ፖሊስ ሆላንድ ምስ ሰልፈኛታት ጸረ-ኢሚግሬሽን ተጋጭዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖሊስ ሆላንድ ብቐዳም 21 መስከረም 2025፡ ኣብ ከተማ ሄግ ነቶም ጸረ ኢሚግሬሽን ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትክን ማይን ተጠቒሞም።
ዓበይቲ ጕጅለታት እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ክላተሙ እንከለው፡ ገሊኦም ኣእማንን ጥርሙዝን ደርብዮም፤ ብሰንኲ 30 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ክልተ ኣባላት ፖሰስ ድማ ቈሲሎም።
እቶም ኣስታት 1500 ሰባት ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት ንቐንዲ ጽርግያ ክዓጽዉ እንከለዉ፡ ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ድማ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለት ማዕከን ዜና ሆላንድ ኤኤንፒ ንኣሃዛት ፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዲክ ሹፍ፡ ነቲ "ዘሰንብድን ግርምቢጥን ሕንከት ዘይብሉ ዓመጽ፡" ብምዅናን፡ "ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ መረጻ ዝተዓወተ መራሒ የማናዊ ሰልፊን ርእይትኡ ዓቂቡ ዝጸንሐን ጌርት ዊልደርስ፡ ቅድሚ እቲ 29 ጥቅምቲ ዝካየድ መረጻ፡ ኣብቲ ሰልፊ ክዛረብ ተዓዲሙ እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ሰልፊ ግን ኣይተሳተፈን።
ኣብ ክንድኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸም ዓመጽ "ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብል'ውን ኰኒንዎ፤ ነቲ ተግባር ድማ ስራሕ "ዓያሹ" ክብል ነቒፉ።
እቲ ተቓውሞ ብሓደ የማናዊ ተጣባቒ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ጽኑዕ ፖሊሲታት ስደትን ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባ ጸቓጢ ስጕምቲ ክውሰድን ይጠልብ።
ብዙሓት ምስ ሕሉፍ የማናውያን ጒጅለታት ዝተኣሳሰሩ ባንዴራታት ሆላንድን ምስ ሕሉፋት የማናውያን ምትእስሳር ዘለወን ባንዴራታትን ዝሓዙ ዓበይቲ ጕጅለታት ሰልፈኛታት ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ተጓነጹ ዓመጽ ተላዒሉ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ መስኮት ዋና ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብብዙሓት ሕሉፍ የማናውያን ከም ገስጋሲ ዝርእይዎ ማእከላይ ጸጋማዊ ሰልፊ 'ዲ66' እውን ሰይሮምዎ።
መራሒ 'ዲ66' ሮብ ጀተን፡ እቲ ዝበጽሐ ጕድኣት ሰፊሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ሰልፈኛታት "ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ርሓቑ፡" ኢሉ።
"ከተፈራርሑና ትሓስቡ እንተሃሊዅም፡ ፈትኑ። ኣኽረርቲ ናዕበኛታት እታ ጽብቕቲ ሃገርና ክወስዱ ፈጺምና ኣይንፈቅድን ኢና፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብቲ ተቓውሞታት ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት 'ዲ66' ዝዀነ ሰብ ከም ዘይነበረ ኤኤንፒ ንሰብመዚ እቲ ሰልፊ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ገሊጹ።
እዚ ዘይምስምማዕ፡ መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ዊልደርስ ብሰንኪ ኣብ ጕዳይ ስደት ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ነቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፉ 'ፒቪቪ' ካብ ልፍንቲ እቲ ምምሕዳር ድሕሪ ምስሓቡ ዝፍጠር ዘሎ እዩ።
እዚ ዘይምቅዳው፡ ዊልደርስ 10 ተወሳኺ ስጕምትታት ዑቕባ ድሕሪ ምድፋኡ'ዉን ክዓርግ ተራእዩ።
እዚኦም፡ ምምልካት ሕቶ ዕቝባ ደው ምባል፡ ህንጸት ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ደው ምባልን ምጥርናፍ ስድራቤት ምድራትን ይርከቡዎም።
እቲ ልፍንቲ ንሓደ ዓመት ዘይመልእ ግዜ እዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







