
ምንጪ ስእሊ, CSIRO
ካብ ኣወስትራልያ ጸቡቕ ዜና ተሰሚዑ’ሎ።
ሃገራዊ ኤጀንሲ ሳይንሳዊ ምርምራት: ኣብ ክልተ ንኮሮናቫይረስ ክኾኑ ዝኽእሉ ክታበታት ፈተነ ከካይድ ጀሚሩ።
ንምምዕባሉ ክልተ ዓመት ዝወስድ’ኳ እንተነበረ: ኣብ ኣውስትራልያን ግን ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ኣዋርሕ ዕውት ውጽኢት ዝተረኸበ ይመስል።
እቶም ክልተ ክታበታት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኣሜሪካዊ ኩባንያ አፋውስ ኢኖቪዮን ዝኸደ ኮይኑ ‘ፌረት’ ኣብ ዝበሃላ [ነኣሽቱ ኣጥበውቲ ዓይነት እንስሳ] ፈተነ ከምዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።
እዘን ዓይነታት እንስሳ ድማ ብሳርስ-ኮቪ-2 ዝልከፋሉ መገዲ ተመሳሳሊ እዩ::
እቶም ክታበታት ዕውት ውጽኢት ይርከቦም’ዶ? ንሰባትከ ውሑስ’ዶ ይኸውን ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ ፈተነ መልሲ ክረከብ ትጽቢት ይግበር።
ፈላማይ ውጸኢት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ድማ: ኣብ ወርሒ ሰነ ከምዝፍለጥ ተመራመርቲ ኣውስትራልያ ተዛሪቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ብሰባት ዝተፈተነ ክታበት ነይሩ’ዩ።