300 ዓመት ዝዕድመኡ 'ፈዋሲ' ገረብ ምቝራጹ ስለምንታይ ቍጥዐ ፈጢሩ?

ምንጪ ስእሊ, EMMANUEL BRIGHT QUAICOE
ሰበስልጣን ጋና ነቲ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ 300 ዓመት ዝዕድመኡ ፍሉጥ ገረብ ዝቘረጹ ሰባት ይሃድኑ ምህላዎም ተገሊጹ።
ዕድመ እቲ ገረብ ካብቲ ኣካል ዘመናዊት ጋና ዝዀነ ንግስነት ኣሻንቲ [‘ኣሻንቲ ኪንግደም’] ዝጅምር እዩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ዕድመ ፀገብ ገረብ ኣብቲ ኮምፎ ኣኖክየ ዝተበሃለ ፍሉጥ ካህን ኣብ መጀመርታ 1700ታት ‘ኮላ ነት’ [kola nut] ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ፍረ ዘርኢ መጽዩ ኣብ ዝተፍኣሉ ቦታ ከም ዝበቘለት ይዛረቡ።
ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ጸሊምን ጻዕዳን ዘርኢ ናይቲ ገረብ ሕማማትን መርገምን ክፍውስ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ጋናውያን ኣሳእል ናይቲ ዝተቘርጸ ገረብ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ካብ ዝረኣዩሉ እዋን ጀሚሮም ቍጥዐኦም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። እቲ ገረብ ኣብ ማእከል ዓቢ ጽርግያ እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ህንጸት እቲ ጽርግያ ብምኽንያት ተፈታውነቱ ከይተቘረጸ ዝተረፈ ኰይኑ፡ ንጋናውያንን ወጻእተኛታትን መስሕብ በጻሕቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ሎ።
ሕጂ ንምንታይ ከምዝተቘረጸ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ቤተ መንግስቲ ማንህያ (መንበር ንጉሳዊ ስድራቤት ኣሻንቲ) ዳይረክተር ምርምር ዝዀነ ኦሰይ-ቦንሱ ሳፎ ካንታንካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ገረብ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ታሪኽ ንግስነት ኣሻንቲ ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ገሊጹ።
ኲናት ‘ፈይያሰ’ ህዝቢ ኣሻንቲ ንናጽነቱ ኣንጻር ሓያል ንግስነት ደንኪራ ዝተቓለሰሉ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ገረብ ዝርከበሉ ቦታ ከኣ "ህዝቢ ደንኪራ ብኣሻንቲ ዝተሳዕረሉ ቦታ እዩ ነይሩ” ይብል ኦሰይ-ቦንሱ ሳፎ ካንታንካ።
ኮምፎ ኣኖክየ ዝተባህለ ፍሉጥ ካህን፡ ንመንፈስን ህያውያንን ከም መራኸቢ መንጐኛ ኰይኑ ከም ዝሰርሕ ዝእመን ሰብ’ዩ ነይሩ።
ብኣፋዊ ትውፊት ድማ ኣብ ቀጽሪ ሓደ ኣብ ጋና ከተማ ኩማሲ ዝርከብ ብስሙ ዝጽዋዕ ሆስፒታል ኣብ መሬት ሴፍ ከም ዝቐበረን ክሳብ ሎሚ ፈጺሙ ክእለ ከምዘይክእልን ይገልጽ።
ህላወ እቲ ገረብ ንቕያታቱ ብቐጻሊ ዘዘኻኽር እዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







