫይስ ሞይቱ

    ኢዲ ላርጅ

    ምንጪ ስእሊ, ENDEMOL SHINE UK

    ብፍላይ ኣብ 1970ታትን 80ታትን ሰይድ ሊትል ምስ ዝብል ምድላዋት በሰፊሑ በመስሐቒ ቅየዐታቱ ዝፍለጥ ኢዲ ላርጅ ኣብ 78 ዓመቱ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ።

    ኣባላት ስድር ናይቲ እንግሊዛዊ ኮሞድያን ሞት ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝርከቡ ኾይኖም፡ ቅድም ክብል ብሕማም ልቢ ክሳቐ ከምዝጸንሐን ኣብቲ ደቂስሉ ዝጸንሐ ሆስፒታል በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈን ኣብ ፌስቡክ ጽሒፎም።

    ብሰንኪ እዚ ኮሮናቫይረስ እቶም ስድራን ፈተውቱን ንዕኡ ኣብቲ ሆስፒታል ኣትዮም ክርእይዎ ከምዘይከኣሉ'ውን ሓቢሮም።

    "ሰባት ክስሕቑ ክርኢ እዩ ደስ ዝብሎ ነይሩ" ኢሎም።

    እዚ ቀያዒ ኣብ መደብ ቢቢሲ ዋን ድማ ተኸታታሊ ዘስሕቕ ድራማ ከምዝነበሮ ይዝረብ።

    ገለ ፍሉጣት ኢንግዛውያን በዚ ናይዚ ዕባይ ማንችስተር ዝኾነ ህቡብ ቀያዒ ሞት ዝተሰመዖም ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይገልጹ ኣለዉ።

  4. ስፔን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 1 ሚልዮን ሸቕሊ ኣልቦነት ኣመዝጊባ

    ስፔይን ሸቕሊ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ስፔን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

    እቶም ኣስታት 550 ሽሕ ጊዝያዊ ሰራሕተኛታት እንትኾኑ፡ ጠቕላላ በዝሒ ሸቕሊ ኣልቦ እታ ሃገር ኣስታት 3.5 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ፡፡

    ኣብ ስፔን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ካብ ጣልያን ቀጺላ በቲ ቫይረስ ዝተሃሰየት ኣውሮፓዊት ሃገር፡ ዘበጸሖ ቁጠባዊ ሃስያ ዘርኢ እዩ፡፡

    እታ ሃገር፡ ካብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ካብ ኣገደስቲ ምንቅሰቓሳት ወጻኢ፡ መብዛሕተኦም ንግዳዊ ትካላት በሰንኪ ለበዳ እቲ ቫይረስ፡ ዓጽያቶም እያ፡፡

    ኣብ ሙሉእ ዓለም ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣስታት 25 ሚልዮን ሰባት ሸቕሊ ኣልቦ ክኾኑ ከምዝኸእሉ ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይገልጹ።

    ኣብ ስፔን ቁጽጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 10 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

  5. ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን: ናብ ቤተክርትያን ዘይምኻድ ብኣመንቲ ከመይ ይርአ?

    ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ: ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ለበዳ እዋን: ኣመንቲ ኣብ በቤቶም ኮይኖም ክፅልዩ ትምዕድ ኣላ።

    እንተኾነ ግን: ገለ ስባት ንምህለላን ካልእን ሰባት ክእክቡ ይረኣዩ።

    ብዛዕባ'ዚን ካልእን: ኣባ እስጢፋኖስ ገብረጊዮርጊስ መልእኽቲ ኣለዎም።

  6. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ተወሳኺ ሰብ ካብ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓወየ ተገሊጹ

    ምኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 65 ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዘካየደን ኩሎም ድማ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡን ገሊጹ።

    ካብቶም ቅድም ኢሎም ካብቲ ቫይረስ ከምዝሓወዩ ዝተገለጹ ክልተ ሰባት ብተወሳኺ፡ ካልእ ሓደ ሰብ ከምዝሓወየ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ’ሎ።

    እቶም ቅድም ኢሎም ከምዝሓወዩ ዝተገለጹ ሰባት፡ ንጥንቃቐ ክበሃል ንበይኖም ተፈልዮም ክትትል ይግበረሎም ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት 29 ሰባት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገጸ እዩ ዝግለጽ።

    ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  7. ትግራይ፡ "ሲኖዶስ ንዘሕለፎ ውሳነ ጥሒሶም ምህለላ ዝመርሑ ሰባት ኣለዉ" ኣባ እስጢፋኖስ

    ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ማይጨውን መኾንን ህዝቢ ናብ ከተማ ብምውፃእ ተማህሊሉ እዩ።

    ብኣንፃሩ ድማ እቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፀአ ድንጋገ ህፁፅ እዋን፡ ህዝቢ ክእከብ ከምዘይብሉ ይኽልክል፡ ርሕቐቱ ሓልዩ ሕማም ኮሮናቫይረስ ክከላኸልን ድማ ይድንግግ።

    ብምኽንያት'ዚ ሓይልታት ፀጥታ፡ ነቲ ኣብተን ከተማታት ዝተኻየደ ምህለላ ደው ንክብል ብምሕታቶም፡ ምስ ገለ ኣመንቲ ተጓኒፆም።

    ዛጊድ ኣብ ዓዲግራትን ማይጨውን ምስዚ ምንቅስቓስ ተዛሚዱ ገለ ሰባት ከምዝተኣሰሩ'ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ እዩ።

    ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዳግም ምርድዳእ ክካየድ ከምዝሓተተ ቢቢሲ ትግርኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

    ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕተት ዘካየዱ ኣብ ሃገረስብከት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ መራሒ ሃይማኖት ዝኾኑ፡ ኣባ እስጢፋኖስ፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ንዝወሰኖ ውሳነ፡ ውልቀ ሰባት ይጥሕስዎ ከምዘለዉ ገሊፆም።

    ምህለላ
  8. ኣርባዕተ ከተማታት ኦሮሚያ: ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከካይዳ እየን

    ላብራቶሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቢሮ ጥዕና ኦሮሚያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ናይታ ክልል፡ ናይ ኮሮናቫይረስ መመርመሪ ላብራቶሪታት ከምዘቖመ ኣፍሊጡ።

    እተን ከተማታት፡ ኣዳማ፣ ጅማ፣ ሃረማያን ነቀምቴን ምዃነን፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

    እተን ናይ ጅማን ሃረማያን ላብራቶሪታት፡ ኣብተን ከተማተት ምስ ዝርከባ ዩንቨርስታት ብምትሕብባር ዝቖማ ኮይነን፡ ኣብ ሒደት መዓልታት ምርምራ ክጅምራ ምዃነን ገሊጹ።

    ብተመሳሳሊ፡ ክልል ትግራይ ማእከል ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዘዳለወት ምግላጻ ይዝከር።

  9. መገዲ ኣየር ብሪጣንያ ልዕሊ 36,000 ሰራሕተኛታት ክንክይ እዩ

    ነፈርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መገዲ ኣየር ብሪትሽ ልዕሊ 36,000 ሰራሕተኛታቱ ስርሖም ደው ከብሉ ክገብር’ዩ ተባሂሉ።

    ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝበዝሑ በረራታቱ ዘቋረጸ እቲ መገዲ ኣየር: ምስ ማሕበር ስራሕነኛታት ናይቲ ትካል ንሰሙናት ዘተ ክገብር’ዩ ቀንዩ።

    ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰፊሕ ምርድዳእ’ኳ እንተበጽሑ ኣብ ዝርዝራት ግና ገና ክፈራረሙ’ዮም።

    ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ 80 ሚኢታዊት ካብ ኣባላት በረራ፣ ሰራሕተኛታት ቢሮ፣ መሃንዲሳትን ካልኦት ኣባላት ዋና ቤት ጽሕፈትን ስርሖም ከቋርጹ ክግበር’ዩ።

    በዚ ምንካይ ዝጽለዉ ሰራሕተኛታት ከኣ መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ስርሖም ንዝስእኑ ካብ ዘዳለዎ ፈንድ ከምዝኽፈሎም ተፈሊጡ’ሎ።

    ዓለማዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ከምዝሕብሮ መገድታት ኣየር ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ክሳብ 40 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከጋጥመን ይኽእል’ዩ።

  10. ደቡብ ኮርያ ‘ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ መረጻ ኣይስርዝን’ ኢላ

    ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ መደብ ዝተትሓዘሎም ብዙሓት ፍጻመታት፡ ሃገራዊ መረጻታት’ውን ሓዊሱ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተሰሪዞም እዮም።

    ደቡብ ኮርያ ግን፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ትሸባሸብ እያ ዘላ።

    ተወዳደርቲ፡ ከምቲ ንቡር ንደገፍቶም ኣኪቦም ክምድሩን ሰላም ክበሃሃሉን እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ምስ መረጽቶም ዝራኸብሉ ናይ ጎስጓስ ሜላታት ኣይሰኣኑን።

    ወግዓዊ ናይ ክልተ ሰሙን ጎስጓስ መረጻ ስለዝጀመረ፡ ተወዳደርቲ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይታ ሃገር ንዝርከቡ መደብራት ባቡርን ሹቓትን ከጽርዩ ተራእዮም።

    እዚ 300 ኣባላት ዘለውዎ ሃገራዊ ባይቶ ንምሕራይ ዝግበር መረጻ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ ከምዝኽእል ግምታት ነይሩ።

    መንግስቲ ግን፡ እቲ መረጻ ኣብ 15 ሚያዝያ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ኩሎም መረጽቲ ድማ፡ ድምጺ ኣብ ዝህብሉ እዋን ብውሕዱ 2 ሜትሮ ክረሓሓቑ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ፣ ድምጾም ብወረቐት ቅድሚ ምሃቦም ድማ ኢዶም ብሳኒታይዘር ከጽርዩን ጓንቲ ክገብሩን ከምዝግባእ ተገሊጹ’ሎ።

    መረጻ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ ከምዝኽእል ግምታት ዋላ እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ግን እቲ መረጻ ኣብ 15 ሚያዝያ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  11. ትራምፕ፡ ቻይና ንእትገልጾ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ቁጽርታት ከምዝጠራጠሮ ኣአንፊቱ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ቻይና ዕላዊ ክትገብሮ ዝጸንሐት ቁጽርታት፡ ቁርብ ፍኹስ ዝበለ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዝጠራጠሮ ኣተንቢሁ።

    ንሱ ነዚ ዝበለ ቻይና ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉን ዝሞቱን ሰባት ነክያ ትገልጽ ምህላዋ ዝሕብር መረዳእታ ናብ ዋይትሃውስ ከምዝበጽሐ ማዕኸን ዜና ብሉምበርግ ድሕሪ ምጽብጻቡ እዩ።

    እቲ ጸብጻብ ከምዘይበጽሖ ዝሓበረ ትራምፕ እንተኾነ ካብ ቻይና ዝወጸውኡ ዘለዉ ቁጽርታት ቁሩብ ፍኹስ ዝበሉ ይመስሉ ክብል ገሊጹ’ሎ።

    “እዞም ቁጽርታት ልክዕ ድዮም ኣይኮኑን ንዝብል፤ ኣነ ኣብ ቻይና ዘሎ በዓል ሞያ ሕሳብ ኣይኮንኩን” ኢሉ።

    ቻይና ዛጊድ 81,554 እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ከምኡ’ውን 3,312 ከምዝሞትዋ ካብ ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና ናይታ ሃገር ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

  12. ኣብ ኣፍሪቃ ምንቅስቓሳት ምእጋድ: ፍታሕ ይኸውን ዶ?

    ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሓያሎ ሃገራት: ዝርገሐ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ከም ኣማራጺ ዝወስድኦ ዘለዋ፡ ንህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ምግባር እዩ።

    ንህዝቢ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ምግባር ግን ፍታሕ ከምጽእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ግን፡ ንብዙሓት ኣብ ርእሶም ዝመላለሶም ሕቶ እዩ።

    ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት እዚ ሕቶ እዚ እዩ ቀሪብሉ።

    "ብርግጽ ነዚ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ምግባር ቀዳማይ ፍታሕ እዩ፤ ናብ ኵናት ክትኣቱ እንከለኻ ወይ ኣብ ምክልኻል ወይ ኣብ ምጥቃዕ ኢኻ ተድህብ፡ ካብዚ ክልተ ሓደ ክትመርጽ ከኣ ኣብ ዓቕምኻ እዩ ዝምርኮስ፡ ስለዚ ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ምክልኻል'ዩ ክተድህብ ዘለዋ" ይብል።

    ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ክልተ ሰሙን ምዕጻው እቲ ሕማም ኣብ መን ኣሎ ክትፈልጥን፡ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምግታእ ከምዘሕግዝን ብምጥቃስ፡ ንኣፍሪቃ ዘዋጽአ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ይሕብር።

  13. ሩዋንዳ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝኣወጀቶ ክልከላ ምንቅስቓሳት ኣናዊሓቶ

    ሩዋንዳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ሩዋንዳ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተመሓላለፈ እግድ ምንቅስቓሳት ክሳብ 19 ሚያዝያ 2020 ክናዋሕ ወሲኑ።

    እቲ ብ21 መጋቢት ዝጀመረ እግድ፡ ሰባት መግቢ ወይ መድሓኒት ክገዝኡ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዘገድድ እዩ።

    ኣብ ሩዋንዳ ኣብዚ ሕዚ እዋን: 82 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ይግለጽ።

    ኣብ እዋን እዚ ክልከላ: ኩሎም ዶባት ተዓጽዮም ዝቕጽሉ ኮይኖም: ዜጋታት ሩዋንዳ ጥራይ ክኣትዉ ይፍቀደሎም።

  14. ተመራመርቲ ተስፋ ዝህቡ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ፈተነ ክገብሩ ጀሚሮም

    ምርምር

    ምንጪ ስእሊ, CSIRO

    ካብ ኣወስትራልያ ጸቡቕ ዜና ተሰሚዑ’ሎ።

    ሃገራዊ ኤጀንሲ ሳይንሳዊ ምርምራት: ኣብ ክልተ ንኮሮናቫይረስ ክኾኑ ዝኽእሉ ክታበታት ፈተነ ከካይድ ጀሚሩ።

    ንምምዕባሉ ክልተ ዓመት ዝወስድ’ኳ እንተነበረ: ኣብ ኣውስትራልያን ግን ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ኣዋርሕ ዕውት ውጽኢት ዝተረኸበ ይመስል።

    እቶም ክልተ ክታበታት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣሜሪካዊ ኩባንያ አፋውስ ኢኖቪዮን ዝኸደ ኮይኑ ‘ፌረት’ ኣብ ዝበሃላ [ነኣሽቱ ኣጥበውቲ ዓይነት እንስሳ] ፈተነ ከምዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።

    እዘን ዓይነታት እንስሳ ድማ ብሳርስ-ኮቪ-2 ዝልከፋሉ መገዲ ተመሳሳሊ እዩ::

    እቶም ክታበታት ዕውት ውጽኢት ይርከቦም’ዶ? ንሰባትከ ውሑስ’ዶ ይኸውን ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ ፈተነ መልሲ ክረከብ ትጽቢት ይግበር።

    ፈላማይ ውጸኢት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ድማ: ኣብ ወርሒ ሰነ ከምዝፍለጥ ተመራመርቲ ኣውስትራልያ ተዛሪቦም ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ብሰባት ዝተፈተነ ክታበት ነይሩ’ዩ።

  15. ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ ሓደ ሚልየን ይፅጋዕ ኣሎ

    ቴድሮስ ኣድሓኖም

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ዓለምና ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ ሓደ ሚልዮን ይጽጋዕ ዘሎ ኮይኑ: ናህሪ ዝርገሐ ናይዚ ሕማም ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣሻቒልዎ ይርከብ::

    ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም: እቲ ናብ ኣስታት 937 ሽሕ በጺሑ ዘሎ መልከፍቲ: ኣብ ሒደት መዓልቲ ናብ ሓደ ሚልዮን ክኣቱ እዩ ኢሉ::

    ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት'ውን ሕጂ ልዕሊ 47 ሽሕ ኮይኑ: ኣብ ሓጺር መዓልቲ ናብ 50 ሽሕ ክብ ክብል እዩ ኢሉ::